ሰራዊት ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ከበባ ብምእታው፡ ናብ ምሉእ ምቍጽጻር ካርቱም ከም ዝተቓረበ ገሊጹ

ኣልቡርሃን ምስ ሰራዊቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሰንበት ኣብ ማእከላይ ካርቱም ንቕድሚት ብምስጓም፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን ካልኦት ህንጻታት መንግስትን ንዝርከቡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝኸበበ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺባ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ናስር ኣልዲን ዓብደል ፋታሕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ንዝተረፈ ክፋል ካርቱም ዳግማይ ንምምንዛዕ ዘካይዶ ዘሎ ሳልሳይ ምዕራፍ ስርሒታት፡ ናብ ምዝዛም ገጹ ከም ዝተቓረበ ገሊጹ።

ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ወተሃደራት ካብቲ ዝነበሩዎ ንደቡባዊ ካርቱም ምስ ማእከል ከተማ ዘራኽብ ድንድል ኣል-ሑርያ ብምምራሽ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዳዕመ-ሰሪዕ ተታሒዙ ዝነበረ ኣገደስቲ ከባቢታት ከም ዝተቘጻጸሩ፡ ነቲ ሰራዊት ዝድግፉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኣልባራ ቢን ማሊክ ኣል-ሚስባሕ ኣቡዛይድ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ወተሃደራት ሱዳን ፋሚሊ ክለብ፡ ካርቱም 3 ከምኡ'ውን ካርቱም 2 ንዝበሃሉ ቦታታት ብምቍጽጻር፡ ናብ ቤተ-መንግስቲ ፕረዚደንት ንምብጻሕ ቈሪጾም ተላዒሎም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ ኣብኡ "ተሓቢኦም ንዘለዉ" ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ "ክጸራርጉዎም" ምዃኖም ተሓንዩ።

ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ሓይልታቱ ካብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንትን ከባቢ ኣልሞግራንን ከም ዘይወጽእ ገሊጹ።

ኣብ ሓያሎ ሰሜናዊ ከተማታት ከኣ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸም ኣጠንቂቑ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታቱ ንመደበር ኣውቶቡስ ሳሮኒ፡ ግምብታት ኤል ናይላይን፡ ከምኡ'ውን ድንድል ኣል-ሙሳላሚያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቘጻጸሮም፣ እዞም ቦታታት ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ፕረዚደንት ዝቐረቡ ምዃኖም ገሊጹ።

ደገፍቲ ሰራዊት ዝዀና ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝሕብርኦ፡ እቶም ከቢድ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ምስ'ቶም ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ማእከላይ እዚ ብምትእስሳር፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዝተረፈ ዕርዲ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝቘረጹዎ ይሕብራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሱዳን ካብ ኬንያ ንዝኣቱ ንብረት እገዳ ኣንቢራ።

ኣዛዚ ዳዕመ ሰሪዕ ዳጋሎ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Kenya State House

ሱዳን ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰደት፡ ኬንያ ነቲ ምስ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝርከብ ዳዕመ-ሰሪዕ ብምእንጋዳ ምላሽ ንምሃብ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ኣብ ሱዳን ጐድናዊ መንግስቲ ንምፍጣር ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ቻርተር ፈሪሞም።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ እቲ እገዳ ልዑላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ናይ ሃገሮም ንምዕቃብ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ሱዳን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኬንያ፡ ቀጠፍ ሻሂ፡ መግቢን መድሃኒትን ሓዊሱ ብዙሓት ኣቑሑት እያ እተእቱ። ምኒስትሪ ንግዲ ሱዳን፡ ኵሉ ካብ ኬንያ ዝኣቱ ንብረት "ክሳዕ ተወሳኺ ምልክታ" ዝወሃብ ብቕጽበት ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ትእዛዝ'ዚ ኵሎም ሰበስልጣን ነቲ እገዳ ብቕጽበት ከተግብርዎ ይጠልብ።