ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማ ብብልሽውና ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምክትል ፕረዚደንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማ ንመንግስታዊ ውዕላት ንምሃብ ገንዘብ ተቐቢሉ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ትካል ጸረ ብልሽውና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ንሱ ካብ ሓደ እንግሊዛዊ ነጋዳይ 280 ሽሕ ዶላርን "ካልእ ኣቑሑትን" ብምቕባል ከምዝተኸሰሰ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ዶክተር ቺሊማ ብዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ክሲ ብልሽውና ገበነኛ ከምዘይኮነ ተኣሚኑ።
ድሮ ኣብ ወርሒ ሰነ ንመጀመርያ ግዜ ብከምሽን ጸረ ብልሽውና ኣብ ዝተኸሰሰሉ እዋን ስልጣኑ ተገፊፉ ነይሩ።
ንሱን ካልኦት 83 ሰበስልጣን ማላዊን ምስቲ ዙነት ሳታር ዝተባህለ እንግሊዛዊ ነጋዳይ ብልሽው ርክብ ከምዘለዎም ኣለልዩ ነይሩ።
ሕጂ ብዋሕስ ወጺኡ ዘሎ ዶክተር ቺሊማ፡ ሽዱሽተ ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ፡ ኣብ ማላዊ ስልጣን ዝሓዘ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ክሲ ክቐርበሉ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።
ብዓርቢ ንግሆ ብሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ዝተኸበባ ኣብያተ ጽሕፈት ብሰበስልጣን ጸረ ብልሽውና ሕቶታት ቀሪቡሉ። ቅድሚ ሕጂ ሕቶ ክሕተት ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብደገፍቱ ተበታቲኑ ነይሩ።
ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ደገፍቱ ምስ ፖሊስ ዝተጋጨዉ ከምዝመስል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ካብ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝወጸ ቪድዮ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።
ገለ ማላዊያውያን ነቲ ማእሰርቲ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና ከም ከቢድ ስጉምቲ ክወስድዎ እንከለዉ፡ ደገፍቲ ዶክተር ቺሊማ ግን ኣካል ፖለቲካዊ ሃድን ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣብ ማላዊ ዝተወልደ ሚስተር ሳታር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተታሒዙ ብዋሕስ ወጺኡ ኣሎ።
ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ማላዊን ፖለቲከኛታትን ዝነበሮ ርክብ ተጠቒሙ ብተንኮል ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ንምቕራብ ውዕላት ብምርካብ ይኽሰስ።
እቶም ውዕላት ምስ ዕጥቃዊ ጽዕነት፡ ረሽን መግብን፡ መዳፍዕን ማይን ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ጸብጺቡ ነይሩ።
ሳታር ኩሉ በደል ከምዝፈጸመ ክሒዱ ኣሎ።
ዶክተር ቺሊማ ኣብ 2020 መወዳድርቲ ፕረዚደንት ላዛሩስ ቻክዌራ ኮይኑ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ዝመጹ ኮይኖም ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፒተር ሙታሪካ ንምስዓር ግን ጥምረት መስሪቶም።
እቲ ምክትል ፕረዚደንት ቅድሚ ሕጂ ኣብ መድረኽ ጸረ ብልሽውና ጎስጓስ ኣካይዱ ነይሩ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንግስቲ ዝጸንሐ ምትላል ከብቅዕን ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ድኽነት ከብቅዕን ቃል ኣትዩ ነይሩ።
"ብልሽውና ንሓንቲ ሃገርን ህዝባን ከምዘይትጽገን ገይሩ ናይ ምብታኽ ሓይሊ ኣለዎ። ብልሽውና ሓደ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሕጋውነቱ ከም ዝስእን ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ" ክብል እቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ 2021 ኣብ ቢሮ ጸረ ብልሽውና ኣብ ዘውጽኦ ዜና ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማላዊ ኣብ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ካብ 180 ሃገራት መበል 110 ደረጃ ሒዛ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







