ኣካላትና ብቕልጡፍ ሓይሊ ንኽረክብ ዝሕግዙ 8 ቀለልቲ መግቢታት

ጓል ኣንስተይቲ

ኣብ ቀረባ እዋናት ምስ ጥዕናን ኣመጋግባን ብዝተኣሳሰር ብዙሓት ርእይቶታት ምስማዕ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

ካብቶም ብዙሕ ግዜ ዝለዓሉ ሓሳባት ድማ ኣብ ትሕቲ ካርቦሃይድሬት ዝምደቡ መግቢታት ይምልከት።

'ክብደት ሰብነት ንምቕናስ፡ ካርቦሃይድሬት ምቕናስ' ከምኡ'ውን 'ጥዕና ንምሕላው ካርቦሃይድሬት ምቕናስ' ዝብሉ ርእይቶታት ምስማዕ ሓድሽ ኣይኰነን።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም መግቢታት ዘሎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ ይኸውን ኣሎ።

እንተዀነ ኣብ ኣመጋግባ ክመጽእ እንከሎ፡ ካርቦሃይድሬት ትሕዝቶ ዘለዎም መግቢታት ንኣካላትና ቀንዲ ምንጪ ጸዓት እዮም።

ኣብ ስፖርታዊ ምንቅስቓስና ይዅን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ጸዓት ክንረክብ ድማ ይዝሕግዙ።

ብቕዓትን ሓይልን ብዝምልከት እውን ኣብ ትሕቲ ካርቦሃይድሬት ዝምደቡ መግቢታት ወሳኒ ተራ ኣለዎም።

ክኢላ ስፖርታዊ ኣመጋግባ ኣይሚ ኢለን ኦኪፍ፡ ነዞም ሓደ ሓደ ግዜ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ትሑት ኣረኣእያ ዝወሃቦም መግቢታት ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዋ።

ንሳ፡ ጥዕናና ካብ ምህሳይ ሓሊፉ ብቕዓትና ንምምሕያሽ ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎም እያ ትሕብር።

መዓስ ብካርቦሃይድሬት ዝሃብተሙ መግቢታት ንበልዕ እውን ኣገዳሲ እዩ ይብል ክኢላ ኣመጋግባ ብቕዓት ዶክተር ጀምስ ሞሬሃን።

"ኣካላትና ከሕቕቖም እኹል ግዜ ከም ዝሃብና ንምርግጋጽ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰዓታት ኣቢሉ ክንምገቦም ኣለና። ከምኡ'ውን ኣብ ከብድና ከቢዱና እንከሎ [ምንቅስቓስ ኣካላት] ክንጅምር ከምዘይብልና ክነረጋግጽ ኣገዳሲ'ዩ።"

እዞም ዝስዕቡ ምቁር መግቢታት ኣብ እዋን ቁርሲ፡ ጠዓሞትን ኣብ መንጎ መግብታትን እንተተመጊብናዮም ጸዓት ክህቡናን ንኣካላዊ ብድሆታት ድሉዋት ክንከውን ክሕግዙና ይኽእሉ።

ኬክ

ጨው ዘለዎ ሉዝን ካብ ሩዝ ዝተሰርሐ ጸሊም ቸኮሌትን

እዚ ምቁር መግቢ ሚዛናዊ ምትሕውዋስ ቅልጡፍ ካርቦሃይድሬት ዝሕግዝ ከምዝዀነ ኦኪፍ ትገልጽ።

እዚ ማለት እዞም መግቢታት ኣብ ኣካላትና ብቕልጡፍ ዝበታተኑ እዮም።

"ጸዓት ብቕልጡፍ ንምብራኽ ከምኡ'ውን ጥዕናዊ ስብሒ ንምቕራብ" ከምዘገልግሉ እታ ክኢላ ተመልክት።

እዚ ድማ ኣብ ጽዑቕ መዓልታት ኣብ እዋን ቅድሚን ድሕሪን ምንቅስቓስ ኣካላት ሓይሊ ዘተባብዑ መግቢታት ይገብሮም።

"ከምዚኦም ዝኣመሰለ ምቁር መግቢ ሓይሊ ኣብ ምርካብን ንመስርሕ ሕውየትን ኣገደስቲ'ዮም።"

ባኒ

ብእንቃቑሖን ጸባን ዝተጠብሰ ባኒ

ብዙሓት ሰባት ካብ ምሉእ እኽሊ ዝተሰርሑ መግቢታት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎም ይዛረቡ።

ክኢላታት ግን ምንቅስቓስ ኣካላት ቅድሚ ምግባርና ኣብ ክንዲ ካብ ዘይተጻረየ እኽሊ ዝተሰንከተ ባኒ፡ ጻዕዳ ባኒ እንተተመገብና ከምዝሓይሽ እዮም ዝምዕዱ።

ምንቅስቓስ ኣካላት ኣብ እንገብረሉ እዋን ብዙሕ ፋይበር ከምየድለየና ድማ ይጠቕሱ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ካብ ምሉእ እኽሊ ዝተሰርሐ ባኒ ኣብ እዋን ኣካላዊ ምንቅስቓስካ ኣዝዩ ዝጸገብና ኰይኑ ክስምዓና ክገብር ከምዝኽእል ኦኪፍን ሞሬሃንን ብሓባር ይገልጹ።

ኦትስ

'ኦቨርናይት ኦትስ'

'ኦቨርናይት ኦትስ'፡ ከይበሰለ ምስ ጸባ ወይ ርግኦ ተኣጂሉ ንሓደ ለይቲ ኣብ ፍሪጅ ዝሓድር ሰዓዕ ማለት እዩ።

"ልዑል ካርቦሃይድሬት ዘለዎ ቁርሲ ከም ገዓት ምስ ባናና፡ ገለ መዓር ምስ ፍረታት ዝተሓዋወሰ ከጠቓልል ይኽእል'ዩ" ይብል ሞሬሃን።

'ኦቨርናይት ኦትስ' ድማ ነዚ ዕላማ ክውዕል ዝኽእል ብሉጽ ኣማራጺመግቢ እዩ።

ምሸት ብዝደለኹምዎ ፈሳሲ ኣዳሊኹም ንጽባሒቱ ንግሆ ክትበልዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ፍሪታታ

ፍሪታታ ስጳኛ

እዚ መግቢ ስፒናች ወይ ሓምሊ፡ ድንሽ፡ በርበረን እንቋቑሖን ዘጠቓልል መግቢ እዩ።

ካርቦሃይድሬት፡ ፕሮቲንን ብዙሕ ደገፍቲ መኣዛታትን ድማ ይህብ።

እዚ ኣብ ቅድመ ምንቅስቓስ ሓይሊ ዝህብ ኰይኑ፡ ድሕሪ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ እውን ምቹእነት ንኽስምዓና ይሕግዝ።

ካብ ግሉተን ነጻ ዝዀኑ መግብታት

ካብ ግሉተን ነጻ ዝዀኑ መግቢታት

ግሉተን ማለት ዝዀነ ኣብ ስርናይን ካልኦት ሓያሎ ኣእካልን ዝርከብ ፕሮቲን ዝሓዘ መግቢ እዩ።

ካብ ግሉተን ነጻ ክበሃል እንከሎ ድማ ካብዞም መግብታት ነጻ ዝዀነ ዝዀነ ኣመጋግባ ዘየጠቓልል እዩ።

ንኣብነት ከም ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ስጋን እንቋቑሖን ከምኡ'ውን ካብ ግሉተን ነጻ ዝዀኑ ዝተመስርሐ ባኒ ወይ ፓስታ ምምጋብ ጥራይ ምብላዕ ማለት እዩ።

ዘድልየኩም ጸዓት ዝህበኩም ዝተጠብሰ ምግቢ እንተደሊኹም ካብዚኦም ዝስራሑ መግቢታት ቀንዲ ኣማራጺ እዮም።

ዝተንዘግዘገ እንቋቑሖ ኣብ መንጎ ዝተጠብሰ ባኒ

ዝተንዘግዘገ እንቋቑሖ ኣብ መንጎ ዝተጠብሰ ባኒ

እዚ ልሙድ ቁርሲ እዩ። ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ኣካላት ከምዝሕግዝ ድማ ክኢላታት ይገልጹ።

ካብዚ መግቢ ዝርከብ ካርቦሃይድሬትን ፕሮቲንን ቅልጡፍን ሓይሊ ዝህብን'ዩ።

ብቐሊሉ ክዳሎ እውን ይኽእል።

ካብ ባናና ዝስራሕ ፓንኬክ

ካብ ባናና ዝስራሕ ፓንኬክ

ቅድሚ ምንቅስቓስ ኣካላት ካብ ባናና ዝዳለው ብሉጽ ምቁር መግቢ ሓጋዚ ከምዝዀነ ሞሬሃን ይሕብር።

ከምዚኦም ዝበሉ መግቢታት ብፖታሽየም ዝሃብተሙ ኰይኖም ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ኣካላት ንጭዋዳታትና ንምድጋፍ ይሕግዙ።

ገለ ከምዚኦም ዝበሉ ጠዓሞታት ብቐሊሉ ክሓቁ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ጸዓት ዝቈጻጸሩ ማዕድናት ክትረኽቡ የኽእልኹም።

ጽማቝ

ጽማቝ ባናና

እዚ ማለት ፍሩታታት ምስ ጸባ፡ ርግኦ ወይ ጀላቶ ዝተሓወሰ ጽማቝ እዩ።

ብፕሮቲን ዝሃብተመ ስለዝዀነ ድሕሪ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክዝውተር ዘድሊ ጽማቝ ከምዝዀነ ክኢላታት ይገልጹ።

ብፍላይ ግዜ እንተስኢንኩም፡ ብቕልጡፍ ክዳሎ ዝኽእል ኣብ መንገድኹም ክትበልዕዎ ዘድልየኩም መግቢ እዚ እዩ።