መረፃ ኣሜሪካ፡ ሶማሊያዊት ስደተኛ ኣባል 'ኮንግረስ' ኮይና ተዓዊታ

ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት፡ ሶማሊያዊት ስደተኛ ነበር ኢልሃን ኦማር

ኣባል ሰልፊ ዴሞክራት፡ ሶማሊያዊት ስደተኛ ነበር ኢልሃን ኦማር፡ ኣብ መረፃ ኣባልነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ተዓዊታ።

ጓል 36 ዓመት ኢልሃን ኦማር፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ'ያ ናብ ኣሜሪካ ብስደት ከይዳ።

ኣብዚ ናይ ኣሜሪካ ፍርቂ-ወቕቲ መረፃ ኣባል ኮንግረስ ኮይና ዝተዓወተት ኢልሃን፡ ንሚኒሶታ ብምውካል ንመነሓንሕታ ጀኒፈር ዜለንስኪ ብምስዓር'ዩ።

ኢልሃንን ንሚቺካን ስቴት ዝወከለት ራሺዳ ተለይብ ዝተበሃለት ተዓዋቲትን ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ፡ ቀዳሞት ክልተ ሙስሊም ደቀኣንስትዮ ኣባላት ኮንግረስ ኮይነን ኣለዋ።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ሓፂር ቃለ-መሓትት፡ "ሰባት፡ ካብ ፍርሒ ንተስፋ፡ ካብ ኣፈላላይ ንሓድነት መሪፆም" ክትብል ተዛሪባ።

ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ጆ ንጉሰ ኣብዚ መረፃ አመሪካ ከምዝተዓወተ ምፅብፃብና ዝዝከር እዩ።