ምዕፋን ኣእምሮ የጋጥመኩም ዶ? መፍትሒኡ በሉ ክንነግረኩም

ኣዝዩ ጽዑቕ ስራሕ ኣብ ዝህለወና፡ ጸቕጢ ክስምዓና ንቡር'ዩ፡ ኣብ ከምዚ ኵነታት ከኣ ናብ ሓደ ክፍሊ ኣቲና ናብቲ ክፍሊ ንምንታይ ከምዝኣተና ምርዳእ ክኣብየና ወይ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ጀሚርና ምቕጻሉ ክንጽገም ወይ'ውን ዋላ ንቐሊል ነገር ክኸብደና እንከሎ ኣይንሸገርን፡ እዚ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም ንቡር ነገር'ዩ።
ብፍላይ ከኣ ንቀዳመ ሰንበት ኣሕሊፍና ናብ ስራሕ ክንምለስ ወይ ናብ መጽናዕቲ ከነድህብ ቀጨውጨው ክብለና ይኽእል'ዩ።
እዚ ከምዚ ኵነታት ብሳይንሳዊ ኣጸዋውዓ 'ብረይን ፎግ' እዩ ዝብሃል ብትግርኛ ከኣ ምዕፋን ኣእምሮ ክንብሎ ንኽእል ኢና።
እዚ ዋላ ደኣ ከም ሕማም ኣይፈለጥ፡ ድምር ናይ ከም ኣተኵሮ ምስኣን፡ ምርሳዕን ዛሕሊ ኣእምሮን ውጽኢት'ዩ።
እዚ ኣብ ደቀንስትዮ ቀቅድሚ ንጽፈ ጽግያትን ድሕሪ ንጽፈ ጽግያትን'ዩ ዘጋጥም፣ ብሓፈሻ ከኣ ልዕሊ ዓቐን ሓሳብ ከነብዝሕ እንከለና'ውን ክኽሰት ይኽእል'ዩ።
ክኢላ እዚ ዓውዲ ዶክተር ታራካ ነዚ ምዕፋን ኣእምሮ ብከመይ ከነወግዶ ንኽእል ኣርባዕተ ሞያዊ ምኽሪ ሂባትና ኣላ።
1. ንነብስና ንሕለየላ
ምዕፋን ኣእምሮ ንዝዀነ ሰብ ከጥቅዕ ዝኽእል'ዩ።
በዚ ተጠቒዕካ ማለት ውልቃዊ ውድቀት ወይ ንጸገማት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የብልካን ማለት ኣይኰነን።
ሓንጎልና ብቐሊሉ ደኺመ፡ ጸቕጢ ተሰሚዑኒ ወይ ልዕሊ ዓቕመይ ሰራሕ ኣብ ዝበለሉ 'ብምዕፋን ኣእምሮ' ክንጥቃዕ ንኽእል ኢና።
ምዕፋን ኣእምሮ ነዊሕ ኣይጸንሕን'ዩ፣ እንተኣዕሪፍና ብቐሊሉ'ዩ ዝሓድገና።
ብ'ብረይን ፎግ' ከምዝተጠቓዕና ክርደኣና እንከሎ፡ ሓገዝ ክንሓትትን እቲ ክንሰርሖ ዝጸናሕና ዕማም ግድን ቀልጢፉ ክዛዘም ዘለዎ እንተዀይኑ ናብ ካልእ ሰብ ከነመሓላልፎ'ዩ ዝምከር።
ኣዝዩ ዘሻቕል ኰይኑ እንተተሰሚዑና ግን ናብ ክኢላ ከይድና ክንዘራረበሉ ይምከር።
2. ስሩዕ ኣካይዳ ምልማድ
ስሩዕ ኣካይዳ ምስ ዝህልወካን መዓልታዊ ትደጋግሞ እንተዄንካን ብተዘዋዋሪ ንሓንጎልካ ኢኻ ስራሕ ተጕድለሉ ዘለኻ።
ቀጺሉ እንታይ ከም ዝመጽእ ምፍላጥካ ሓንጎልካ "ሕጂኸ እንታይ'የ ክገብር?" ዝብል ሕቶ ካብ ምሕታት ኢኻ ትገላግሎ ዘለኻ፣ ስሩዕ ስለዝዀነ ብዘይ ጸቕጢ'ዩ ዘተግብሮ።
ንግሆ ተንሲእና ቁርሲ ንሰርሕ፡ ስዓት ዓሰርተ ምስ ኮነ ካብ ሰድያና ትስእ ኢልና ንመጣላዕ ወይ ንንቀሳቐስ እንተዄንና ምሸት ናብ ገዛና ምስ መጻእና ክዳን ምዕጻፍ ምስትራር ወይ መጽሓፍ ምንባብ ብስሩዕን ብልሙድን ነዘውትር እንተዄንና ኣካላትና ስለዝለምዶ ካብ ሓንጎል ትእዛዝ ኣይጽበይን።
እዚ ከኣ ሓንጎልና ጸቕጢ ንኸይህልዎ ይገላግሎ።
3. ዕረፍቲ ውሰድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መዘክርና ዘለዉና መደባት ትንፋስ ብዘይህብ ቅጽጽ ክብል ይኽእል'ዩ።
ካብ ሓደ መደብ ናብ ሓደ መደብ፡ ካብ ሓደ ኣኼባ ናብ ካልእ ኣኼባ ክንናጠር ሓንጎልና ዝያዳ ከምዝእሰርን ጸቕጢ ከምዝስምዖን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከኣ ብምዕፋን ኣእምሮ ክንጥቃዕ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ስለዝዀነ'ዩ ኣብ መንጎ ኣኼባ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ እናተባህለ 5 ክሳብ 10 ደቒቕ ዕረፍቲ ዝውሃበና።
ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ዕረፍቲ ንሓንጎልና ንሓያለ ሰዓታት ብንቕሓት ንኽሰርሕ ይሕግዞ'ዩ።
4. መዘክርን ዓውደ ኣዋርሕን ተጠቐም
ዘለካ መደባትን ቈጸራታትን ኣብ ሓንጎልካ ክትሕዞ ምፍታን ዝያዳ ረሳዕቲ ንኽንከውን'ዩ ዝደፍኣና፤ ምኽንያቱ ንሓንጎልና ናይ ነዊሕን ሓጺርን መደባት ኢና ንህቦ ዘለና።
ንኸምዚ ዓይነት መደባት ከኣ መዘክር ምሓዝን ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ዘለና መደባት ምልክታት ምግባርን ንሓንጎልና ዓቢ ሩፍታ'ዩ ዝህቦ።
ኣብ ካላንደር ሞባይልና 'ሪማይንደር' ምምዝጋብን ቅድሚ ቈጸራና ፍርቂ ሰዓት፡ ዓሰርተ ደቒቕ [ከከም ኵነታቱ] ሞባይልና ምልክት ከምእትገብረልናን ምግባር ይከኣል'ዩ።
እዚ 'እንታይ ዝረሳዕክዎ ኣሎ?' ኢልና ንሓንጎልና ደጋጊምና ካብ ምሕታት ይገላግለና'ዩ።
ብተወሳኺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕቀሰ፡ ዶክተር ታራካ ስዋንስ [SWANS – SLEEP, WATER, ACTIVITY, NUTRITION, STRESS] ዝሰመየቶ ንጥፈታት ምዝውታር'ውን ንጥዕና ሓንጐልናን ዓሚቝ ኣተኵሮን ንኽህልወናን ሓጋዚ ምዃኑ ትሕብር።
- ድቃስ፡ ድቃስ ኣእምሮና ንኸዕርፍን ንዘለዎ ዝኽርታት ንኸኮማስዕን ስለዝሕግዞ ኣብ ድቃስ ዝዀነ ሕደገት ክንገብር የብልናን፤ መዓልታዊ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ክንድቅስ ኣለና
- ማይ: ኣስታት 60 ሚእታዊት ኣካላትና ብማይ ዝቘመ'ዩ፤ ዋሕዲ ማይ ከጋጥመና እንከሎ ከኣ ኣተኵሮና ይጎድል'ዩ። ስለዚ ካብ ከባቢና ማይ ኣይንፍለ፡ ዋላ ጽምኢ ኣይሰምዓና ከኣ ጎርዳዕ ከነብል ኣለና
- ንጥፈታት: ኣካላዊ ምንቅስቃስ ኣብ እንገብረሉ ዑደት ደምና ይውስኽ'ዩ፤ እዚ ከኣ ናብ ሓንጎልና እኹል ኦክስጅን ንኽበጽሕ ይሕግዞ። ኣእምሮና እኹል ኦክስጅን እንተረኺቡ ንጹር ሓሳብን ንኽንሓስብን ይሕግዘና። ስለዚ ብእግሪ ምጕዓዝ፡ ዘብዘብ ምባል ወይ ከኣ ብደውና ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባር ነዘውትር።
- መኣዛዊ መግቢታት: ካብ ዝተመስርሐ መግቢ ባህርያዊ መግቢ ነዘውትር፤ ከም እንቋቝሖ፡ ዓሳን ፍረታት ምምጋብ ንሓንጎልና ሓጋዚ ስለዝዀነ ካብቲ ከነዘውትሮ ዘለና ዓይነታት መግቢ'ዩ።
- ጸቕጢ፡ ክቱር ጸቕጢ ምስ ዝህልወና ሓንጐልና ነቲ ጸቕጢ ንምብዳህ ዘንዘዖ ሆርሞን ኣሎ። እዚ ከኣ ንሓንጐልና ከም ደበና ኰይኑ ዓፊኑ ከምዘይሓስብ ይገብሮ። ስለዚ ጸቕጢጠ ክስምዓን እንከሎ ከም ዓሚቝ ምስትንፋስ ብምግባርን ናብ ፍታሕ ዘድሃበ ሓሳብ ብምሕሳብን ንጸቕጥና ከነጕድሎ ንፈትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







