ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ዕላማኡ እንታይ እዩ፡ ድልየት ኣመሪካኸ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካን ኢራንን ድሕሪ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ጉዳይ እቲ ኣካታዒ ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ናብ ሓድሽ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘኽእለን ዘተ ከካይዳ እየን።
ዶናልድ ትራምፕ ንኣመሪካ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኢራንን ሓያላን ሃገራት ዓለምን ዝተገብረ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ኣውጺኡ፡ ቍጠባዊ እገዳ ብምትግባር ንኢራን ኣቘጢዑዋ። ትራምፕ እቲ ዝርርብ እንተ ዘይተዓዊቱ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ኢራን ስለምንታይ'ዩ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትዓጥቕ ዘይተፍቐደላ?
ኢራን ኑክልየሳዊ መደባ ንስቪላዊ መዓላ ዝውዕል ጥራሕ ምዃኑ ትገልጽ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከተማዕብል ትፍትን ከም ዘየላ'ኳ እንተ ገለጸት፡ ብዙሓት ሃገራት ከምኡ'ውን ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ኑክልየሳዊ ትካል ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) ግን ኣይኣመኑን።
ብዛዕባ ዕላማ ኢራን ጥርጣረታት ዝተላዕለ፡ እታ ሃገር ኣብ 2002 ምስጢራዊ ኑክልየሳዊ ትካላት ከም ዘለዋ ምስ ተረጋገጸ እዩ።
እዚ ድማ ኢራንን ዳርጋ ኵለን ካልኦት ሃገራትን ዝፈረማሉ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር (NPT) ዝተባህለ ስምምዕ ኣፍሪሱ።
እቲ ውዕሊ፡ ሃገራት ወተሃደራዊ ዘይኰነ ኑክልየሳዊ ቴክኖሎጂ ክጥቀማ ዝፈቅድ ኰይኑ ኣብነት ከም ንሕክምና፡ ሕርሻን ጸዓትን ይፈቅድ'ዩ። ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምምዕባል ግን ኣይፈቅድን።
መደብ ኑክልየስ ኢራን ክሳብ ክንደይ ምዕቡል እዩ?
ኣመሪካ ካብቲ ዝጸንሐ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ኣብ 2018 ካብ እትወጽእ ንደሓር፡ ኢራን ንውሳነታት ዳግማይ እገዳ ሕነኣ ክትፈዲ ነቶም ኣውራ ውዕላት ኣፍሪሳ።
ኢራን ዩራንየም ንምህብታም ኣሽሓት መጽረዪ ማሽናት ዝተኸለት ኰይና፡ እዚ ድማ በቲ ስምምዕ መሰረት ዝተኸልከለ ነገር እዩ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ክሳብ 90 ሚእታዊት ጽሬት ዘለዎ ዩራንየም የድሊ። ብመሰረት [JCPOA] ኢራን 3.67 ሚእታዊት ጽሬት ዘለዎ ክሳብ 300 ኪሎ-ግራም ዩራንየም ጥራሕ ክትሕዝ'ዩ ተፈቒዱላ። እዚ ድማ ንስቪላዊ ኑክልየሳዊ ሓይልን ምርምርን እኹል ኰይኑ ግን ድማ ንኑክልየሳዊ ቦምብ ከስርሕ ዝኽእል ኣይኰነን።
ክሳብ መጋቢት 2025 ግን [IAEA] ኢራን ኣስታት 275 ኪሎ-ግራም ዩራንየም ከም ዘለዋን እዚ ድማ ክሳብ 60 ሚእታዊት ጽሬት ዘለዎ ከም ዝዀነን ኣረጋጊጹ። እዚ ድማ ብኽልሰ-ሓሳብ ደረጃ ኣስታት ፍርቂ ደርዘን ኣጽዋር ንምስራሕ እኹል እዩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ነቲ ዩራንየም ኣብ ውሽጢ ሰሙን ናብ ምሉእ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትቅይሮ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ገሊጾም።
እንተዀነ፡ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ 18 ኣዋርሕ ክወስደላ ከም ዝኽእል'ውን ገሊጾም ኣለዉ። ገለ ክኢላታት፡ "መጠናዊ" መሳርሒ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ትሕቲኡ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, AP
ትራምፕ ካብቲ ዝሓለፈ ኑክልየሳዊ ስምምዕ ንምንታይ እዩ ወጺኡ?
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ካብ 2010 ጀሚረን ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ኣጽዋር ንምምዕባል ይውዕል ኣሎ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሰፊሕ ቍጠባዊ እገዳ ኣንቢረን ነይረን።
እቲ እገዳ፡ ኢራን ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ነዳዲ ከይትሸይጥ ደው ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ኣብ ወጻኢ ዓድታት ዝተቐመጠ 100 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ንብረታ ክሳብ ምህጋር ዝበጽሐ'ዩ ነይሩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ቍጠባኣ ንቝልቍል ኣፍ ተደፊኡ ዋጋ ባጤራኣ ናብቲ ዝወሓደ ደረጃ ወሪዱ። እዚ ድማ ብግዲኡ ዋጋታት ንብረት ብዘይ ምሕረት ክንህር ምኽንያት ኰይኑ።
ኣብ 2015፡ ኢራንን ሽዱሽተ ሓያላን ሃገራት ዓለም - ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ሩስያ፡ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን - ድሕሪ ናይ ዓመታት ድርድር ናብ ሓደ ስምምዕ በጺሐን።
ኢራን ኣብ ኑክልየሳዊ መደባታ እንታይ ክትገብር ከም ዝፍቀደላ ካብ ምድራት ብተወሳኺ፡ IAEA ናብ ኵሉ ኑክልየሳዊ ትካላት ኢራን ክኣቱን ኣብ ጥርጡራት ቦታታት መርመራ ክገብርን ኣኽኢሉዎ።
እተን ሓያላት ሃገራት ድማ ነቲ እገዳ ንምልዓል ተሰማሚዐን።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2018 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ነታ ቀንዲ ዓንዲ ናይቲ ስምምዕ ዝነበረት ኣመሪካ – ካብቲ ስምምዕ ኣውጺኡዋ።
ንሱ፡ እቲ ውዕል ቀዋሚ ስለ ዘይኰነን ንመደባት ባሊስቲክ ሚሳይላት ኢራን ስለ ዘይምልከትን "ሕማቕ ውዕል፡" እዩ ኢሉዎ።
ትራምፕ፡ ኢራን ተገዲዳ ናብ ድርድር ክትመጽእ ዝዓለመ እገዳ ኣንቢሩ። ውሳነ ትራምፕ በቶም ነቲ ስምምዕ ዝቃወሙ ዝነበሩ ዞባዊ መሓዙት ኣመሪካ ብቐንዱ እስራኤል ዝተጸልወ እዩ።
እስራኤል፡ ኢራን ገና ሕቡእ ኑክልየሳዊ መደብ ትኽተል ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ኢራን ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ንምሕያል ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ክትጥቀም ምዃና ኣጠንቂቓ።
ኣመሪካን እስራኤልን ሕጂ እንታይ ይደልያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትራምፕ ብዛዕባ ምስ ኢራን ዝካየድ ዝርርብ ምእዋጁ ንእስራኤል ሃንደበታዊ ዝዀና ይመስል። ትራምፕ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ውዕሊ ዝሓሸ ስምምዕ ክገብር ምዃኑ ንነዊሕ እዋን ክዛረበሉ'ኳ እንተ ጸንሐ፡ ኢራን ግን ነጺጋቶ ጸኒሓ እያ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ኢራን ነቲ ዝቐረበ መጸዋዕታ ዘይትቕበል እንተዀይና "ቦምባታት ክወርዳ'ዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታኡ ማይክ ዋልትዝ፡ ትራምፕ ምሉእ ብምሉእ ምፍራስ መደብ ኑክልየሳዊ ኢራን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ።
ዋላ'ኳ ትራምፕ "ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ'ዩ፡" እንተ በለ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ እቲ ኣብ ዖማን ዝካየድ ድርድር፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክኸውን'ዩ ኢሉ።
ኢራን ምስ ኣመሪካ ክትዘራረብ ድልውቲ ምዃና እኳ እንተ ገለጸ፡ ትራምፕ ግን መጀመርታ "ወተሃደራዊ ኣማራጺ" ክህሉ ከም ዘይክእል ክሰማማዕ ኣለዎ ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ናይ ትራምፕ ኣዋጅ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እቲ እንኮ ቅቡል ስምምዕ ኢራን ኑክልየሳዊ መደባታ ከተወግድ ምስምማዓ ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ንኤን.ፒ.ቲ ዘይፈረመት እስራኤል፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ዝግመት ኰይኑ እታ ንእስራኤል ኣፍልጦ ዘይትህብ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እንተ ዓጢቓ ዓብዪ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ትኣምን።
ኣመሪካን እስራኤልን ንኢራን ከጥቅዓ ይኽእላ ድየን?
ኣመሪካን እስራኤልን ኑክልየሳዊ መሰረተ-ልምዓት ኢራን ናይ ምዕናው ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣለወን። እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ስርሒት ዝተሓላለኸን ሓደገኛን ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ብዛዕባ ውጽኢቱ ርገጸኛ ምዃን ኣይከኣልን።
ቍልፊ ኑክልየሳዊ ቦታታት ኢራን ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሮም ስለ ዝርከቡ፡ ነዚኣቶም ንምዕናው ኣዝዮም ዝተራቐቑ ቦምባታት ምዕጣቕ የድሊ። ኣመሪካ ነዞም ቦምባታት ክትውንን እንከላ፡ እስራኤል ግን ይሃሉዋ ኣይሃሉዋ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
ኢራን ንነብሳ ክትከላኸል ምዃና ዳርጋ ርግጸኛ ኰይና፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ንብረት ኣመሪካ ካብ ምጥቃዕ ክሳብ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ምትኳስን ከጠቓልል ይኽእል'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







