ሱዳን፡ ንኢማራት ዓረብ ኣብ ቤትፍርዲ ዓለም ትኸሰሉ ዘላ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters / Getty Images
ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ "ተሓባባሪት ኣብ ምጽናት ዓሌት፡" ክትብል ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢምራት ዓረብ ንዘቕረበቶ ክሲ ይሰምዕ ኣሎ።
ኣብዚ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ መረበቶም ክሓድጉ ተገዲዶም።
ኢማራት ዓረብ፡ ነቶም ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝርከቡ ዓረባዊ መበቈል ዘይብሎም ማሕበረሰብ ማሳሊት ንምጽናት ዕላማ ብምግባር፡ ነቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ምዕጣቕ ኢድ ከም ዘለዋ'ዩ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝኸስስ።
ኢማራት ዓረብ ነዚ ብምንጻግ፡ እዚ ጉዳይ ብሽዓኡ ውዱቕ ክኸውን ብምሕታት፡ ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ትገልጽ።
እቲ ኲናት ኣብ ክፍላ ሚያዝያ 2023 ድሕሪ ምውልዑ ክልቲኦም ወገናት ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ።
ብጀራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ከም ዝብሎ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቶም ዓረባዊ መበቈል ዘይብሎም ዓሌት ማሳሊት ከም ማሕበረሰብ ንምጽናት ብፍላጥ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ኣለዉ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቶም ዕጡቓት ንጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ፡ እቲ ናብቲ ቤትፍርዲ ዝቐረበ ክሲ መንግስቲ ሱዳን ይጠቅስ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣመሪካ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብምጽናት ዓሌት ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ መራሒኦም ጀነራል ዳጋሎ እገዳ ከም ዘንበረት ይዝከር።
ዕጡቓቱ ብፍላጥ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያን ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ከም ዘይነበረ ግን ጀነራል ሕመድቲ ቅድሚ ሕጂ ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ምስሕሓብ ንምድናይ ዝቘመ ብምዃኑ፡ ሱዳን ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብቲ ቤትፍርዲ ክትከሶም ኣይትኽእልን'ያ።
ኣብ ክንድኦም ግን ኣብ ልዕሊ'ታ ደገፍ ትግብረሎም'ያ ተባሂላ ትኽሰስ ኢማራት ዓረብ ክሲ መስሪቱ'ሎ።
መንግስቲ ሱዳን ከም ዝብሎ፡ ኢማራት ዓረብ ነቶም ዕጡቓት ፋይናንሳዊ፡ ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ደገፍ ትህቦም'ያ። ቀረብ ዕጥቂን ስልጠና ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ብምሃብ፡ ከምኡ'ውን ዕሱባት ኣብ ምርካብን'ውን ከም እትተሓባበር እቲ ሰራዊት ይምጕት።
ሱዳን፡ ተወሳኺ ናይ ዓሌት ምጽናት ተግባራት ንምክልኻል ካሕሳን ህጹጽ ስጕምትታት ክውሰድን ትሓትት ኣላ።
ጕጅለ ጠበቓታት ሱዳን ብሓሙስ ነቲ ቤትፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ምጕት፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ማሳሊት ክበጽሕ ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ተግባራት ምጽናት ዓሌት ከይፍጸመሎም እቲ ቤትፍርዲ ውሳነ ክህብ ሓቲቱ'ሎ።
ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ቀረብ ካብ ምሃብ ደው ከብሉ ንደያኑ ሓቲታ። ኢማራት ዓረብ እውን ነዞም ሕግታት ብኸመይ ትኽተሎም ከም ዘላ ንቤትፍርዲ ሓድሽ ሓበሬታ ክትህብ ይግባእ።
ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ኣብ ሆላንድ ኣመይራ ኣልሄፋይቲ ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ዓመጽ "ልቢ ዝሰብር" ብምባል እያ ዘረባኣ ጀሚራ።
ቀጺላ፡ ሱዳን ነቲ ጉዳይ ናብ ሄግ ዘምጽኣቶ ስቓይ ንምቅላል ዘይኰነስ ንናይ ገዛእ-ርእሳ ተግባራት ንምጥምዛዝ ከም ዝዀነትን ነቲ ቤትፍርዲ ከም መድረኽ ተጠቒማ ንኢማራት ዓረብ ንምጥቃዕ ትጥቀመሉ ምህላዋን ገሊጻ።
ቅድሚ ሕጂ ካብ መንግስቲ ኢማራት ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ንፍትሒ፡ "ፖለቲካዊ ድራማ ዝካየደሉ ትያትር ኣይኰነን፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ክውዕል የብሉን፡" ኢሉ።
እታ ኣምባሳደር፡ ሃገራ ኣብቲ ግጭት ንኽልቲኡ ወገን ኣጽዋር ከም ዘይሃበት ገሊጻ። እኳ ደኣ ኢማራት ዓረብ ንዝተጸገሙ ሰባት ንምሕጋዝ ከም ሆስፒታላት ዝኣመሰሉ ብምህናጽ ከይተሓለለት ከም ዝሰርሐት ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢራማራት ዓረብ፡ እቲ ክሲ በቲ ፍርዲ ክንጸግ ኣለዎ ዝብል ምጕት ከተቕርብ ትጽቢት ይግበር።
ዝበዝሑ ክኢላታት ምስ ኢማራት ብምስምማዕ፡ እቲ ጉዳይ ኣብቲ ቤትፍርዲ ካብዚ ንላዕሊ ክከይድ'ዩ ዝብል እምነት የብሎምን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዛዕባ ውዕል ምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይ ኮንቨንሽን) ዕቃበታት ከም ዘለዋን በቲ ውዕል ክትቅየድ ዘይገብር ናይ ምውጻእ ኣማራጺ ስለ ዘለዋን ኣብ ልዕሊኣ ሕጋዊ ተፈጻምነት ከይህሉዎ ይኽእል'ዩ።
እንተዀነ፡ ሱዳን ነቲ ጉዳይ ናብቲ ዝለዓለ ቤትፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ብምውሳድ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ገይራቶ ኣላ።
ደያኑ እንታይ ፍርዲ ክህቡ'ዮም ግን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንቲ ዝፍለጥ ክኸውን'ዩ።
ውሳነታት ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ብሕጊ ቀያዲ እኳ እንተዀነ፡ ንውሳነታቱ ንምትግባር ዘኽእል ስልጣንን ትካላዊ ቅርጽን ግን የብሉን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







