ንወርሓዊ ጽግያተይ ዝምችእ መናጽሂ ኣየናይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብዛሕትና፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝዓበና ደቀንስትዮ፡ ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ዝወሃብ ዝነበረና ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ሓጺርን ምስጢራውን እዩ።
ካልኦት ድማ፡ ኣጠቓቕማ መናጽሂ ጽግያት ወይ ታምፖን ኣብ ምምሃር ጥራይ ዝተገደበ ልምዲ ኣለወን። ጐኒ ጐኒ እዞም ልሙዳት ኣማራጺታት፡ ሕጂ ሰፊሕ ዝርዝር ፍርያት ኣለዉ።
እዚኦም ከም ኵባያታት ወርሓዊ ጽግያት፡ ኵስቱሞ ወርሓዊ ጽግያት ዝሕጸብ ፓድን ዝኣመሰሉ ኣማራጺታት እዮም። ከም ጓለንስተይቲ፡ ንዓይ ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኢልኪ ንምውሳን ትጽገሚ ወይ ክኸብደኪ ይኽእል ይኸውን።
እዞም ፍርያትከ ብኸመይ ይሰርሑ ወይ ደም ብኽዳነይ ሓሊፉ ከይወጽእ ዝብል ሻቕሎት የወግዱ ድዮም ኢልኪ'ውን ትሓስቢ ትዀኒ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል ኣማኻሪት ሕክምና ማህጸን ዶክተር ኒኮላ ቴምፐስት ምስ ቢቢሲ ራድዮ 4 ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍርያት ከመይ ከም ዝሰርሕን ኣየናይ ዝበለጸ ክምችእ ከም ዝኽእል ንምውሳን ዝሕግዝ ረብሓን ጉድኣትን መብርሂ ሂባትሉ ኣላ።
ኵባያ መቐበሊ ጽግያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵባያ መቐበሊ ጽግያ፡ ንኣሽቱ፡ ዓጺፍካ ናብ ርሕሚ እተእትዎም፡ ኣብ ክንዲ ምምጣጥ ደም ምእካብ ክእከብ ዝገብሩ እዮም።
ዶክተር ቴምፐስት፡ ሓንቲ ጓለንስተይቲ መጠን ዝፈሳ ደም ኣብ ግምት ብምእታው (ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ) ወይ ቈልዑ ወሊዳ እንተዀይና መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኵባያታት ክትገዝእ ከም እትኽእል ትዛረብ።
ወሲኻ፡ ጽሬት እውን ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ቅድሚ ነቲ ኵባያ ምእታውኪ ኣእዳውኪ ምሕጻብ ኣይትረስዒ፤ ክትጥቀምሉ እንከለኺ'ውን ነቲ ኵባያ ሕጸብዮ ኢላ።
ጽቡቕ ጐድኑ
- ዝያዳ ንከባቢ ዝምችእ ፍርያት'ዩ
- ካብ ታምፖን ንላዕሊ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ደም ይሕዝ
- ክሳብ 12 ሰዓታት ክትጥቀመሉ ትኽእል
- ንዓመታት ዳግማይ ክትጥቀመሎም ትኽእል - ክሳብ 10 ዓመት ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፤ ግን ብማእከላይ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት
- ምስ ግዜ፡ እቲ ዝሓቶ ዋጋ ውጽኢታዊ'ዩ
ጐድናዊ ሳዕቤን
- ከተእትዎን ከተውጽኦን ልምዲ ይሓትት
- እቲ ዝምችኣካ ዓቐን ክሳብ እትረክብ ዘድክም ምዃኑ
- ከተጽርዮ ኣጸጋሚ'ዩ - ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ ሽቓቕ
- ኣብ መንጐ ዑደት ጽግያት ምጽራይ የድልዮ
- ዝዓበየ ቅድመ ወጻኢታት ካብ 20 ክሳብ 25 ፓውንድ ክበጽሕ ይኽእል።
ኵስትሞ ጽግያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ኣብ ውሽጢ፡ ደም ክመጡ ዝኽእሉ ሽፋናት ዘለዎ እዩ። ልክዕ ከም ንቡር ኵስትሞ ኸኣ ትኽደኖም፡ ትሓጽቦምን ሓጺብካ መሊስካ ክትጥቀመሎም ትኽእልን።
እዚ ኵስትሞ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ድቃስ ወይ'ውን ኣብቶም ጽግያት ቅልል ኢሉ ዝፈሰሎም መዓልቲታት ክጥቀማሎም ተለሚዱሎ።
ደም ልሒዅ እንተወጽአኸ ዝብል ስክፍታ ንቡር'ዩ እትብል ዶ/ር ኒኮላ፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት ዘተኣማምኑን ኣብ ውሽጦም ማይ ዘየእቱን ጨና ዘይፈጥርን ሽፋንን ከም ዘለዎ ትዛረብ።
ጽቡቕ ጐድኑ
- ስሩዕ ውሽጣዊ ክዳን ይመስልን ይስምዓካን
- ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰዓታት ይጸንሕ
- ዳግማይ ክትጥቀማሉ ትኽእላ፤ ንከባቢ'ውን ምቹእ እዩ- ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝጸንሑ እዮም
- ንተወሳኺ መከላኸሊ ምስ ካልኦት ፍርያት ክድረብ ይኽእል
ጐድናዊ ሳዕቤን
- ቅድመ ወጻኢታት ክኸብር ይኽእል - ዋጋታት ካብ ከባቢ 10 ክሳብ 50 ፓውንድ ይበጽሕ
- ኣብ መንጐ ኣጠቓቕማ ምሕጻብን ምንቃጽን የድሊ
- ንኸቢድ ዋሕዚ ደም እኹል ናይ ምምጣጥ ዓቕሚ ዘይክህልዎ ይኽእል
- ንመገሻ ዘይምቹእ እዩ
- ቅያር ሒዝካ ምንቅስቓስ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል እዩ
ዳግማይ እትጥቀመሎም መቐበሊ ጽግያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳግማይ ክትጥቀመሎም እትኽእል መቐበሊ ጽግያት ምስቶም ሓደ ግዜ ዝድርበዩ ዝመሳሰሉ'ዮም፤ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጡጥ ወይ ኣርቃይ ዝተሰርሑ ኰይኖም ኣብ ዙርያ ውሽጢ ኵስትሞ ይለግቡ።
ነዚኦም ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ ትድርብዮም ዳግማይ ክትጥቀመሎም ትሕጸቦምን ተድርቘምን።
ጽቡቕ ጐድኒ
- ኣብ ክንዲ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ መቐበሊ ጽግያት፡ እዚ ንኽትለብሶ ዝምችእ እዩ
- ዝያዳ ዘላቒ ኣማራጺ ንዝደሊን ንኸባቢ ዝምችን እዩ
- ዝተፈላለየ ዓቐንን ደም ናይ ምምጣጥ ተኽእሎን ኣለዎ
- ምስ ግዜ ውጽኢታዊ ዋጋ ኣለዎ
- ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል
ጐድናዊ ሳዕቤን
- ነፍሲ ወከፍ ተጠቂምካ ምሕጻብ የድሊ
- ግቡእ ምድላው የድልዮ - ነዚ ኣብ እትጥቀማሉ እዋን እቲ ጨርቂ ብግቡእ ክደርቕ ኣለዎ፤ ምኽንያቱ ቈርበት ርጥብ ዝበለ ጨርቂ ክዓርፎ እንከሎ ንረኽሲ ዝህሉ ተቓላዕነት ክውስኽ ይኽእል
- ካብቲ ሓደ ግዜ ተጠቒምና እንድርብዮ ንላዕሊ ይረጕድ
- ካብ ገዛ ወጻኢ እንተዄንካ ምቹእ ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ እቶም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ሒዝካዮም ናብ ገዛኻ ክትምለስ ስለ እትግደድ።
ሓደ ግዜ ተጠቂምኻ ዝድርበ መቐበሊ
እዚኦም፡ እቶም መብዛሕትና እንጥቀሞም ፍርያት መቐበሊ ጽግያት እዮም።
ከምቲ እትፈልጥኦ፡ ኣብ ኵስትሞ ለጊቦም፡ ብደገ ደም ይእክቡ፤ ምስ ተጠቐምናሎም ድማ ጠቕሊልና ንድርብዮም።
ዶክተር ቴምፐስት፡ እዚ ብስሩዕ (ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓታት) ክንቅይሮ ከም ዘለና ትመክር።
ንነዊሕ ሰዓታት እንተጸኒሖም ግን ቈርበት ከቘጥዑ ስለ ዝኽእሉ፡ ልዕሊ ሸሞንተ ሰዓታት ክለብሱ የብሎምን።
ጽቡቕ ጐድኒ
- ንኽትጥቀመሉ ቀሊል እዩ
- ካብ ኣዝዩ ቀጢን ክሳብ ረጒድ ናይ ለይቲ ፓድ ብብዙሕ ዝተፈላለየ ዓቐን ብሰፊሑ ይርከብ
- ንናይ ለይቲ መከላኸሊ ጽቡቕ
- ንጀመርቲ ዝያዳ ምቹእ ክኸውን ይኽእል
ጐድናዊ ሳዕቤን
- ዕብይ ዝበለ ኰይኑ ክስምዓካ ወይ ካብ ቦታኡ ወጻኢ ክንሸራተት ይኽእል
- ኣብ ማይ ዝተመርኰሰ ከም ምሕንባስ ንዝበለ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ንኽትገብር ኣይምችእን
- ንከባቢና ኸኣ ጐዳኢ እዩ - ብማእከላይ ገምጋም መጠን ሓደ ዕሹግ ክንዲ ሓሙሽተ ንኣስቤዛ እንጥቀመሎም ቦርሳታት ፕላስቲክ ይግመት ትብል ዶክተር ቴምፐስት
- ምስ ግዜ ወጻኢታትካ ብዙሕ - ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ ምሉእ ዕድመ ኣስታት 5000 ፓውንድ የውጽኣ
ታምፖን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ታምፖን እውን ልሙድ ኰይኑ ናብ ርሕሚ ይኣቱ፤ ኣብኡ ድማ ደም ቅድሚ ካብ ኣካላትና ምውጽኡ ይመጥጥ።
ዶክተር ቴምፐስት እዚኦም ምስ ተጠቐምናሎም ብኣግባቡ ክጕሓፉ ከም ዘለዎም ተዘኻኽር።
ጽቡቕ ጐድኑ
- ብቐሊሉ ክትሓብኦን ኣብ ጁባኻ ክትሕዞን ትኽእል
- ንስፖርትን ምሕንባስን ጽቡቕ'ዩ
- ደም ናይ ምምጣጥ ዓቕሙ ልዑል እዩ
ጐድናዊ ሳዕቤን
- ናብ ውሽጢ ከተእትዎ ስለ ዘለካ፡ ንገለ ሰባት ዘይክምችአን ይኽእል
- ንነዊሕ ሰዓታት እንተጸኒሑ፡ ትሑት ሓደጋ 'ቶክሲክ ሾክ ሲንድሮም' (TSS) የምጽእ
- ንከባቢ ኣይምችእን
- ብመንጽር ግዜ ወጻኢታቱ ክቡር እዩ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







