ኣመሪካን ኢራንን፡ እተን ዓይንን ሓመድን ዝዀና ሃገራት ኣብ 'ኑክልየሳዊ ኣጽዋር' ክሰማምዓ ይኽእላ ድየን?

ኣመሪካን ኢራንን

ምንጪ ስእሊ, AFP

እተን ናይ ነዊሕ እዋን ተጻባእቲ ሃገራት ኣመሪካን ኢራንን፡ ኣብ ዛዕባ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር "ቀጥታዊ ዝርርብ" ክገብራ ምዃነን ዶናልድ ትራምፕ ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን'ውን ነዚ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እንተዀነ፡ ዝመጽእ ቀደም ክካየድ ዝተወጠነ ዝርርብ 'ብተዘዋዋሪ' ከም ዝዀነ እዩ ዝዛረብ። እዚ ምስቲ ትራምፕ ዝብሎ ዝቃረን ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ዝርርብ "ብኢድ-ኣዙር ክኸውን'ዩ፣ እንተዀነ፡ ዕድል ዝኸፍት ፈተነ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ዝካየድ ዘተ 'ኣዝዩ ልዑል ደረጃ' ከም ዝኸውን ብምግላጽ፡ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ ግን፡ "ንኢራን ኣዝዩ ሕማቕ መዓልቲ፡" ከም ዝኸውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዋይ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ነቲ ቀጥታዊ ዝርርብ ዝቐረበሉ ዕድመ ብግልጺ ድሕሪ ምንጻጉ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ተሓንዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ኣብ ቀደማይ እብረ ስልጣኑ፡ ኣብ እዋን ባራክ ኦቦማ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምግዳፍ፡ ነቲ ኵነታት ናብ ተጻብኦ ኣምሪሑዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ትራምፕ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ፡ ምስ ቀደማይ ምኒሰተር እስራኤል፡ ቤንያሚን ነታንያሁ ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነታንያሁ'ውን ኣቐዲሙ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከይትውንን ደው ንምባል መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኣስሚዑ ነይሩ።

ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቀዳም [ምስ ኢራን] ኣዝዩ ዓቢይ ኣኼባ ክህልወና እዩ። ብቐጥታ ድማ ምስኦም ንራኸብ ኣለና... ምናልባት'ውን ስምምዕ ክግበር ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

ድሒሩ ግን ትራምፕ፡ እቲ ዝርርብ እንተ ዘይተዓዊቱ ኢራን ኣብ "ከቢድ ሓደጋ፡" ክትኣቱ ምዃና ኣጠንቂቑ።

"ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክህሉዋ ኣይክእልን'ዩ፣ እቲ ዝርርብ እንተ ዘይተዓዊቱ ድማ ብሓቂ ንኢራን ኣዝዩ ሕማቕ መዓልቲ ክኸውን'ዩ።"

እቲ ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ እቲ ዝርርብ ክሳብ ክንደይ ምዕባለ ከም ዘርኣየ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት 12 ሚያዝያ ኣብ ዖማን ክራኸባ ምዃነን ግን ኣረጋጊጹ።

ኣባስ ኣራግቺ ኣብ ኤክስ "ማዕረ ማዕረ ዕድል ፈተና'ወን እዩ። እታ ኩዕሶ ኣብ ሜዳ ኣመሪካ እያ ዘላ" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ትራምፕ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝመጽአ መንጐኛ ኣቢሉ ናብ መራሒ ኢራን ዝሰደዶ ደብዳበ፡ ንኽዘራረብ ድልውነቱ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እቲ ዕድመ ዘተ ብኢራን ተነጺጉ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብሳልሳይ ወገን ኣቢሉ ምስ ኣመሪካ ክግበር ዝኽእል ስምምዕ ንምዝታይ ድልውነት ከም ዘሎ፡ መሪሕነት እታ ሃገር ድሒሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግን መጀመርታ "ወተሃደራዊ ኣማራጺ" ከም ዘይህሉ ክሰማምዑ ኣለዎም፡ ዝበለ ኣራግቺ፡ ኢራን "ግዱድ ዘተ ፈጺማ ከም ዘይትቕበል፡" ወሲኹ ገሊጹ።

ኢራን ኑክልየሳዊ ንጥፈታታ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ወይ ንምጥራይ ፈጺማ ከም ዘይትደሊ ደጋጊማ ትገልጽ።

ኢራን ኣብ እስፋሃን ሓዊሱ ሓያሎ ዓበይቲ ኑክልየሳዊ ቦታታት ተውንን (ስእሊ ኣብ 2007)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ሓያሎ ዓበይቲ ኑክልየሳዊ ቦታታት ትውንን

ኣራግቺ፡ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይተመዕብል ዝኣተወትሉ ቃል ከም ዝጠሓሰት ዘርኢ መርትዖ ከም ዘየሎ'ኳ እንተ ገለጸ፡ "ስክፍታታት ክህሉ ከም ዝኽእል፡" እውን ኣሚኑ።

"ሰላማዊ ዕላማና ከነነጽርን ዝዀነ ክህሉ ዝኽእል ስክፍታ ንምህዳእ ኣድላዪ ስጕምትታት ክንወስድን ድሉዋት ኢና። ብወገን ኣመሪካ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ከም እትጸንዕ ከተርኢ ኣለዋ። ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ እንተዀይኑ፡ ብሰላም ክንገብሮ ንኽእል ኢና።"

ማዕከን ዜና ኢራን ታስኒም፡ ኣራግቺ ንልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ዝርርብ ዖማን ክመርሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣገዳስነቱ ኣስሚርሉ።

ብኻልእ ወገን መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ንወገን ኣመሪካ ከም ዝመርሕ ኣረጋጊጹ።

ኣመሪካ፡ እቲ ዝርርብ ቀጥታዊ ክኸውን ምድፋኣ ቀጺላ ኣላ፣ እዚ ሓደ ካብቲ ምስ ኢራን ዘሎ ኣፈላላይ ይመስል።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ፡ ኣመሪካ፡ ኢራን ኑክልየሳዊ መደባታ ምሉእ ብምሉእ ከተፈርስ ክትጽውዕ ትጽቢት ይግበር።

እንተዀነ፡ ሰበስልጣን ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ጠለባት ትራምፕ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ዕላዊ ኣይገበሩን ዘለዉ።

ይዅን እምበር፡ ዊትኮፍ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኢራን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም ዘይተማዕብል ንምርኣይ 'ኣማራጺ' የቕርብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልትዝ ብወገኑ፡ እቲ ዕላማ "ምሉእ ብምሉእ ንምፍራስ፡" ዝዓለመ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ንመርገጺ ዋልትዝ ኣቃሊሑ።

"ከምቲ ናይ ሊብያ" ዝዓይነቱ ስምምዕ ክግበር ከም ዝደሊ ገሊጹ። እዚ፡ 2003 ንመደባት ኑክልየሳዊ፡ ባዮሎጂያውን ኬሚካላውን ኣጽዋራት ሊብያ ንምፍራስ - ብዝብል ዝተወስደ ስጕምቲ ዘመልክት'ዩ።

ቀጺሉ፡ "እቲ ካልኣይ [ዘይኸውን ዝተባህለ] ተኽእሎ፡ ድሕሪ እቲ ዝርርብ፡ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ኣሎ፡" ኢሉ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለዋን ዘይንጹር ወግዓዊ ፖሊሲ እትኽተልን እስራኤል፡ ንኑክልየሳት ኢራን ከም ሓደጋ ህላወ እያ እትርእዮ።

ነታንያሁ ዝሓለፈ ዓመት፡ እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኑክልየሳዊ ቦታ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኑክልየሳዊ መደባ ንምፍራስ ፈጺማ ከም ዘይትሰማማዕን እቲ "ሞዴል ሊብያ" ኣካል ዝዀነ ይዅን ድርድር ፈጺሙ ከም ዘይከውንን ወሲኹ ገሊጹ።

ኢራን ምስ ምምሕዳር ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦቦማ ዝተበጽሐ፣ ከምኡ'ውን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ጀርመንን ኣብ 2015 ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ንጥፈታታ ኑክልየስ ክትግድብ ዝብል ይርከቦ።

ከምኡ ድማ፡ ካብ እገዳ ንምድሓን ብዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) መርመራታት ክትፍቀድ ዝብል ይርከቦ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ 2018፡ ትራምፕ ነቲ ውዕል ጠንጢኑዎ ወጺኡ።

ብድሕሪኡ ኢራን ነቲ ናይቲ ስምምዕ ገደብ ምጥሓሳ እናወሰኸት መጺኣ።

ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ኣብ ለካቲት ኣጠንቂቑ ዝነበረ ኰይኑ፡ እታ ሃገር ዳርጋ 275 ኪሎ-ግራም ክሳብ 60% ጽሬት ዝሃብተመ ዩራንየም ከም ዘልሓመት - እዚ ድማ ናብ ደረጃ ኣጽዋር ዝቐረበ ምዃኑ የመልክት።