ሳተላይት ናሳ፡ ኣብ ትግራይ እንታይ'ዩ ስኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, NASA
ብለይቲ ካብ ጠፈር ዝተቐድሑ ሓደስቲ ኣሳእል፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ንሓደ ህዝቢ ኣብ ዓለምና ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዕዎ ከም ዘሎ ብግልጺ ኣርእዮም ኣለው። ኤሌክትሪክ ስለዘቋረጸ፡ ከተማታት ትግራይ ን 20 ኣዋርሕ ብሃሳስ ጸሊም ይረኣያ።
እዚ ብሳተላይት ናሳ ዝተወስደን ብቢቢሲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ኣሳእል፡ ሰራዊትን ምልሻታትን ኢትዮጵያ ምስ ወተሃደራት እታ መሻርኽቲ ኰይና ዘላ ኤርትራ ሓቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ጸብለልታ ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን እዩ።
ብሰሉስ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ዝዀነት ሽረ፡ ከምኡ’ውን ካብ መቐለ ብደቡብ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ከምዝተቘጻጸረ ገሊጻ ነይራ።
እዚ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት፡ ነቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ኣሰቃቒ ኩነታት ከጋድዶ ከምዝኽእል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ካልኦትን የጠንቅቝ።
ኣብታ ክልል ዝተነብረ እገዳ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ መብራህትን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ንንኣሽቱ ህጻናት ማዕረ ክንደይ ከም ዝጸለወ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ትግራይ ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።
ኣሃዛት ከም ዘመልክቶ፡ ቍጽሪ ናይቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ብሕጽረት መግቢ ዝሞቱ ህጻናት፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘደንጹ መጠን ብ 1,533% ወሰኽ ኣርእዩ።
ዶክተር ኮኾብ ሓጐስ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መንጐ ሓምለ 2021 ክሳብ ሓምለ 2022 ኣብ ሆስፒታላት 2,450 ህጻናት ከምዝሞቱ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ መስመራት ቴሌፎንን ኢንተርነትን እውን ተቛሪጹ ስለዘሎ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እዅል ሓበሬታ ኣይተረኽበን።
ደብዳብ ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, fana broadcasting
እዚ [ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ነሓሰ 2022] ዝተወስደ ምስሊታት ናሳ፡ ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱምን መቐለን ከመይ ኢሉ ብርሃን እናነከየ ከም ዝመጽአ የርኢ።
እዚ ኸኣ ወርሓዊ ዝርግሐ ኤሌክትሪክ ኣብተን ከተማታት ዘመልክት እዩ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ሃገራዊ መርበብ ኤሌክትሪክ ተቘጻጺሩ፡ ነቲ መስመር ኤሌክትሪክ ትግራይ ከም ዝበተኾ ይኽሰስ። ቅድሚ’ቲ ኲናት፡ ኣብቲ ከተማታት እታ ክልል ዳርጋ ዘየቋርጽ ኣገልግሎት መብራህቲ ከም ዝነበረ ዝተፈላለየ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብመሰረት’ቲ ኣብ መስከረም ዝወጽአ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ፈደራል ካብቲ ግጭት ዝጀመረሉ መዓልቲ፣ 04 ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ኢንተርነት፡ ተሌኮሙኒኬሽንን ባንክ ከም ዘቋረጸ የመልክት።
መጠን ብርሃን እተን ክልተ ከተማታት፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝነብራሉ እዋን፡ ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ 2021፡ ደሚቝ ይርአ።
መቐለ፡ ክሳብ ሓምለ 2021 ደሚቓ ትርአ - እዚ ኸኣ ክሳብቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተታሕዘትሉ እዩ። እታ ከተማ፡ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ‘ቲ ግጭት ዝጀመረሉ ግዜ ክትጽልምት እንከላ፣ ኣብተን ሸውዓተ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝጸንሓትለን ኣዋርሕ ግን በሪሃ ትርአ።
እቲ ጸብጻብ ኮሚሽን ብተወሳኺ፡ "ኣብ መወዳእታ ሰነ 2021 ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ካልኦት ሰፋሕቲ ከባቢታት ትግራይን ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ መንግስቲ ፈደራል መሊሱ ነቲ ክልል ዝኸይድ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ኢንተርነት፡ ተሌኮሙኒኬሽን፡ ባንክ ብምዕጻው ግብረመልሲ ሂቡ፡" ክብል ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ እዋን ግጭት እቲ እንኮ ዓቢይ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ 7 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብራ ትግራይ ዝነበረ እቲ ብታሕሳስ 2021 ብቦምባ ዝተደብደበ ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ተከዘ እዩ።
እቲ ምስሊ፡ ድሒሩ ኣብ ታሕሳስ 2021 እቲ ግድብ ድሕሪ ምድብዳቡ ኣብ መቐለ መብራህቲ ክጠፍእ እንከሎ የርኢ። እዚ ድማ ካብተን ኣርባዕተ ተርባይናት ንኽልተ ከም ዝወቕዐ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ምሁር ጌታቸው ኣሰፋ ይገልጽ።
"መሃንድሳት ካብ ካልኦት መቀያየሪ ኣቝሑ ተጠቒሞም ክልተ ተርባይናት ከም ዝሰርሓ ገይሮም፣ እቲ ኵነታት ግን ኣዝዩ ኣሰካፊ'ዩ። እተን ዝሰርሓ ዘለዋ ክልተ ተርባይናት'ውን እንተዀነ፡ መለዋወጢ ኣቝሑ እንተዝርከብ ክጽገን ዝኽእል ጕድለታት ስለዘለወን ዘይብቝዕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እየን ዘፍርያ ዘለዋ፡" ይብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ጌታቸው።
እቲ ኣብ 2013 ኣብ ከባቢ መቐለ ስርሑ ክጅምር እንከሎ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዝተባህለሉ፡ በዓል 84 ተርባይን ንፋስ “ኣሸጐዳ”፡ እቲ ግጭት ካብ ዝተላዕለሉ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝዀነ ፕሮፌሰር ጌታቸው ይገልጽ።
ኣብኡ ዘለዉ መሃንድሳት፡ ነተን 19 ተርባይናት ከም ዝሰርሓ ገይሮምወን እዮም፤ ነቲ መርበብ ኤሌክትሪክ ትግራይ ጥራሕ ከም ዝምግብ ክገብርዎ ግን ኣይተኻእለን።
ብመሰረት ኣሳእል ሳተላይት ናሳ፡ ኣብ ሓምለን ነሓሰን 2021 ከተማታት ሽረን ኣኽሱምን እናጸልመታ ክኸዳ ይረኣያ።
ገለ ካብቲ ዘይምዕሩይነታት - ብፍላይ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ናይዚ ዓመት - ምስ ወቕቲ [ማይ] እቲ እቲ ግድብ ዝተኣሳሰረ ክከውን ይኽእል እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክፋል’ቲ ዝተዋደደ መርበብ ቀረብ ኤሌክትሪክ ከም ዝኸውን ገይሩ ስለዘተዳለወ ኵሉ ግዜ ሓይሊ ከመንጩ ከምዘይክእል’ዩ ፕሮፌሰር ጌታቸው ዝገልጽ።
ኣብ መጻኢ እንታይ'ዩ ዘስግእ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ሽረ ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝቈጻጸሮ ዘሎ ከባቢታት ሰብኣዊ ትካላት ኣፍደገ ከርሑ’ኳ ቃል እንተኣተወ፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ባንክን መራኸቢታትን ገና ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።
ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ካብ ሽረ ናብ ምብራቕ ገጹ ንወገን ኣኽሱም፡ ዓድዋን ዓዲግራትን ይግስግስ ኣሎ።
እዚ ዳርጋ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽረ ሒዙ ነተን ካልኦት ከተማታት ሒዙ ንመቐለ ዝገስገሰሉ ኣገባብ እዩ ዝኸውን ዘሎ። መቐለ፡ እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንስለ ሰብኣዊ ረዲኤት ተባሂሉ ደው ኢሉ ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ብተደጋጋሚ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተደብዲባ እያ።
እዚ ነቶም 500 ሽሕ ዝግመቱ ነበርቲ እታ ከተማ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ።
"እቲ ኲናት ጸንኪሩ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኵሉ ግዜ፡ እታ ድሮን መዓስ ኰን እያ ክትመጽእ ሕጂ ኸ? ደቀይ ብህይወት ክረኽቦም ድየ? እናበልኩ እሻቐል፡" ትብል ሓንቲ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እትሰርሕ ነርስ።
ካብቶም ኣብቲ ዞባ ዝተረፉ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ረድኤት ሓንቲ፡ ኣብዚ እዋን መሳርሕታ’ውን ጥሜት ከም ዘረኻኸበሎም ትገልጽ።
"እቲ ዝተረፈ መግቢ ተዋሒዱ እዩ፤ መላእ ህዝቢ ኣብ ጥሜት እዩ ዘሎ፡" ትብል።
"ኣማኢትን ኣሽሓትን ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ሓገዝ ንምርካብ ናባና እናመጽኡ ይሓቱ እዮም። ኣብ ገገዛኦም ብዙሓት ብጥሜት ይሞቱ ኣለዉ፡ ትሕዝቶኦም እናተጸንቀቐ እዩ።"
እንታይ ከም ዝኸውን ዓቢይ ስግኣት እዩ ዘሎ፣ ብፍላይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ የሻቕሎም እዩ።
እቲ ዕጽዋ’ውን እንተ ተላዕለ፡ እቲ ኲናት ኣብ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ነዊሕ ዝጸንሕ በሰላ ክሕድር ግድን'ዩ፡ ይብል ፕሮፌሰር ጌታቸው።
ድሮ’ውን ኣብ ሽረ ምዝማት ከምዘሎን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ እዋን ዝተራእየ፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ክስታት ይስማዕ ኣሎ።
"ሓቂ እንተዀይኑ ካብ ትሕተ ቅርጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተረፈ’ውን ከስዕቡ እዮም።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







