ካብ ርሕሚ ብዛዕባ ዝፈስስ ዘይልሙድ ፈሳሲ እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንተፈጥርኣዊ ህላወ ባክተርያ ኣብ ርሕሚ ዘዛብዕ ኵነታት ማለት'ውን ባክተርያል ቫጂኖሲስ ወይ ድማ ቢቪ፡ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይገልጹ።
ቫጂኖሲስ ኣብ ርሕሚ ጓልኣንስተይቲ ንዝረኣይ ዘይምዕሩይነት ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፡ ባክተርያዊ ቫጂኖሲስ (ቢቪ) ድማ ኣብ ርሕሚ ደቂኣንስትዮ ዘሎ ተፈጥርኣዊ ባክተርያ እንክዛባዕን ጐዳእቲ ባክተርያታት እንከማዕብሉን ዘጋጥም ፈሳሲ እዩ።
ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ- ኤንኤችኤስ ባክቴርያዊ ቫጂኖሲስ (ቢቪ)፡ ሚዛን ኣብ ርሕምኺ ዝርከብ ባክተርያ እንክቕየር ዝኽሰት ግን ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከም ዘይኮነ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ኣብ ጾታዊ ርክብ ንጡፍ ምዃን ከለዓዕሎ ከም ዝኽእል'ዩ ዘነጽር።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ንሲሶ ደቂኣንስትዮ ዓለም ዝጸልው ቢቪ ንመኻንነት፡ ዕሸል ኣብ ዘይእዋኑ ምውላድን ሓደሽቲ ዝተወለዱ ሕንጦታት ድማ ክሞቱን ከም ዝድርኽ ሓድሽ መጽናዕቲ የመልክት።
ዘይከምቲ ኤንኤችኤስ ዝገለጾ ድማ ባክተርያዊ ቫጂኖሲስ (ቢቪ) መጻምዲ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽምሉ ዝመሓላለፍን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ምስ ዝመሓለለፍሉ መንገዲ ዝመሳሰልን ከም ዝዀነ ገሊጹ።
እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኻየደን ኣብ ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦፍ መድስን ዝተሓተመን መጽናዕቲ፡ ብቢቪ ንዝተለኸፈትን ምልክታቱ ንዘርኣየትን ውልቀሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንናይ ጻታዊ ርክብ መጻምዳ ምሕካም ንምምሓው እቲ ረኽሲ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ።
ቢቪ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቪ- ባክተርያዊ ቫጂኖሲስ ጠንቂ ዘይልሙድ ፈሳሲ ርሕሚ ኰይኑ፡ እዚ ፈሳሲ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ሕማቕ ጨና ዘለዎ (ከም ዝተበላሸወ ዓሳ ዝሸትት) እዩ።
ሕብርን ሕፍሰትን እቲ ካብ ርሕሚ ዝፈስስ ፈሳሲ'ውን ክቕየር ይኽእል። ካብ ርሕሚ እታ ብረኽሲ ቢቪ ዝተለኸፈት ጓልኣንስተይቲ ዝፈስስ ፈሳሲ ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዘለዎን ከም ማይ ዝቐጠነን እዩ።
ፍርቂ ብባክተርያዊ ቫጂኖሲስ ዝተለኸፋ ደቂኣንስትዮ፡ ዝዀነ ዓይነት ምልክት ኣየርእያን።
ቢቪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ ኰነ ምስሓይ ኣየስዕብን።
ኣፋውስ ጸረ-ረኽስታት ባክተርያ (ኣንቲባዮቲክ) ዝቕብኡ ክሬማትን ጄልን ብምውሳድ ድማ ክሕከም ይኽእል።
በዚ ረኽሲ ዝተለኸፉ ሰባት ክሓውዩ ይኽእሉዶ? ንዝብል፡ እዚ መጽናዕቲ ኣብ 164 ብቢቪ ዝተለኸፉ ሰባት ፈተነ ዘካየደ ክኸውን ከሎ፡ ተመራመርቲ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓለለፉ ረኽስታት ዝካየድ መንገዲ ሕክምና ተኸቲሎም።
ነታ ጓልኣንስተይቲ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኽልቲኦም መጻምዲ መድሓኒት ኣንቲባዮቲክስ ብምሃብ ሓኪሞም። በዚ ሜላ ዝግበር ሕክምና ምሉእ ብምሉእ ዕዉት ከም ዝዀነ ድማ ኣረጋጊጾም።
እቶም ዶካትር፡ እዚ መንገዲ እዚ ብምጥቃም ረኽሲ ቢቪ ኣብቶም ግዳያት ማልሳይ ከም ዘይረኣይ ምስ ኣረጋገጹ፡ ካብቲ ነዚ ምርምር ንምክያድ ተመዲቡ ዝነበረ ግዜ ኣቐዲሞም'ዮም መጽናዕቶም ንምዝዛም ወሲኖም።
ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ፕሮፌሰር ካትሪዮና ብራድሾው፡ "ምርምርና ኣብ መጻምዲ ዝረኣይ ማልሳይ ረኽሲ እታ ጓልኣንስተይቲ ተደጋጋሚ ቢቪ ንኸጋጥማ ከም ዝድርኽን ባክተርያዊ ቫጂኖሲስ ድማ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ምዃኑን ዘረጋገፀ'ዩ፡" ኢላ።
እታ ተመራማሪት ወሲኻ፡ "ቢቪ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ድዩ ዝብል ንምርግጋጽ በዳሂ ዝገብሮ ብትኽክል ኣየናይ ባክተርያ እዩ ዝብል ዘይምፍላጥና'ዩ። ይዅን'ምበር፡ ቅደም ሰዓብ ዲኤንኤ ንምፍላጥ ዘገልግሉ ዘበናዊ ቴክኒካትን መሳርሕታትን ነቲ ምስጢር ክንበጽሖ ይሕግዙና ኣለዉ፡" ኢላ።
ኣብቲ ኣብ ማእከል ሕክምና ጾታዊ ጥዕና መልበርን ብዩኒቨርሲቲ ሞናሽን ብተመራመርቲ ኣልፍረድ ሄልዝን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ፍርቂ እቶም ደቂተባዕትዮ ብኣፍ ዝውሰድ መድሓኒት ኣንቲባዮቲክን ኣብ ቆርበት ዝልከይ ክሬምን ንሓደ ሰሙን ክጥቀሙ ዝተገበረ ኰይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ደቂተባዕትዮ ድማ ንምንጽጻር መድሓኒት ኣይተዋህቦምን።
ብመሰረት እቲ ርኽበት ድማ እቲ ማእከል ሕክምና ቅድሚ ሕጂ ቢቪ ንዝተለኸፉ ሰባት ይህቦ ዝነበረ መስርሕ ብምቕያር ንመጻምዲ ሓባራዊ ሕክምና ክህብ ጀሚሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







