ኲናት ካርቱም፡ ገና ብዙሕ ስቓይ ዝጽበዮ ህዝቢ

ኣስማ ሙባረክ ዓብደል ካሪም፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክዕምጹ ከምዝሰምዐት ንቢቢሲ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Ken Mungai / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣስማ ሙባረክ ዓብደል ካሪም፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክዕምጹ ከምዝሰምዐት ንቢቢሲ ገሊጻ

ንርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ንምቁጽጻር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዘንሳሕቡ ዕጡቓት ግፍዒ ከምዝፈጸሙ ቢቢሲ ዝረኣዮም መርትዖታት የመልክቱ።

እታ ከተማ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ኣብታ ሱዳን ኣረሜናዊ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተታሒዛ'ያ ጸኒሓ። እንተዀነ ግን ሰራዊት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ክፋል ዳግማይ ተቖጻጺሩ ኣሎ። ነቲ ዝተረፈ ክፋል ንምሓዝ ከምዝቐረበ እውን ይኣምን።

ንካርቱም ዳግማይ ምቁጽጻር ነቲ ግጭት ዘብቅዕ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ዓቢ ዓወትን ነጥበ መቐይሮን ክኸውን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሰራዊት እታ ሃገር ንካርቱም ከቢቡ'ዩ ጸኒሑ፤ ብማእከላይ ሱዳን ኣቢሉ ካብ ደቡብ ብምግስጋስ፡ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ዝርከባ ኣውራጃታት ከተማታት ኣብ ዝቆጻጸረሉ ዝነበረ እዋን ዝተረፉ ንዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ማእከል ገጽ ደፊእዎም።

ሰፊሕ ከባቢታት ናይቲ ዝተቖጻጸሩ መሬት ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ።

ምስ ሰራዊት እናተጓዓዝና ብመኪና ዝዓነዉን ዝተዘምቱን ህንጻታት ሓሊፍና።

እቲ ከባቢ ብዝተበላሸዋ መካይን፡ ዝተደርበዩ ኣቑሑት ገዛ፡ ተረፍ ዝተዘምቱ ኣቑሑትን ካልእ ፍርስራስን ተወሪሩ ነይሩ።

ኣብ ዘይተተንከፉ ዝመስሉ ቦታታት እውን እንተዀነ ግን እቲ ራዕዲ ርኡይ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ካርቱም ከባቢ ሓጅ ዩሱፍ ህንጻታት ዓንዩ

ምንጪ ስእሊ, Ken Mungai / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ካርቱም ከባቢ ሓጅ ዩሱፍ ህንጻታት ዓንዩ

ኣብ ከባቢ ሓጅ ዩሱፍ፡ ዝሃድሙ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ህውከትን ዓመጽን ከምዘብጽሑ ነበርቲ ይገልጹ።

"ዘሰንብድ እዩ ነይሩ፡ ሃንደበት እዮም መጺኦም" ትብል ኢንቲሳር ኣዳም ሱሌማን።

ወዲ 18 ዓመት ሙዛሚልን ወዲ 21 ዓመት ሙዳተርን ዝተበሃሉ ክልተ ደቃ ምስ ሓደ ዓርኮም ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ኮፍ ኢሎም ነይሮም። እቶም ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ኣዚዞሞም፡ ብድሕሪኡ እናኣተዉ ከለዉ ብድሕሪቶም ጥይት ከምዝተኮሱሎም ወ/ሮ ሱሌማን ትዛረብ።

ሙዛሚል ኣብ እግሩ ተሃሪሙ ኣምሊጡ፡ "ዓርክና ግን ብቕጽበት ሞይቱ" ኢሉኒ።

"ናብቲ ገዛ ክኣትዉ ደለዮም፡ ኣደይ ድማ ነቲ ማዕጾ እናደፍአት ክትዓጽዎ ፈቲና። ኣብ መሬት ቴለፎን ርእዮም፡ ኣልዒሎምዎ ከይዶም። ኣነ ከይደ ንኣቦ ዓርከይ መጺኡ ቀዳማይ ረድኤት ንክገብረሉ ደዊለሉ፡ ከነድሕኖ ግን ኣይከኣልናን።"

ወዲ 18 ዓመት ሙዛሚ ምስ ሓዉን ዓርኩን ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ዒላማ ተገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Ken Mungai / BBC

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 18 ዓመት ሙዛሚ ምስ ሓዉን ዓርኩን ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ዒላማ ተገይሮም

ባንኪ ደም ናይቲ ሆስፒታል ብነዊሕ እዋን ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝተሃሰየ፡ ሙዳተር እውን ደም ክወሃቦ ስለዘይከ ንጽባሒቱ ንግሆ ሞይቱ።

ወ/ሮ ሱሌማን፡ ነቶም ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ከም እትፈልጦምን ቅድሚ ዓመጽ ከይፍጽሙ ፈቲና ከምዝነበረትን ትዛረብ።

ሓደ ካብኣቶም "ንሞት ኢና መጺእና፡ ናይ ሞት ሰባት ኢና" ኢሉዋ ነይሩ።

ንሳ፡ "ንሞት እንተመጺእኩም፡ እዚ ቦታ ናይ ሞት ኣይኰነን" ከምዝበለቶም ትዛረብ።

ግን ወ/ሮ ሱሌማን ኣብዚ ኲናት ብዙሕ ሞት'ያ ርእያ።

ብዙሓት ሰባት ሞይቶም፡ "ስንባደታት ለሚደዮ ኣለኹ" ትብል።

ሒደት ብሎኮታት ርሒቓ እትርከብ ኣስማ ሙባረክ ዓብደል ካሪም፡ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን፡ ንሳን ካልኦት ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ውግእ ከምዝተቐርቀራ ነጊራትኒ።

ዘንሳሕቡ ዝነበሩ ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣጋጢሞመን። ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ዝቆጻጸሮ መሬት ናብ ዝርከብ ዕዳጋ ይኸዳ ስለዝነበራ፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ወጊንክን ኢሎም ከምዝኸሰስወን ትዛረብ።

"ኣብ ከባቢና፡ ኣብ ዙርያ እግርና ናብ መሬት ተኲሶም፡ ኣፈራሪሖምና" ትብል፡ ድሕሪኡ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከመይ ጌሮም ናብ ባዶ ገዛ ጎቲቶም ከምዝዓመጽዋ ትገልጽ።

እቲ ዕጡቕ ነታ ሰበይቲ ብጠበንጃ እናፈራረሐ "ንዒ ምሳና" ከምዝበላ ትዛረብ።

ብቲ ጠበንጃ ይሃርማ ከምዝነበረ ወ/ሮ ካሪም ትዛረብ።

"ድሕሪኡ ድማ ተኹሲን ከምኡ'ውን እቲ ሰብኣይ ድማ 'ኣውጽእዮ! ከምዚ ግበሪ! እዚ ግበሪ!' ኢሉ ክጭድርን ሰሚዕና። ሽዑ እቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ግጭት እናሓየለ ስለ ዝኸደ ብድሕሪኡ ክንሰምዕ ኣይከኣልናን - ኣብቲ ከባቢ ጥይት ይወድቕ ስለ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተሓቢእና።"

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱም ርኡይ ዓወታት ምምዝጋብ ይቕጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Ken Mungai / BBC

መግለጺ ስእሊ, እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ሰራዊት ሱዳን ኣብ ካርቱም ርኡይ ዓወታት ምምዝጋብ ይቕጽል ኣሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሕጂ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት እቲ ዝበለጸ ነገር እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተት ንብዓታ ትጸርግ።

"ጸጥታ" ክትብል ብትሑት ድምጺ መሊሳ፡ "እቲ ዝበለጸ ነገር ድሕነት'ዩ። ኣዝዮም ኣሳቒዮምና"።

ወሃቢ ቃል ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ነዞም ጸብጻባት ይነጽግ፤ እቲ ጉጅለ ነዚ ከባቢ ንኽልተ ዓመት "ብዘይ ዝዀነ ዓቢ ገበን" ከምዝተቖጻጸሮን፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተቖጻጸሮም ከባቢታት "ብዙሕ ቅትለት" ከምዝተፈጸመን ይገልጽ።

ሰራዊትን መሻርኽቲ ሚሊሻታትን ኣብ ዳግማይ ዝተቖጻጸርዎ መሬት ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ገዚራ ሰፊሕ ግፍዒ ከምዝፈጸሙ ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።

ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ እኳ እንተገለጹ፡ ብፍላይ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ግን ምጽናት ዓሌት ከምዝፈጸሙ ይነቕፉ።

ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ እግረኛታት ወተሃደራት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ጥራይ ኣይኰኑን።

ላዕለዎት ሰበስልጣን እውን ኣብቲ ኣብ ሃብታም ከባቢ ካርፉሪ ዝነበሩ ኣባይቶም ገዲፎም ወጺኦም ኣለዉ።

ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ሰራዊት ሱዳንን ኣብ ሚያዝያ 2023 ነንሕድሕዶም ክግልብጡ ግጭት ቅድሚ ምጅማሮም ፍሉይ መራሕቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ካርቱም ንነብሶም ኣስሪጾም ነይሮም።

ካርፉሪ ሕጂ ብዕምቆት ተዘሚታ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ባዶ ኰይኑ ኣላ።

ገዛ ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዓብደል ራሂም ሓምዳን ዳጋሎን ሓው መራሒ እቲ ጉጅለን እውን ኣይተረፈን።

እቲ ኣብ መረባ ዝርከብ ዓቢ ማይ ዘይብሉ መሐንበሲ ብጎሓፍ ተመሊኡ ይርከብ።

ኣብቲ ገፊሕ ክፍልታት ዝነበረ ሶፋታት ተገልባቢጡ፡ መስኮት ተሰቢሩ፡ ሳንዱቕ ስልማት ጥርሑ ኰይኑ፡ ማዕጾ ናይቲ መቐመጢ ክባር ናውቲ ተገንጺሉ ይርአ።

እቲ ሰራዊት፡ መብዛሕትኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ሕጂ ካብታ ከተማ ወጻኢ ከምዘሎን፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ንካርቱም ዝቃለሱ ዘለዉ ድማ እቶም ንኡሳን ኣዘዝትን ታሕተዎት ወተሃደራትን ምዃኖም ከምዝኣምን ይገልጽ።

ካልኣይ ኣዛዚ ናይቲ ጉጅለ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መራሕቲ ካብ ከባቢ ካርፉሪ ወጺኦም፡ ኣባይቶም ተዘሚቶም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Ken Mungai / BBC

መግለጺ ስእሊ, ካልኣይ ኣዛዚ ናይቲ ጉጅለ ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ መራሕቲ ካብ ከባቢ ካርፉሪ ወጺኦም፡ ኣባይቶም ተዘሚቶም'ዮም

ሰራዊት ሱዳን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ጎደና ብጎደና ካብ ምቅላስ ዝተረፉ ዕጡቓት ክወጹ ዝጽውዕ ወረቓቕቲ ይብትን ከምዘሎ ተነጊሩና።

እቶም ዝረኣናዮም ወረቓቕቲ ብዓረብኛ ዝተጻሕፉ እዮም፤ ግን ናብቶም ካብ ጎረቤት ሃገር ቻድ ዝመጹ ወጻእተኛታት ዕጡቓት ዒላማ ዝገበሩ ብፈረንሳ ዝተጻሕፉ እውን ነይሮም።

"ብረትኩም ኣንብሩ፡ ሲቪላዊ ክዳን ተኸደኑ፡ ህይወትኩም ንምድሓን ድማ ካብቲ ከባቢ ውጹ" ይብል ሓደ ወረቐት።

ኣብታ ናብ ሩባ ኣባይ ዝቐረበት ሰሜን ካርቱም፡ ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ተደፊኡ ወጺኡ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ሰራዊት ናብቲ ኣብ ስግር እቲ ሩባ ዝርከብ ቦታታት ናይቲ ጉጅለ ይትኩስ ስለዝነበረ ተኹሲ፡ እቲ ህድኣት ብቐጻሊ ብድምጺ ቶኽሲ ይርበሽ ነይሩ።

ብዙሓት ኣብዚ ከባቢ ሰባት ኣብ መወዳእታ ብለይቲ ንክድቅሱ ውሕስነት ከምዝስምዖም ይዛረቡ፡ እንተዀነ ግን ሕጂ'ውን ሰፊሕ ዕንወት ኣብ ግምት የእትዉ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ዘይነብ ዑስማን ኣልሓጅ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ብለይቲ መጺኦም እንተ ዘይከፊታ ማዕጾ ይሰብሩ'ዮም ብምባል ፍርስራስ ገዝኣ ኣርእያትኒ።

"ዋላ'ውን ቀረብ መግበይ፡ ሽኮረይን ሓርጭታተይን ዘይተይን፡ ሳሙናይን ኣብ ቦርሳታቶም መሊኦም ወሲዶሞ" ትብል፤ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ገዛ ኣቃጺሎምዎ።

"እዚ ኲናት ኣይኰነን" ትብል፡ ናብቲ ሓደ እዋን ቤተ-መጻሕፍቲ ሓማታ ደው ዝነበረሉ ኵምራ ሓሙኽሽቲን ኣብቲ ዝዓነወ መደቀሲ ክፍልታት ዝነደደ ዓራትን እናኣመልከተት።

"እዚ ህውከት እዩ፡ ስርቅን ዘመተን እዩ።"

ውሑዳት ጎደናታት ንታሕቲ ከይደ ምስ ሑሴን ዓባስ ተራኺብና።

ዕድሚኡ ኣስታት 70 ዓመት ይኸውን፡ በትሪ ሒዙ፡ ዝተሃሰየት ሻንጣ ኣብ ባዶ ጎደና እናጎተተ ናብ ዝተቓጸሉ ህንጻታት ይጓዓዝ ነይሩ።

ኩናት ምስ ጀመረ ድሕሪ 7 መዓልቲ ካብ ካርቱም ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ሰለስተ ግዜ ከምዝተመዛበለ ነጊሩና።

"ኣብዚ ኣብ ዝበጻሕኩላ ህሞት ዳርጋ ነቢዐ" ይብል ንብዓት ኣብ ምዕጉርቱ እናወሓዘ። "ብዙሕ ተሳቒና፡ ክቱር ስቓይ።"

ከም በዓል ዓባስ ዝኣመሰሉ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ቀስ ብቐስ ተመሊሶም ገዝኦም ዳግማይ ክሃንጹ ይፍትኑ ኣለዉ።

ኣብዚ ዘስካሕክሕ ኲናት ሕጂ ሰራዊት ሱዳን ዝለዓለ ሚዛን ሒዙ ኣሎ፡ ህዝቢ ሱዳን ግን ገና ብዙሕ ስቓይ ይጽበዮ ኣሎ።