'ጠንቂ ክሊማዊ ቅልውላው ዝኾና ሃገራት ገበነኛታት፡ ድኻታት ከኣ ግዳያት እየን'

ፕረዚደንት ናሚብያ

ምንጪ ስእሊ, Dr Hage G. Geingob/ Twitter

ኣብቲ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ናሚብያ ሃገ ገንጐብ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ዘተ ብቕንዕና ሓቂ ኣይነግራን እየን ክብል ከሲሱ።

እቲ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ27፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ቀንዲ ጠንቂ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ክሊማዊ ቅልውላው እየን ኢሉ ብትሪ ክወቅስ ተሰሚዑ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ መናፈሲ ሻርም ኣ’ሸኽ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ብዛዕባ መጻኢ ፕላነት ምድሪን ነበርታን ክዝቲ ኣጀንዳኡ ዝገበረ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ናሚብያ ግን ነቲ ዋዕላ ክሊማ ናብ ሃተውቀጠው ቀይረናኦ ክብል ወቒሱ።

ፕረዚደንት ሃገ ኣተሓሒዙ፡ እተን ዓበይቲ በከልቲ ክሊማ ዝዀነ ሃገራት “ገበነኛታት”፡ እተን ድኻታት ሃገራት ከኣ “ግዳያት” ክብል ገሊጽወን።

ፕረዚደንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክወራ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ሃገራት ተሪር መልእኽቲ ከሕልፍ ተሰሚዑ።

ንሱ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እተን ዝሃብተማ ሃገራት ጠንቂ ክሊማዊ ለውጢ ምዃነን ጠቒሱ፡ ነዚ ቅልውላው ንምቅላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝያዳ ሓልፍነት ክወስዳ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

“ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ፡ ኵልና ማዕረ ክብሪ እዩ ዘለና፣ እንተዀነ ግቡኣትና፡ ዓቕምና ዕድላትናን ጉድለታትናን ግን ዝተፈላለየ እዩ።

"ስለዚ ከም ማላዊ መጠን፡ እዚ ኣብ መንጐ ምዕቡላት ሃገራት ዘሎ ንጹር ፍልልይ ገበነኛነትን ዓቕምን፡ ብመንጽር ሓላፍነት ንምቅላል ቅልውላው ክሊማ፡ ምግምጋምን ፋይናንስን ክንጸባረቕ ኣለዎ ኢልና ንኣምን" ኢሉ። 

እቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ መበል 27 ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ27)፡ ብ 6 ሕዳር ዝጀመረ ኰይኑ ክሳብ 18 ሕዳር ክቕጽል እዩ።

ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዋዒ፡ ዕልቕልቕን ደርቂን ኣብ መላእ ዓለም ይኽሰት ኣሎ። በካሊ ጋዛት ዘስዓቦ ዋዒ ናይዛ ምድሪ'ውን ብዘሰክፍ መጠን ይውስኽ እዩ ዘሎ።

እቲ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሐ እንከሎ፡ እቲ ዛጊት 1.1 በጺሑ ዘሎ መጠን ዋዒ ናይዛ ፕላነት ኣብ ዓመተ 2100 ካብ 1.5 ከይሓልፍ ምግባር ወሳኒ ምዃኑ'ዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።

እቲ ኣኼባ፡ መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ነቲ ንድሕነት ዓለም ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ክሊማዊ ለውጢ ንምግጣም መብጻዓታት ዝኣትውሉ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ኩነታት ንምግታእን ንምቕልባስን "ደቂሰባት እንተ ዘይተሓቢበሮም ክጠፍኡ'ዮም" ክብል ኣጠንቂቑ።

"ብፍጥነት ኣብቲ ናብ ገሃነም ዘምርሕ ዓቢ ጽርግያ ንጓዓዝ ኣለና" ዝብል ጉተረዝ፡ "ሰዓት ይሃርም ኣሎ። ኣብ ሂወትና ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ ቃልሲ ነካይድ ኣለና፡ ግና ንስዓር ኢና ዘለና" ኢሉ።