ሰራዊት ሱዳን ንቤተመንግስቲ ዳግማይ ምቍጽጻሮም፡ እንታይ ፖለቲካዊ ትርጕም ኣለዎ?

ወተሃደራት ዳዕመ ሰሪዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ

ሰራዊት ሱዳን፡ ዕጡቓቱ ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ከም ዝኣተዉ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሰራዊት ሱዳን ኣንጻር ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ (RSF) ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ኣሐይሉዎ። ገለ ኣገደስቲ ሓቅታት ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ክንነግረኩም።

ሱዳን ኣበይ'ያ እትርከብ?

ካርታ ካርቱምን ከባቢኣን

ሱዳን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኰይና፡ ዳርጋ 1.9 ሚልዮን ትርብዒት ኪ.ሜ ብምሽፋን ካብተን ዝዓበያ ሃገራት እታ ኣህጉር እያ።

ሱዳን ምስ 7 ሃገራት ትዳወብ - ምስ ደቡብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን።

እታ ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩላ ሃገር፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ። ቅድሚ ኲናት እውን እንተዀነ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም እያ ነይራ።

ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ኣብ ኲናት ተሸሚማ ዝጸንሐት እታ ሃገር፡ ሎሚ ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን ነዳድን ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ፡ ከቢድ ዋሕዲ ውሕስነት መግቢ የጋጥሞ ከም ዘሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ UNHCR ኣመልኪቱ። እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ 12.5 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ሱዳናውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለምንታይ ኣብ ሱዳን ኲናት ይካየድ'ሎ?

ድሕሪ ናይ 2021 ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ባይቶ ጀነራላት፡ በቶም ኣብ ማእከል ናይዚ ዕልዋ ዝነበሩ ክልተ ወተሃደራት ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ኣቝሙ።

• ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይልታትን ብግብሪ ፕረዚደንት እታ ሃገርን እዩ።

• ምክትሉን መራሒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን (RSF) ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ወይ ድማ ብሳጓኡ ሕመቲ ዝፍለጥ እዩ ዝፍለጥ።

እዞም ክልተ ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ እታ ሃገር ትጓዓዘሉ ኣብ ዝነበረ ኣንፈትን ናብ ስቪላዊ ምሕደራ ገጹ ክኸይድ ኣብ ዝቐረበ ኣማራጺ ሓሳብን ኣይተሰማምዑን።

ካብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ሓደ፡ ነቲ 100,000 ዝሓቘፈ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ናብ ሰራዊት ንምእታው ዝተገብረ መደባትን፡ ድሕሪኡ መን ነቲ ሓድሽ ሓይሊ ክመርሖን እዩ ነይሩ።

ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ ስልጣኖም ከቐጽሉ ምድላይ ዝብል'ውን ካልእ ዝጥርጠር ጉዳይ'ዩ።

ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ሱዳን ተቘጻጺሩዎ ኣሎ?

ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተቘጻጸርሉ

ቅድሚ እቲ ኲናት ክልቲኦም ወገናት ናይቲ ውግእ መሓዙት ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሰራዊት ሱዳን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንገለ ወሰንቲ ትካላት ካርቱም ክሕሉ ሓላፍነት ሂብዎ።

እዚ ድማ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን፡ ቀንዲ ህንጻታት መደበር ተለቪዥንን ራድዮን ከምኡ'ውን ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዘጠቓለለ እዩ።

ኲናት ምስ ተላዕለ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሮ ነቲ ቤተመንግስቲ ተቘጻጺሩዎ ነበረ። እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ቤተመንግስቲ ከም ዝተቘጻጸሮ ክሳዕ ዝገልጽ፡ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ'ዩ ጸኒሑ።

እቲ ቤተመንግስቲ ከም "ምልክት ልዑላውነት ሱዳን" ይቝጸር።

ሰራዊት ሱዳን ነቲ ሕጂ ብኸፊል ዝዓነወ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ምምንዛዕ፡ ምሳልያዊ ዓወት ሰራዊት ናይታ ሃገር'ዩ።

ምትሓዝ እቲ ቤተመንግስቲ ንርእሰ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ንምቍጽጻር ዝወስድ ተወሳኺ ስጕምቲ ዘመልክት ክኸውን'ውን ይኽእል።

ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ (RSF) መን እዮም?

ወተሃደር ዳዕመ ሰሪዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ 2013 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ መበገሲኡ ካብቲ ኣብ ዳርፉር ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዝተዋግአ ሓይሊ ሚልሻ ጃንጃዊድ'ዩ።

ጃንጃዊድ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኰኑ ህዝቢ እቲ ዞባ፡ ሕብረተሰባዊ ጽንተት ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ጀነራል ዳጋሎ ኣብ የመንን ሊብያን ይካየድ ኣብ ዝነበረ ግጭታት ኢዱ ዘእተወ ሓያል ሓይሊ ሃኒጹ። ንገለ ካብ ዕደና ወርቂ ሱዳን ካብ ምቍጽጻር ብተወሳኺ፡ ቍጠባዊ ረብሓታት እውን ኣማዕቢሉ እዩ።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ነይሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ሰነ 2019 ንልዕሊ 120 ሰልፈኛታት ምቕታል ዝሓወሰ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ንሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።

ካብ ሰራዊት ወጻኢ ኣብታ ሃገር ከምዚ ዝበለ ሓያል ሓይሊ ምፍጣሩ ከም ምንጪ ዘይምርግጋእ ኰይኑ ተራእዩ።

መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም

ዛጊት ዳዕመ-ሰሪዕ እንታይ ክገብር ትጽቢት ይግበር?

ሰራዊት ንቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ዳግማይ ከም ዝሓዘ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተመንግስቲ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሰለስተ ጋዜጠኛታት መንግስታዊ ተለቪዥን ሱዳን ዝርከቡዎም ሓያሎ ሰባት ከም ዝቐተለ ይግለጽ።

ወሃቢ ቃል ዳዕመ-ሰሪዕ ድሒሩ ኣብ ተሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቤተመንግስቲ ንምቍጽጻር ዝግበር ዘሎ ውግእ ገና ከም ዘይተወድአን ሓይልታቱ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተመንግስቲ ከም ዘለዉን ገሊጹ።

እቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተመንግስቲ "በርቃዊ" ኢሉ ዝጸውዖ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዘካየደን ብውሕዱ 89 "ኣባላት ጸላኢ" ከም ዝቐተለን ገሊጹ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብተወሳኺ ዝተፈላለያ ወተሃደራዊ መካይን ከም ዘዕነወ ብምግላጽ፡ "ቃልሱ ኣሐይሉ ክቕጽል፡" ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሱዳናዊት ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሱዳናዊት ስደተኛ

ዳዕመ-ሰሪዕ ክሳዕ ሕጂ ኣየናይ ስትራተጅያዊ ቦታታት ተቘጻጺሩ ኣሎ?

ስሉሳዊ ርእሰ ከተማ ሱዳን ብሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት ማለት'ውን ካርቱም፡ ባሕሪ (ካብ ካርቱም ብሰሜን) ከምኡ'ውን ኦምዱርማን ዝቘመት እያ።

እተን ናይ መወዳእታ ክልተ መብዛሕትአን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ክዀና እንከለዋ፡ ኣብ ካርቱም ውግእ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ገለ ስትራተጅያዊ መዳያት ግን ክሳዕ ሕጂ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ስልጣን ይርከብ።

ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተረፈ ኣገዳሲ ትካል ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ስራሕ ዘየሎ እንተ ዘይዀነ፡ ምሳልያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተትሓዘ ዓብዪ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ግድብ ጀበል ኣውልያ እዩ።

ዳርፉር ሓዊሱ ምዕራባዊ ክፋል ሱዳን ምስ ማእከላይ ክፋል እታ ሃገር ዘራኽብ ኣቀማምጣኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ግድብ ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣገዳሲ ናይ ቀረብ መስመር እዩ።

ብተወሳኺ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ኣብ ማእከል ካርቱም ዝርከብ ሩባ ሰማያዊ ናይል ምስ ጻዕዳ ናይል ዝወሃሃደሉ ስትራተጅያዊ ከባቢ ኣል-ሞግራን ገና ይቈጻጸሮ ኣሎ።

ህሉው ኵነታት ሱዳን ከመይ ኣሎ?

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Sudan tv

መግለጺ ስእሊ, ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን

ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ሚዛን ሓይሊ ናብ ሰራዊት ሱዳን ዛዝዩ ኣሎ።

ካብ መስከረም 2024 ጀሚሩ፡ ሰራዊት ሱዳን ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ወሰንቲ ከባቢታት ኣልቂቑዎ። ብቐንዱ እተን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ከተማ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት፡ ማለት ባሕርን መብዛሕትኡ ክፋል ኦምዱርማንን፡ ከምኡ'ውን ግዝኣት ኣልጀዚራን እየን።

ሰራዊት ሱዳን ናይ ሓይሊ ኣየርን መካናይዝድን ብልጫ ዘለዎ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንሓይልታት ዳዕ-ሰሪዕ ዝጐድሎም እዩ።

ኣብዚ ኲናት ግዳማውያን ሓይልታት እውን ተራ ኣለዎም። ኣዛዚ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዞባ ኣልጀዚራ ጀነራል ኣቡ ኣቅላ ካይካል ናብ ሰራዊት ኢዱ ስለ ዝሃበ፡ ሰራዊት ሱዳን ነታ ግዝኣት ብቐሊሉ ክቈጻጸር ኣኽኢሉዋ'ሎ።

ይዅን እምበር፡ ዳዕመ ሰሪዕ ገና ኣጽዋርን ርኡይ ናይ ውግእ ሓይሊን ኣለዎ።

ዳዕመ ሰሪዕ ክሳዕ ሕጂ ሰፊሕ ክፋላት እታ ሃገር ዝቈጻጸር ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር'ውን ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ካልኦት ሃገራት ኣብቲ ኲናት ይሳተፋ ድየን?

ተቓወምቲ መንእሰያት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰልፊ ተቓውሞ መንእሰያት ሱዳን

ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ብጫድ፡ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ብጐረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክድገፍ ከም ዝጸንሐ፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተዕጥቖም ከም ዘላ ክትኽሰስ እኳ እንተ ጸንሐት፡ እታ ሃገር ግን ዝዀነ ኢድ ከም ዘይብላ ነጺጋ።

ብተወሳኺ፡ ብኢራን ዝተሰርሓ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነቲ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ካርቱም መሬት ንኽመልስ ከም ዝሓገዛ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣሎ።

ቢቢሲ ኣብ 2024 ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ሰራዊት ካብ ኢራን ቀረብ ኣጽዋር ከም ዝነበሮን መብዛሕትኡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝነበረን ዘርኢ መርትዖታት ረኺቡ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ዩሱፍ ኣል ሸሪፍ፡ "ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሱዳን እገዳ ኣንቢሮም፡" ብምባል፡ ኣጽዋር ንምግዛእ ገጽ ካልኦት ሃገራት ክርእዩ ከም ዝደፍኦም ገሊጹ።

ኣል ሸሪፍ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን ንቐይሕ ባሕሪ ዝጥምት ነጥቢታት ዘልዓለ ኰይኑ፡ ንወተሃደራዊ መራኽብ ሩስያ ንምቛም ዝተኣሳሰሩ ገለ ምድላዋት'ውን ኣልሸሪፍ ተዛሪቡ።

"መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ" ኢልካ ምጽዋዕ ከም ዘይከኣል ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ እቲ ስምምዕ ንሩስያ ንጸጋታት ባሕሪ ሃገሩ ኣሕሊፉ ዝሃበ እዩ ዝብል ነቐፌታ ድማ ነጺጉዎ።

ብሰንኪ ኵናት ዝተመዛበለ ህዝቢ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዳርፉር ምስ ዓሌት ምጽናት ተዛሚዱ ዝለዓሉ ክስታት እንታይ እዮም?

ኣብ 2023፡ ቢቢሲ ኣብ ዳርፉር ሓድሽ መርትዖታት ምጽናት ዓሌታት ዝረኣየ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ድማ ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ዝዛመዱ ምልሻታት ክውቀስ ጸኒሑ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣካላትን ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ዒላማ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጾም።

ዓመጽ ዓሌታዊ ምጽናት ንምፍጻም ይውዕል ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገለጸ ኰይኑ፡ ዕጡቓት ዓረባውያን ንዘይኰና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጾታዊ መጥቃዕቲ "ዕሸላት ዓረብ ክወልዳ ከነገድደን ኢና፡" ብምባል ኣላጊጾሙለን ኢሉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ትንተና ምጽናት ዓሌት ኣሊስ ዋይሪሙ ንደሪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣቓልቦ ዓለም ኣብ ዩክረይንን ቓዛን ዘተኰረ ብምዃኑ፡ ዳርፉር እናዓበየ ዝኸይድ ሓደጋ ምጽናት ዓሌት ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ሓቢራ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዳርፉር ንዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌታት ሓላፍነት ከም ዘይወሰደ ብምኽሓድ፡ ኣብቲ "ግጭት ቀቢላታት" ኢሉ ዝገልጾ ነገር ከም ዘይሳተፍ ገሊጹ።