ካርቱም፡ ሰራዊት ሱዳን ንቤተመንግስቲ ይቆጻጸር፡ ኣብታ ከተማ ውግእ ይቕጽል

ንቤተመንግስቲ ዝተቖጻጸሩ ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ሱዳን፡ ንቤተመንግስቲ ፕረዚደንት ካብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ንምምንዛዕ ድሕሪ ከካይድዎ ዝቐነዩ ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተውዎ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ገሊጾም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተለጠፈን ብብቢቢሲ ዝተረጋገጸን ቪድዮታትን ኣሳእልን፡ ሓጐሶም ዝገልጹ ወተሃደራት ጠበንጃኦም እና`ወዛወዙን ተንበርኪኾም እናጸለዩን ዘርኢ ተዘርጊሑ'ሎ።

ሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ምያዝያ 2023 ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ነቲ ቤተመንግስትን መብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዉ፡ ዝበዝሕ ክፋሉ ኣብ ኢዶም እዩ ጸኒሑ።

እቲ ከቢድ ብረት ዝዓጠቐ ሰራዊት ሱዳን ካብ 16 መጋቢት ኣትሒዙ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ምስቲ ኣብ ምብራቓዊ ካርቱም ዝነበረ ማእከላይ እዚ ንምትእስሳር ናብ ሰሜንን ምብራቕን ገስጊሱ። በዚ ስጕምቲ`ዚ ድማ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከበባ እናኣተዉ ክመጽኡ ቀንዮም።

ሰራዊት ሱዳን ነቲ ስትራተጅያዊ ቦታ ክቈጻጸር ኣብ ዝደልየሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኸባቢ ቤተመንግስቲ ፕረዚደንትን ዋና ኣብያተ ጽሕፈት ፈደራላዊ መንግስት ብጽኑዕ ኣብ ከበባ ኣእተዎ።

ክልተኦም ወገናት፡ መዳፍዕ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ድሩዓት መካይንን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕሙ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንሱዳን ትሪቡን ሓቢሮም።

እቲ ብኢንተርነት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ኣብ ጥቓ ቤተመንግስቲ ብርቱዕ ተዅሲ ከም ዝነበረ የርኢ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ትማሊ ሓሙስ ኣጋ ምሸት ካብ ደቡባዊ ካርቱም ድጋፍ ንምምጻእ እኳ እንተ ፈተነ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ነቲ ናይ ቀረብ መስመር ብደብዳብ ኣየርን መዳፍዕን ኣሲሩ ምንቅስቓስ ከም ዝኸልኦም እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ከበባ ፈንጢሱ ንምውጻእ ዳርጋ ነብሰ-ቅትለታዊ ፈተነ ከም ዘካየደ እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናቢል ዓብደላ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣብ ማእከል ካርቱም ዝርከብ ቤተመንግስትን ህንጻታት ምኒስትሪን፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ዘእተዎ ሓቢሩ።

"ሓይልታትና ንወተሃደራትን ኣጽዋራቶም ብምድምሳስ፡ ሓያሎ መሳርሒታትን ኣጽዋርን መንዚዑ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"ምሉእ ዓወት ክሳዕ ዝረጋገጽ ቃልስና ክንቅጽል ምዃንና ድማ ነረጋግጽ፡" ኢሉ።

ካርቱም እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዝተጀመረላን ዓበይቲ ውግኣት ዝተኻየደላን ከተማ እያ።

ምትሓዝ ካርቱም ንሰራዊት ሱዳን ወሳኒ ዓወት ክኸውን እዩ። እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት`ውን ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይ ሱዳን ዓወታት ከም ዘመዝገበ ይፍለጥ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ክሳዕ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ ኰነ መግለጺ የሎን።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ናቢል ዓብደላ፡ ቃልስና ክንቅጽል ኢና ይብል

ምንጪ ስእሊ, Sudan TV

መግለጺ ስእሊ, ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ናቢል ዓብደላ፡ ቃልስና ክንቅጽል ኢና ይብል

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ምሉእ ምቍጽጻር ካርቱም ከመይ ክመስል እዩ?

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ውግእ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ሰባት ወሲዱ፡ ምልዮናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ፡ ሕሱም ጥምየት ኣውሪዱ፡ ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ብዘካየዶ ጸረ-መጥቃዕቲ ንቕድሚት ክምርሽ ጸኒሑ እዩ። ንርእሰ ከተማ ካርቱም ድማ ዳግማይ ኣብ ኢዱ ከም ዘእተዋ ይገልጽ ኣሎ። ዳዕመ-ሰሪዕ ነቲ ዝወርዶ ዘሎ ክሳራ ክሳዕ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃቦን።

እቲ ኵነታት ኣብ ቀረባ እዋን ከብቅዕ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ እኳ እንተዀነ፡ ምትሓዝ ካርቱም እንታይ ኣመታት ክህብ ይኽእል ምርኣይ ግን ይከኣል እዩ።

ሰራዊት ሱዳን ዳግም ንቤተመንግስቲ ኣብ ዝተቘጻጸረሉ

ምንጪ ስእሊ, Sudan Tribune

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሱዳን ዳግም ንቤተመንግስቲ ኣብ ዝተቘጻጸረሉ

ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት

እቲ ኲናት፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝእዘዝ ዳዕመ-ሰሪዕን እዩ ኣብ ምያዝያ 2023 ተወሊዑ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ 2019 ድሕሪ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ንስርዓት ዑመር ኣል በሽር ዓልዮም ደሞክራስያዊ ስግግር ሱዳን ክተኽሉ እኳ እንተ ሓበሩ፡ ገደብ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ ከኣ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንዘይምርካብ`ውን ብሓባር ሰርሑ።

ብድሕሪኡ ድማ "ክሰርቁ ይፋቐሩ፣ ክማቐሉ ይበኣሱ፡" ከም ዝበሃል፡ ብቍርቍስ ስልጣን ናብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ኣትዮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 28 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፣ እዚ ቍጽሪ ግን ካብዚ ኣሃዝ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እታ ንስደተኛታት ኤርትራ ኰነ ካልኦት ሃገራት ኣእዳዋ ዘርጊሓ ብምቕባል እትፍለጥ ሱዳን፡ ልዕሊ 14 ምልዮን ህዝባ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ፡ ንዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገር ድማ ናብ ጥምየት ተቓሊዑ።

ካርታ ሱዳን

እዚ ሓድሽ ምዕባለ፡ ነቲ ኲናት ከኽትም ይገብሮዶ?

እቲ ኣብ ካርቱም ዝተረኽበ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ነቲ ኲናት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግሮ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ምግምማዕ ሱዳን ወሊዱ፡ ብሰራዊት ሱዳን ከምኡ`ውን ዳዕመ-ሰሪዕ ዝመሓደራ ክልተ ሱዳን (ዲ ፋክቶ ስቴት) ክፈጥር ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዘተ ሰላም ክጽመድ ዕቱብ ተገዳስነት ኣየርኣየን። እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕመ-ሰሪዕ`ውን ቃልሱ ንምቕጻል ዝሓረነ ይመስል።

ዳዕመ-ሰሪዕ ክሳዕ ሕጂ ንመብዛሕትኡ ምዕራባዊ ክፋል ሱዳን ብፍላይ ድማ ንመብዛሕትኡ ዞባ ዳርፉር ሒዙ ኣሎ።

ኣብ ካርቱም ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ኣብቶም ሓቢሮም ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ዝዋግኡ ዘለዉ ልፍንታውያን ሓይልታት ምግምማዕ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ሰራዊት ሱዳን ብብዙሓት ዕጡቓት ውድባት ክድገፍ ጸኒሑ ኣሎ።

እዞም ከም ዕጡቓት ዳርፉርን እስላማዊ ግንባርን ዝኣመሰሉ ታሪኻውያን ተነሓናሕቲ፡ ኣንጻር`ቲ ናይ ሓባር `ጸላኢኦም` ዳዕመ-ሰሪዑ ንምቅላስ`ዮም ሰሚሮም ዘለዉ።

እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ዝቘመ `ጐድናዊ መንግስቲ፡ ፋይዳኡ እንታይ እዩ?

ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ኣብ ለካቲት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ቻርተር ብምፍራም ጐድናዊ መንግስቲ ኣቝሞም ኣለዉ።

ኣል ቡርሃን`ውን ብወገኑ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ምንቅስቓሳት ይገብር ኣሎ። እዚ ድማ ንምምቕቓል ሱዳን መሰረት ዘንብር ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ 16 ገጻት ዝሓዘ ቻርተር ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ዓለማዊ (ሰክዩላር)፡ ደሞክራስያውን ዘይተማእከለን መንግስቲ" ክህሉ ይጽውዕ። ነቲ ሱዳን ኣብ መሰረት "ብፍቓዶም ኣብ ሓድነትን ግዝኣትን ዝተሓቝፉ ህዝብታት" ክትቀውም ኣለዋ ዝብል መሪሕ ብምዕቃብ፡ ነቶም ካርቱም ማእከሎም ገይሮም ኣብ `ኣሃዳውነት` ዝኣምኑ ዝጻረር እዩ።

እቶም ኣብ ግዜ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ኣንጻር እቶም ኣብ ዳርፉር ዝነበሩ ተወለድቲ ማእከላይ ወይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዃኖም ዝገልጹ ሕብረተሰባት ዝግበር ዝነበረ ስርሒታት ዝዓዀኹ ዳዕመ-ሰሪዕ (ጃንጃዊድ)፡ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትን ብገናኡ ይኽሰስ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት`ውን፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ብሓያሎ ግፍዕታት ተኸሲሱ እዩ። እቲ ሓይሊ ምልሻ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ወትሩ እዩ ዝኽሕዶ።