እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ዝተረፈ ብሕታዊ ሆስፒታል ኣዕንያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ዝገደዶም ሕሙማት ዝናበይሉን ክፍሊ መጥባሕትን ሆስፒታል ቓዛ ከምዝዓነወ ሓማስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሚሳይላት ኣብ ክልተ ደብሪ ህንጻ ድሕሪ ምውቃዑ፡ ካብ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ባፕቲስት ዝተበገሰ ገዚፍ ሃልሃልታን ትክን ክወፅእ የርኢ።
ኣብ ዓራውቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ሓዊሱ ሰባት ካብቲ ቦታ ብጉያ ክወጹ ተራእዮም።
ሓማስ ነቲ መጥቃዕቲ "ዘስካሕክሕ ገበን" ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ እስራኤል ነቲ ጸብጻባት ትምርምሮ ከምዘላ ገሊጻ።
ሓደ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ርእሱ መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎ ኣብቲ ሆስፒታል ክሕብሓብ ዝፀንሐ ህጻን፡ ብሰንኪ እቲ ደፋእፋእ ከምዝሞተ፡ ምስቲ ሆስፒታል ምትእስሳር ዘለዎ ኤጲስቆጶሳዊ ሃገረ ስብከት ኢየሩሳሌም ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።
ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጋዜጠኛ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ናብ ሓደ ሓኪም እቲ ሆስፒታል ደዊሉ ሰለማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ቅድመ-መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ገሊጹ።
እቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ፡ ሓደ መኮነን ሰራዊት እስራኤል ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ንዝሰርሕ ሓኪም ደዊሉ ብቕልጡፍ ካብቲ ሆስፒታል ክወጹ ከምዝሓተቶም ገሊጹ።
እቲ ኣባል ሰራዊት እስራኤል "ኩሎም ሕሙማትን ተመዛበልትን ናብ ውሑስ ቦታ ክወጹ ኣለዎም" ክብል ነቲ ሓላፊ ይነግሮ፤ "ክትወጽኡ 20 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ዘለካ" ድማ ይብሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ካብቲ ህንጻ ጸልሚቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ደርገፍገፍ እናበሉ ክወጹ ዘርኢ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ዓሰርተታት ፍልስጤማውያን እውን ካብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል መጽለሊ ክደልዩ ዝጸንሑ መረባ ክሃድሙ ተራእዮም።
ኣል-ኣህሊ ቅድሚ ኲናት ዝነበረት ንእሽቶ ትካል ሕክምና ኮይና ሕጂ ድሕሪ ምዕናው ሕክምናዊ ውህደትን ሆስፒታላት ኣል-ሺፋን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ቓዛ ክሳብ ሕጂ እትሰርሕ እንኮ ሆስፒታል ኮይና ኣላ።
እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ሚድያ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ።
እስራኤል "ኣማኢት ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ዝሕዝ ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ዒላማ ብምግባር ዘስካሕክሕ ገበን ትፍጽም ኣላ" ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ተመሳሳሊ ሆስፒታል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ምሟቶም ዝዝከር እዩ።
እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ብሰንኪ ፍሹል ምውንጫፍ ሮኬት ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ እስላማዊ ጅሃድ ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጻ።
ብ7 ጥቅምቲ 2023፡ ሓማስ ኣብ ዶባት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ዝተትሓዙ ዀይኖም፡ ገለ ካብ መንጐኦም ብስምምዕ ሓራ ክወፅኡ ክኢሎም እዮም።
ሰራዊት እስራኤል ካብ እታ መዓልቲ ጀሚሩ ሓማስ ንምጥፋእ ወፊሩ ይርከብ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ኣስታት 51 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







