ኣብ ማላዊ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብረቡዕ፡ ኣብ ማላዊ 25 ኣስክሬናት ዝሓዘ ካልኣይ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ፡ ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ከተማ ካሮንጋ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ ተሓቢኦም ዝተረኽቡ 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።
ነቶም ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ናይ ዝተዋፈረ መርበብ ኣካል እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላውያን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ክስተት ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ምስ መንግስቲ ማላዊ ብምዃን መርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።
ውጽኢት እቲ መርመራ'ውን ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብረቡዕ፡ ምዚምባ ኣብ ዝተባህለት ወረዳ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ መንግስቲ፡ ኣስክሬን ኢትዮጵያውያን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ’ዩ።
ፖሊስ ማላዊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ መርትዖ፡ እቶም ግዳያት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ኩሎም ግዳያት ካብ 25 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ገሊጹ።
እቶም፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተው ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት’ውን፡ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 300 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጫካ እዮም ተረኺቦም።
ካብቲ ከባቢ ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ንዓበይቲ ዓዲ ምስ ሓበርዎም እዩ ፖሊስ ሓበሬታ ክበጽሖ ክኢሉ።
በዚ ከኣ እዩ እቲ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።
ብሓሙስ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ትማሊ ዝተረኸበ ጃምላዊ መቓብር፡ ካልእ ኣርባዕተ ኣስክሬን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።
ናብቲ ጃምላዊ መቓብራት ዝተራእየሉ ቦታ ዝተጓዕዘ ሚኒስተር ጸጥታ ውሽጢ ዓዲ ዣን ሰንደዛ፡ ሰብ መዚ፡ ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት ንምፍላጥ መርመራ ኣስክሬናት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጻ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ሬሳታት ስደተኛታት ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020፡ ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ሞዛምቢክ፡ ኣብ ውሽጢ ኰንተይነር ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣስክሬን 64 ስደተኛታት ከም ዝረኸቡ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን፡ እዞም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ሰኣን ኣየር ተዓፊኖም ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን።
ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ፡ መራሒ እታ መኪና ዝርከቦም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። እቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝወስድ ፍሉጥ መገዲ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ’ዩ።
ሰብ መዚ፡ እታ መኪና ክፍትሹዋ ከለው፡ 14 ሰባት ብህይወት ረኺቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ መዕቘቢ ስደተኛታት ማላዊ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ከም ዘለውን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከም ዝበጽሖምን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ማላዊ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዓብዪ ብድሆ ኰይኑ ኣሎ።
ብቐጻሊ ኣማኢት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታት ተታሒዞም ናብ ዝመጽእሉ ይምለሱ’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት 140 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ማላዊ ተታሒዞም ነይሮም።
ካብዚኦም 133 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኰይኖም 6 ካብ ባንግላድሽ፣ ሓደ ድማ ካብ ፓኪስታን ዝመጽኡ እዮም።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም።
እቶም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ 72 ኢትዮጵያውያንን 10 ማላዊያን ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምጥሓስ ሕግታት ኢሚግሬሽንን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ክስታት ንምምላስ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ፖሊስ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ኣብ ማላዊ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ነታ ሃገር፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ከም መተሓላለፊ ዝጥቀሙላ ከም ዝዀኑ ሰበ ስልጣን ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







