ኣብ ማላዊ ዝተረኽበ ጃምላዊ መቓብር “ኣዝዩ ዘሕዝን‘ዩ” - ሚኒስተር ዣን ሰንደዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሬሳ 25 ኢትዮጵያውያን እዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ሰባት ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ መንግስቲ ማላዊ ስጉምቲ ክወስድ ቃል ኣትዩ።
ፖሊስ እታ ሃገር፡ ምስቲ ገበናት ብዝተኣሳሰር 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።
ፖሊስ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ካልእ መንግስታዊ ሕዛእቲ ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎም።
ንኣሽቱ ኣወዳት፡ ሕማቕ ጨና ድሕሪ ምሽታቶም፡ እዞም ሬሳታት ኣብ ጫካ ወረዳ ምዚምባ ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።
ንጽባሒቱ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሬሳታት ካብቲ መቓብር 5 ኪ.ሜ ርሒቑ ተረኺቡ።
ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ዣን ሰንደዛ፡ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ዘሕዝን ኩነታት እዩ" ኢላ።
"ከም መንግስቲ ብሓቂ ነዚ ዓይነት ንጥፈት ክንኩንኖ ኣለና። ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ጽቡቕ ኣይኮነን"።
ፖሊስ ይምርምር ከምዘሎን እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ከምዝተሕዙን ኣስሚራትሉ።
ጠንቂ’ቲ ሞት ንምፍላጥ ድሕረ-ሞት መርመራ ክግበር እዩ።
ኣባላት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፈ ጉጅለ ከምዝኾኑ ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላዊያን እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን።
መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል’ታ ሃገር ዘይሕጋዊ ስግግር ደቂ ሰባት ደው ንምባል ኣብ ጽርግያታትን ዶባትን "ቁጽጽር የሐይል" ከምዝነበረ ወ/ሮ ሰንደንዛ ወሲኻ ገሊጻ።
ብዙሓት ካብቶም ኣሰጋገርቲ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ እዮም ኢላ።
ኣብ ማላዊ ዝርከቡ ሲቪላዊ ማሕበራት እውን ሰበስልጣን ቅልጡፍን ዕሙቕ ዝበለን ፎረንሲክ መርመራ ከካይዱ ይጽውዑ ኣለዉ።
ማእኸል ሰብኣዊ መሰላትን ተሃድሶን (CHRR)ን ማእኸል ተበግሶ ዲሞክራሲን ቁጠባዊ ልምዓትን (CDEDI)፡ በበይኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምርካብ እቶም ሬሳታት ኣብታ ሃገር ብቕልጡፍ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ቅልውላው ከምዘሎ ዘርኢ ስለዝኾነ፡ ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ ዘድልዮ ምዃኑ ገሊፆም።
ማላዊ፡ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልን ሓዊሱ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘሰጋግሩሉ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ትቃለስ ኣላ።
ካብ ማላዊ ሰጊሮም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ኣመሪካን ይዘልቁ።
እቲ ሰንሰለት ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ፡ ጽልዋ ዘለዎም ማላዊያውያን ዘሳትፍ ምዃኑ ይግመት።
ኣብ 2020 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማላዊ ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ነበር ኡላዲ ሙሳን ሓደ ሓላፊ ኢሚግሬሽንን፡ ንማላዊ ዘይኮኑ ሰባት ፓስፖርት ማላዊ ንኽረኽቡ ብምሕጋዞም ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድሎም ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







