ማላዊ፡ ብሰንኪ 'ህቦብላ ፍረዲ' ኣስታት 200 ሰባት ሞይቶም

ህቦብላ ፍረዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህቦብላ ፍረዲ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ትሮፒካዊ ህቦብላ ፍረዲ ንደቡባዊ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ድሕሪ ምኽሳቱ ኣብ ማላዊ ጥራይ ብውሕዱ 190 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ኣብ ንግዳዊት ከተማ ብላንታይር ጥራይ ብዙሓት ህጻናት ዝርከብዎም 158 ሰባት በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ሞይቶም ኣለዉ።

እቲ ሓያል ንፋስን ዝናብን፡ ገና ከቢድ ዕንወት የስዕብ ከም ዘሎ ኸኣ ይግለፅ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ፒተር ካላያ፡ ንቢቢሲ ‘ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሩባታት ኣዕለቕሊቘም ይውሕዙ ኣለዉ፤ ብዝውሕዝ ማይ ዝውሰዱ ሰባት ኣለዉ፤ ዝፈርሱ ህንጻታት‘ውን ኣለዉና" ኢሉ።

ማላዊ "ተዋሒጣ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ነበርቲ ከተማ ብላንታይር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብተን ዝያዳ ዝተሃስያ ደቡባውን ማእከላይን ዞባታት፡ ልዕሊ ዓቕመን ዝተዋፈራ ጕጅለታት ህጹጽ ረድኤት ድማ ብዘይዛሪ ዝናብን ብርቱዕ ንፋስን ስርሐን ይተዓናቐፍ ምህላዉ እቲ ወሃቢ ቓል ፖሊስ ተዛሪቡ።

ኣብ ብላንታየር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝተወስዱ ግዳያት ብሰንኪ ዝወደቝ ኣግራብ፡ ምህማም መሬትን ጋሻ ውሕጅን መጕዳእቲ ከምዝወረዶም ሃገራዊ ዳይረክተር ሓኻይም ዶብ ኣልቦ (MSF) ማሪዮን ፔቻየር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጻ።

"ብዙሓት [ገዛውቲ] ብዚንጐታት ዝተሸፈኑ ናይ ጭቃ ገዛውቲ ስለዝዀኑ፡ እቲ ናሕሲ ናብ ርእሲ ሰባት’ዩ ዝወድቕ" ክትብል ኣረዲኣ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ምሕደራ ሓደጋ ማላዊ፡ ቺፒሊሮ ካሙላ ብወገኑ፡ ጉድኣት ዝወረዶም ሰባት ካብቶም ዝተሃሰዩ ከባቢታት ገና ይመፅኡ ምህላዎም ገሊጹ። ሰበስልጣን እታ ሃገር ከምዝብልዎ ገለ ከባቢታት ካብ ርክባት ተቛሪፀን ስለዘለዋ፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ይኽእል እዩ።

ፍረዲ ዝሓየለ ትሮፒካዊ ህቦብላ ብዝብል ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ህቦብላ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ትካል ሜትሮሎጂ ዓለም ይሕብር።

እቲ ህቦብላ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንእትርከብ ደሴታዊት ሃገር ማዳጋስካር ድሕሪ ምውቃዑ፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ንኻልኣይ ግዜ ብሰንበት ንሞዛምቢክ ከም ኣባኾቦራ [Cyclone] መሲሉ ኣጋጢምዋ ነይሩ።

ግን ከኣ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ዝወረደ ጕድኣትን ብዝሒ ዝሞቱን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ገለ ዝተሃሰያ ከባቢታት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣገልግሎት ተሌፎንን ብምቍራጹ ከምዝዀነ ይግለፅ።

እቲ ህቦብላ ዘጋጠመሉ ግዜ ንለበዳ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ማላዊ ከጋድዶ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ኣጠንቂቘም ኣለዉ።

ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ትሮፒካዊ ህቦብላታት ብዝናብ ዝተሰነየ፡ ንፋስ ዝዓጀቦን ዝያዳ ጽዑቕን ይገብሮ ከምዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።