ጥዕና: ጠንቅን መፍትሕን ኣብ መንእሰያት ዝርአ ቃንዛ ሕቘ እንታይ'ዩ? ካልኣይ ክፋል

ዶ/ር ቴዎድሮስ ወ/ገብርኤል

ምንጪ ስእሊ, Dr. Theodros W. Gebriel

ኣብዚ እዋን ናይ ሕቘ ጸገማት ኣጋጢምዎም ናብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝውሕዙ መንእሰያት ቁጽሪ ተበራኺቱ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዝሒ ንቃንዛ ሕቘ ዝቃልዑ መንእሰያት እናወሰኸ ምምጽኡ መጽናዕትታት የመላኽቱ። ንምዃኑ ናይዚ ጠንቂ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ 'ኸ? ካልኣይ ክፋል እነሆ።

ነቲ ንቀንዲ ጠንቅታት ቃንዛ ሕቘ ዝድህስስ ቀዳማይ ክፋል እዚ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።

ንመንእሰያት ንቃንዛ ሑቘ ዘቃዖም ዝተፈለየ ምኽንያት ይህዶ?

ብዙሓት መንእሰያት ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምውፋሮም ከም ሓደ ምኽንያት ከም ዝውሰድ ዋና ኣካያድን ሜዲካል ዳይሬተክርን ፖራጎን ናይ ፊዝዮተራፒን ስፖርትን ህክምና ስፔሻሊቲ ፍሉይ ክሊኒካት ዝኾነ ዶክተር ቴዎድሮስ ወልደገብርኤል ይገልጽ።

መንእሰያት ንነዊሕ እዋን ደው፣ ኮፍ ክብሉ ወይ ድንን ኢሎም ጠጠው ክብሉ ከምኡ ድማ ከቢድ ነገር ምልዓልን ምሽካምን ዝሓቱ ስራሕቲ ይሰርሑ እዮም።

ብካልእ ገጽ ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝሓሸ መንገዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር እውን ካልእ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይገልጽ።

"ኣብቲ እንሰርሖ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዓሚዩቕ ፍልጠት እንድሕር ዘይሃልዩና፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከምቲ ጥቕሙ ጉድኣት እውን ኣለዎ እዩ" ይብል ዶ/ር ቴዎድሮስ።

ብኣንጻሩ ውሑድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መበገሲ ቃንዛ ሑቐ እዩ።

ጾታዊ ርክብ ንቃንዛ ሑቐ የቃልዕዶ?

ዶ/ር ቴዎድሮስ ከም ዝብሎ ኣብ ሳይንስ፡ ጾታዊ ርክብ ከም መበገሲ ቃንዛ ሕቘ ተገይሩ ኣይውሰድን።

ኮይኑ ግና ቃንዛ ሕቘ ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙሉ መንገዲ ሕማሞም ከጋድደሎም ወይ ድማ ዝሓወየ ቃንዘኦም መሊሱ ክለዓሎም ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጽ።

"ብፍላይ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ እዚ ንሓኪም ናይ ምርዳእ ልምዲ የለን" ዝብል ዶ/ር ቴዎድሮስ፡ ገለ ሰባት ግና ዋላ ብስልኪ ምኽሪ ከም ዝሓቱ የረድእ።

"ከም ዓይነት እቲ ዘለዎም ናይ ሕቘ ቃንዛ ንዝተወሰነ ግዘ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙሉ መንገዲ (Sex position) ክቕይሩ፣ ከይፍጽሙ ወይ ብዛዕባ ክፍጽሙሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምኽሪ ዝወሃቦም ተሓከምቲ ኣለዉ" ይብል።

ውሽጣዊ ክፍሊ ሕቘ ዘርእይ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እንወድዮ ጫማኸ?

ጥዕና ሕቘና ንምሕላው እንደውዮ ጫማ ወሳኒ እዩ።

እዚ ግን ብበዝሒ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓሓዝ እዩ።

ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብ ፋሽንን መዘናግዕን ኢንዳስትሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅስቓስ ክሳብ ዝኣብየን ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ገይረን ምርኣይ ዝተለመደ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ሰብነት ከቢድ ጸቕጢ እዩ ዝፈጥር። ከመይ?

ዶክተር ቴዎድሮስ ነዚ ሳይንሳዊ ምላሽ ኣለዎ።

ሰብነት ናይ ባዕሉ ሚዛን ዝሕልወሉ መንገዲ ኣለዎ። ናይ ስሕበት ማእከል (Center of gravity) ይበሃል።

እናኸድና ዘይንወድቀሉ ወይ ኮፍ ኢልና ጸኒሕና እንትንለዓል ምስ መንደቕ ዘይንጋጨወሉ ምኽንያት እዚ ስሕበት ሚዛን ሰብነትና ስለዝሕልወልና እዩ።

ኮይኑ ግና ነዊሕ ታኮ ዘለዎም ጫማታት እንትንወድይ ሰብነትና ነቲ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ናይ ሰብነት ሚዛን ይስሕቶ።

ናይ ሰብነትና ማእከል ስሕበት እውን ይቕየር።

ስለ ዝኾነ ድማ ሰብነትና ነቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ስሕበት ማእከል ደጊሙ ንምርካብ ዝገብሮም ምትዕርራያት ኣብ ሕቘና ጸቕጢ ይፈጥሩ።

እቲ ጸቕጢ ኣብ ሕቘ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ብርኪ፣ እግርን ከብዲ እግርን እውን እዩ።

ቅድሚ ዓመታት ኣብ ብሪጣንያ ፖዲያትሪ ኮሌጅ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ዝወደያ ደቂ ኣንስትዮ ቃንዛ ከም ዘይተሰመዐን ከይተናገራ ክጸንሓሉ ዝኽእላ ግዘ ብማእከላይ ሓደ ሰዓት እዩ ይብል።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጫማ ምስገበራ ድሕሪ 10 ደቒቓ ኣብ እግረን ቃንዛ ከም ዝተሰመዐን ተዛሪበን እየን።

ታኮ ጫማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብኻልእ ገጽ ሰብ ብጥራይ እግሩ ክኸይድ እዩ ተፈጢሩ ብምባል ሰባት ጥራእ እግሮም ክኸዱ ዘበራትዕ ሳይንስ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ኮነ ኢሎም ብጥራይ እግሮም ዝኸዱ ኣለዉ።

ብርግጽ ዶክተር ቴዎድሮስ ብጥራይ እግርኻ ወይ ሓጺር ታኮ ዘለዎ ጫማ ወዲኻ ምኻድ ጉድኣት ኣለዎ ኢሉ ኣይኣምንን።

ኮይኑ ግና ብተፈጥሮ "ናይ እግሮም ቅርጺ ፍልይ ዝበለ" ሰባት ካብ ኩረኹረኦም ክልተ ሴንቲ ሜትር ልዕል ዝበለ ታኮ ክገብሩ ይመክር።

"ኩረኹሮ ብጫማ ምኻድ ምስለመደ ኣብዚሕካ ብጥራእ እግሪ ምኻድ ናይ ኩረኹሮ ዓጽሚ ምብቋል (Bone Spur) ከስዕብ ይኽእል እዩ" ይብል። እዚ ዓጽሚ ንናይ ኩረኹሮ ስጋ ከም መርፍእ ዝወግእ እዩ።

በዚ መሰረት ብፍላይ ብጥራይ ምኻድ ዘይለመደን ኣብ ኩርኹሮ እኹል ናይ ስብሒ ምንጻፍ (Fat pad) ዘይብሉ ሰብ ብጥራይ እግሩ እንተኸይዱ ነዚ ጸገም ክቃላዕ ከምዝኽእል ይገልጽ። እዚ ግን ብበዝሒ ዝረአ ኣይኮነን።

ናይ ሕቘ ጸገም ከምዘጋጠመና ከመይ ምፍላጥ ይከኣል?

ልክዕ ከም ካልእ ሕማም ናይ ሕቘ ሕማም እንተጋጥም ዝረኣዩ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ምልክታት ኣለዉ።

ናይ ቃንዛ መድሃኒት ክትወስድ ዝገብሩኻ: ኮፍ እንትንብል ዝስምዑና፣ መድሃኒት ክሳብ ምውሳድ ዘብጽሕ ናይ ምቅጻልን ምኹርኳሕን ስምዒት፣ ድንን ኢልካ ጸኒሕካ ቅንዕ ንምባል ምጽጋም፣ ክትለዓል መደገፊ ምድላይ፣ ናይ ጭዋዳ ምሽምራር፣ ንምንቅስቓስ ምጽጋምን ደቂስካ ምግልባጥ ምጽጋምን ገለ ምልክታት እዮም።

እንተኾነ እቶም ዝረኣኡ ምልክታት ከም መንቀሊ እቲ ሕማም ይፈላለዩ እዮም።

ንኣብነት ንነዊሕ ሰዓት ደው ወይ ኮፍ ካብ ምባል ዝብገስ እንተኾይኑ ፡ ኮፍ ኢልና ጸኒሕና ሃንደበት እንትንለዓል ሰብነትና ይተኣሳሰር፣ ኮፍ ወይ ደው እንትንብል ምቕንዛው፣ ናይ መቐመጫ ከባቢ ቃንዛን የጋጥም።

ናይ ሕቘ ቃንዛ ንምዕጋስ ኣብ ገዛ እንታይ ክንሰርሕ ንኽእል?

ኣብ ቀረባና ናይ ሕክምና ማእከል እንድሕር ዘይሃልዩ፡ ንግዚኡ ቃንዛ ዘዕገስ መድሓኒት ምውሳድ ይምከር። እዚ ግና ካልእ እትወስዶ መድሓኒት እንድሕር ዘይሃልዩ ወይ ምስቲ እትወስዶ መድሃኒት ዘይጻባእ እንተኾይኑ እዩ። ቀጻሊ መፍትሒ እውን ኣይኮነን።

እቲ ናይ ሕቘ ቓንዛ መበገሲኡ ሃንደበታዊ ሓደጋ (ምውዳቕ) እንተኾይኑ ድማ ከም ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና በረድ ምግባር ጽቡቕ እዩ።

"ተኽእሎታት ቁስሊ ንምቕናስ፣ ሕበጥን ደም ናብ ውሽጢ ምፍሳስን ከይህሉ ይሕግዝ እዩ" ይብል ዶ/ር ቴዎድሮስ።

ድሕሪ እዚ ምሽምራር ናይ ጭዋዳ እንተሃልዩ፡ ዋዒ ንኣካላትና ናይ ምፍታሕ ባህርይ ስለዘለዎ ሙቐት ምግባር ዝሓሸ ከምዝኾነ ይመክር።

ዕረፍቲ ምውሳድ እውን ሕማምና ብዝተወሰነ ደረጃ ከዐግሰልና ይኽእል እዩ።

በዞም ስጉምቲታት ቃንዛ እንድሕር ዘይገዲፉና ግና ሱር እንተይሰደደ ግቡእ ሕክምና ምግባር የድሊ።

"ገለ ሰባት ናብ ናይ ባህላዊ ቦታ ከይዶም ዘይግቡእ ሕክምና ብምውሳድ ተጎዲኦም ዝመጹ ኣለዉ" ይብል።

ሕቘኣ ዝተደገፈት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕቘና ብናይ ሕክምና ዕጣቕ ወይ መቐነት እንተደገፍናዮኸ?

ናይ ሕቘ ሕማም ዝተፈላለየ ደረጃታት ኣለዎ። መጀመርታ እቲ ቃንዛ ምስ ጀመረ፥ ድሕሪኡ ዘሎ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ወርሕን ልዕሊ ሰለስተ ወርሕን ዝጸንሐ ቃንዛ እዮም። እቲ ቃንዛ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ እንተቐጺሉ ሱር ዝሰደደ ጸገም እዩ ዝበሃል።

ብምዃኑ ድማ እቲ ቃንዛ ምስጀመረና ከባቢ: ዕረፍቲ ምግባር ሓዊሱ መቐነት ምግባር ወይ ብዕጣቕ ምድጋፍ ዝሓገዘና ስለዝመስል ብስነ ኣእምሮን ብኣካልን ክሕግዝ ይኽእል እዩ ይብል ዶ/ር ቴዎድሮስ።

ኮይኑ ግና ንነዊሕ ግዘ ከምዚ ምግባር ጸገም ከምዘስዕብ እዩ ዝገልጽ። "ዕጣቕ ወይ መቐነት ምእሳር ማለት ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ጭዋዳታት ዕረፍቲ ወጺኦም ማለት እዩ" ይብል።

በዚ ምኽንያት ጭዋዳታት ክቐጥኑን ክደኽሙን ይኽእሉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰብ ሞያ: ናይ ሕቘን ክሳድን መደገፊ ብበዝሒ ናይ ምእዛዝ ጸገም ይረአ ኣሎ" ዝብል ዶ/ር ቴዎድሮስ ናይቲ ጸገም ጠንቂ እንተይተፈለጠ ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ምእዛዝ ግቡእ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣብ ከመይ ዝበለ ፍርናሽን መተርኣስን ንደቅስ?

ብምኽንያት ቃንዛ ሕቘ ፍርናሽ፥ ዓራትን መተርኣስን ዘይቀየረ የለን። ንሕቘ ምቹዋት እዮም ዝበሃሉ ፍርናሻት እውን ኣብ ዕዳጋ ይቐርቡ እዮም።

ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍርናሽን መተርኣስን ይፈርዩ ኣለዉ። ኣብ ሓደ ዓራት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዝመረጽዎ ፍርናሽ ዘደቅስ ቴክኖሎጂ እውን ተፈጢሩ እዩ።

ስለዚ ኣበየናይ እንተደቀስና እዩ ዝሓይሽ?

"እቶም ሕሙማት ተመችዩና እዩ ዝበሉዎ ፍርናሽ ልክዕ ኣይኮነን ምባል ኣጸጋሚ እዩ፤ ምኽንያቱ ሰብነቶም ምስቲ ዝመረጽዎ ፍርናሽ ተጠዓዒሙ ክኸውን ይኽእል እኡ" ዝብል ዶ/ር ቴዎድሮስ ደረቕ ፍርናሽ ግን ኣይመክርን። ሰብነትና ቅርጹ ብዝሓለወ መንገዲ ዘዕርፍ ፍርናሽ ክንጥቀም እዩ ዝመክር።

"ጥራይና ሰብነትና ኣብ መስታወት እንተርእይናዮ ዕጻፋት (Curves) ኣለዉዎ። እንትንድቅስ እቶም ዕጻፋት ቅርጾም ሓልዮም ብትኽክል ክዓርፉ ይግባእ" ይብል።

ነዚ እዩ ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት 'ሚሞሪ ፎም' ዝፈርይ። ሚሞሪ ፎም እንትንድቅስ ናይ ሰብነትና ቅርጺ ሒዙ እንትንለዓል ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝኽእል እዩ።

'ስሊፕ ነምበር ቤድ' ዝበሃል ሰብኣይን ሰበይትን ዓራት እንተይፈለዩ ንናይ ሓድሕዶም ቅርጺ ብዝጥዕም መንገዲ ከስተኻኽልዎ ዝኽእል ሳይንሳዊ ፍርናሽ እውን ተሰሪሑ እዩ።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝሽየጡ ዘለዉ ፍርናሻት ሳይንሳዊ ከምዘይኮኑ እዩ ዶ/ር ቴድሮስ ዝገልጽ። መተርኣስ እውን ኣብ መንጎ ርእስናን ክሳድናን ዘሎ ክፍተት ብዝመልእ መልክዕ ክንጥቀመሉ ይግባእ ይብል።

ኮይኑ ግና ሰባት ነዚ ብኣግባቡ ክጥቀምዎ ኣይረኣይን። ልክዕካ መተርኣስ ምርካብ እውን ቀሊል ኣይኮነን።

በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ብማይ ዝምላእ መተርኣስ 'ዎተር ፒሎው' ዝተሰርሐ። እዚ መተርኣስ ከምኣድላይነቱ ማይ ብምውሳኽን ብምቕናስን ልክዕ ናይቲ መተርኣስ ምስትኽኻል ዘኽእል እዩ።

መነባብሮና እንታይ ክመስል ኣለዎ?

ክብደት ሰብነትና ምቁጽጻር ወሳኒ እዩ። እዚ ካብ ናይ ሕቘ ሕማም ጥራሕ እንተይኮነስ ንባዕልና ካብ ካልኦት ሕማማት ንምሕላው የኽእለና።

"ኣብ ሰብነትና ሓደ ኪሎ ብዝወሰኽና ቁጽሪ ኣብ ሓዲኡ ብርክና ናይ ኣርባዕተ ኪሎ ጸቕጢ ይፈጥር" ዝብል ዶ/ር ቴዎድሮስ ክብደት ሰብነትና ምቁጽጻር ዕሽሽ ክንብሎ ከምዘይግባእ ይመክር።

ብዓቕምና ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ምሕምባስን ኣብ ሰሙን ንኣርባዕተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ን 45 ደቓይቕ ፍጥን ብዝበለ ስጉሚ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባርን እውን ጽቡቕ እዩ።

ናይ ስራሕ ኩነታትና ምቹው ምግባር ዘተሓትት ኣይኮነን። ጠጠው ኢሎም ዝሰርሑ ሰባት ኣቕሓ እንተልዕሉ ከመይ ክደንኑ ከምዝግባእ ምፍላጥ፣ ምቹው ጫማ ምግባር ከምኡ እውን ንነዊሕ ሰዓታት ደው ዝብሉ ሰባት ሓደ እግሮም ኣብ ዝኾነ ነገር ሰቒሎም ደው ምባል ንናይ ሕቘ ሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ይቕንሶ እዩ።