ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ንምቁፅፃር ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዘዋፈረት ሃገር

ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኢራን ንእስላማዊ ሕጊ እታ ሃገር ዝጥሕስ ኣከዳድና ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ንምክትታል ሰብ ኣልቦ ነፈርትን መተግበሪታትን ትጥቀም ከምዘላ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን "ብመንግስቲ ዝምወል ስርዓት-ኣልቦነት" ይኽተሉ ኣለዉ።

ከምኡ'ውን፡ ዜጋታት ነቲ 'ስሩዕ እስላማዊ ኣከዳድና' ዘይተኸተላ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕባር፡ ፍሉይ ናይ ቴሌፎን መተግበሪታት ክጥቀሙ ይተባብዑ ኣለዉ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ቴህራንን ደቡባዊ ኢራንን፡ ሒጃብ ዘይለበሳ ደቂኣንስትዮ ንምልላይ: ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናይ ጸጥታ ካሜራታትን ኣብ ጥቕሚ ከውዕሉ እውን ኣዚዙ።

ሕጊ ኣከዳድና ዝጥሕሳ ወይ ድማ ዝቃወማ ደቂኣንስትዮ ይእሰራ፣ ይግረፋ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እንከለዋ እውን ይዕመፃ።

ናጻ ዓለማዊ መርማሪ ጉጅለ- ኣብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን፡ እታ ብዙሕ ክተዘራረብ ዝፀንሐት- ማሳ ኣሚኒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወት ምስ ሞተት ዝተጣየሸ ኰይኑ፡ ርኸበታቱ ዛዚሙ ኣሎ።

እቲ መርማሪ ጉጅለ፡ እታ ጓል ኣነስተይቲ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊኣ ዘብፀሐላ "ኣካላዊ መጥቃዕቲ" ንሞት ከም ዘቃለዓ'ውን ኣፍሊጡ።

እታ ጓል 22 ዓመት ማሳ፡ ብ 'ፖሊስ ሞራል' [ስነ ምግባር ዝቆፃፀር ክፍሊ ፖሊስ] ኢራን ከቢድ መውቃዕቲ ከምዝወረዳ ይግለፅ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናታ ሞት ግና ኣብ መላእ ኢራን ህዝባዊ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ፡ "ብሕማም ድኻም ልቢ" ከምዝሞተት እዩ ገሊፁ።

ብዙሓት ኢራናውያን ንማእሰርትን ምግፋዕን ሓይልታት ፀጥታ ከይፈርሑ፡ ኣብ ኣደባባያት ወፂኦም ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ዝዝከር እዩ።

"እቲ ተቓውሞታት ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ምስ ኣቑፀረ፡ ሕዘ'ውን፡ ደቂኣንስትዮ ኢራን ስርዓታዊ ኣድልዎ ይገጥመን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ዘስገድድ ሕጊ ሂጃብ ብዝተኣሳሰር፡ ምሉእ ህይወተን ኣብ ትሕቲ ፅንዅር ቁፅፅር'ዩ ዘሎ፡ " ይብል እቲ ጸብጻብ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ መንግስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጊ ሒጃብ ንኽገብራ፡ "ሲቪካዊ ሓላፍነት" ብዝብል፡ ሕጋዊ ጉልባብ ተሸፊኑ ከምዝትገበር ኣመልኪቱ።

ኣብ ቴህራን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣሚርካቢር፡ ገፅ ደቂ ኣንስትዮ ከንብብ ዝኽእል፡ ሒጃብ ተኸዲነን ድየን ኣይገበራን ንምፍላጥ ዝሕግዝ መሳርሒ [ሰብ-ስርሖ-ብልሒ] ከም ዝገጠመ ይግለጽ።

ኣብ ኢራን ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ናይ ጸጥታ ካሜራታት ተተኺሎም ኣሎ።

ሒጃብ ዘይኽደና ደቂ ኣንስትዮ ንምልላይ እውን ይውዕል ኣሎ ተባሂሉ።

ፖሊስ ኢራን ንህዝቢ ንምስላል፡ 'ናዛር' ዝተባህለ መተግበሪ [ኣፕ] ይጥቀሙ ከምዘለዉ'ውን መርመራታት ይሕብሩ።

እዚ ድማ ኣብ ታክሲታት፣ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ምክትታል የጠቓልል።

"ተጠቀምቲ ናይቲ መትገበሪ ሕጊ ሒጃብ ዝጠሓስና ምስ ዝመስሎም፡ ቦታ፣ ሰዓትን ቁፅሪ ታርጋን ከእትዉ ይኽእሉ። ካብኡ ድማ ፖሊስ ይፅወዕ" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኣብ ከምኡ እዋን፡ ናብ'ቲ በዓል መኪና ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ይለኣኽ። እቲ መልእኽቲ ዕሽሽ እንተተባሂሉ እታ መኪና ደው የብልዋ።

መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ምስ 300 ግዳያትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ቃለ መሕትት ኣካይዶም።

ሕጋዊ ስርዓት ኢራን እውን ፈቲሾም እዮም፤ እቲ ሕጋዊ ስርዓት ካብ ኣድልዎ ናፃ ከምዘይኮነ እውን ገሊፆም።

እተን ግዳያት፡ ኣብ ልዕሊአን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝፍፀመንን፡ ስድራቤተን ምፍርራሕ ከምዝበፅሖምን እውን ገሊፆም።

እቲ ፀብፃብ ከም ዘመልክቶ፡ ሰለስተ ህፃናትን ሰለስተ ዓበይቲን፡ ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝተቐትላ ኮይነን፡ መመኽነይታ፤ ርእሰ ቅትለት ፈፂመን ተባሂለን።

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኰይንካ ፖሊስ፡ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጥም እውን ተገሊፁ ኣሎ። ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ ብኸቢድ ከም ዝግረፋን ብጉጅለታት ከም ዝዕመፃን እቲ ፀብፃብ ይሕብር።

እቲ ፀብፃብ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ክቐርብ ትፅቢት ይግበረሉ።