ሱዳን፡ ሓይልታት ኣልቡርሃን ንካርቱም ከም ዝተቘጻጸርዋ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, SUNA
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት በጺሑ።
ኣልቡርሃን ተድላኦም ብዝገልጹ ወተሃደራት ተኸቢቡ፡ እታ ምልክት ስልጣንን ልዑላውነትን ዝዀነ ርእሰ-ከተማ ካብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ "ሓራ" ከም ዝወጽአት ኣበሲሩ፣ "ካርቱም ናጻ እያ፣ ተፈጸመ፡" ኢሉ።
ኵናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣብ ቤተመንግስቲ እግሩ ከንብር ድሕሪ ክልተ ዓመት ፈለማዩ ምዃኑ ይግመት።
ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ርእሰ-ከተማ ምስ ተቘጻጸራ፡ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ናብታ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ፖርትሱዳን ክግዕዝ እዩ ተገዲዱ።
ኣቐዲሙ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊቱ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቈጻጸሮን ኣብ መወዳእታ ናይታ መዓልቲ ድማ ንዅሎም ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ ክጸራርጎም ምዃኑ ፈኪሩ ነይሩ።
እቲ ሰራዊት ብዓርቢ ንቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ካብ ዝሕዝን ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝነበረ ትካላት ሃገር ካብ ዝቋጻጸርን ንደሓር፡ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ የካይድ ኣሎ።
እቲ ኲናት ኣብ ሚያዝያ 2023 ካብ ዝጅምር፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱም ተቘጻጺሩዎ እዩ ጸኒሑ። ኣብ መላእ ሃገር ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ ሚልዮናት ድማ ካብ ቤቶም ክሃድሙ ተገዲዶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ሰራዊት ንሰለስቲአን ከተማታት ዓባይ ካርቱም ዘራኽብ ኣብ ልዕሊ ሩባ ኒል ዝተሃንጹ ኵሎም ድልድላት ከም ዝመለሱ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ደቡባዊ ካርቱም ዕርዲ ናይቲ ጕጅለ ዝነበረ ኣብ ጀበል ኣውልያ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዳግማይ ተቘጻጺሩዎ።
ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ደቡብ ገጾም ይምለሱ ከም ዘለዉ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክሕብሩ ቀንዮም እዮም። እዚ ድማ ናብቲ እንኮ ዝተረፎም መወጽኢ - ናብ መንገዲ ጀበል ኣውልያ ገጾም - ምቕንዖም የመልክት።
ሰራዊት ሱዳን ብድሮን ዘልዓሎ ኣሳእል፡ ሰባት ብልዕሊ እቲ ድልድል እናሰገሩ የርኢ። ቢቢሲ እቶም ሰባት መን ምዃኖም ከረጋግጽ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ካብ ካርቱም ዝሃድሙ ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ኣብ ማእከላይ ካርቱም ገለ ሰባት እቲ መብዛሕትኦም "ኣረመን" ኢሎም ዝጽውዕዎም ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ምውጻኦም ሓጐሶም እናገለጹ የርኢ።

እቶም ካብ ካርቱም ክወጽኡ ዘይደለዩ ወይ ዘይከኣሉ ሰባት፡ እቶም ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ኣባይቶም ብምእታው ከቢድ ራስያ ከም ዘካየዱ ይሕብሩ።
ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገልጾ፡ ብሰንኪ ራስያ መደበር ዕዳጋታትን ረድኢት ክኣቱ ብዘይምኽኣሉን፡ ካርቱም ካብተን ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝወደቓ ከተማ ከም ዝዀነት ይሕብሩ።
ጕጅለ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግህሰትን ሰኒዶም ኣለዉ።
ክልተኦም ወገናት፡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝርከቡዎ ከባቢታት ደብዳብ ብምክያዶም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሓይሊ ኣየር ኣብ ሓደ ዕዳጋ ቦምባታት ከም ዘዕለበን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ዳግም ምሓዝ ካርቱም ንሰራዊት ሱዳን ዓቢይ ዓወት ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ስትራተጅያዊ ጸብለልታ ክህቦ ይኽእል እዩ።
እቲ ኲናት ግን ካብ ምዝዛም ኣዝዩ ርሑቕ እዩ ዘሎ።
ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዛጊት ዳርጋ ንመላእ ዞባ ዳርፉር ሒዙ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት ብሓይልታት ግዳም ዝድገፉ ኰይኖም፡ ክፍተኑ ዝጸንሑ ኣህጉራውን ዓለማውን ጻዕርታት ሰላም ኵላቶም ፈሺሎም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







