ኣልፋሸር፡ ስለምንታይ 'ያ ሕምብርቲ ኲናት ሱዳን ኰይና ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ትኹረቱ ናብታ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር እትርከብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ዝዀነት- ኣልፋሸር ይሰጋገር ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዓርቢ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት 70 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ 2023 ዝተጀመረ ግጭት፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ብምባል፡ ዛጊድ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም።
ስለምንታይ ግን ኣልፋሸር ሕምብርቲ ናይቲ ግጭት ኰይና ኣላ?
ዞባዊ ምቍጽጻር

ስፍሓት ዳርፉር ብግምት ክንዲ ስጳኛ ኰይኑ፡ ኣብ ሱዳን ዝበዝሐ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ዞባ እዩ።
እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ካብተን ሓሙሽተ ግዝኣታት ዳርፉር ንኣርባዕተ ይቈጻጸር ኣሎ።
ንኣልፋሸር ምሓዝ ድማ፡ ንመላእ እቲ ዞባ ክቈጻጸሮ ከኽእሎ እዩ ተባሂሉ ይእምን።
ሱዳናዊ ተንታኒ ፖለቲካ ዳልያ ዓብደልሞኒየም፡ "ኣልፋሸር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሃገራዊ ሰራዊት ዘላ ናይ መወዳእታ ከተማ ዳርፉር እያ" ይብል።
ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን፡ ንኣልፋሸር ምቍጽጻሮም እንተቐጺሎም፡ ንምዕራባዊ ሸነኽ ሱዳን ዓብሊሎም ክጸንሑ እዮም።
"ወሳኒ ውግእ እዩ" ዝብል ዓብደልሞኒየም፡ "ናጽነት ክእውጅ ወይ ድማ ክደፍእ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ዓሌታዊ ወጥሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣልፋሸር፡ ማእከል እቲ ነታ ሃገር ከይሕምሳ ዘስግእ ዓሌታዊ ወጥሪ እዩ።
ዳርፉር ፉር፣ ዛጋዋ፣ ማሳሊት ሓዊሱ ዓበይቲ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰባት ይነብሩላ።
ብዙሓት ካብዚኦም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓረብ ዘይኮኑ ህዝቢታት ዘግለለ ፖሊሲታት መንግስቲ ሱዳን ይቃወሙ።
ኣብ 2003 ብመንግስቲ ዝምራሕ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ዓሌታዊ ወጥሪ ኣበጊሱ ነይሩ።
ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ መራሕቲ ሱዳንን ብመንግስቲ ዝድገፍ ምልሻ ጃንጃዊድን ብዓሌታዊ ምጽናት፣ ስቅያትን ገበናት ኲናትን ካልኦት ገበናትን ከሲሱ።
ኣብ 2013 ጃንጃዊድ፡ ሓይልታት ዳዕመሰሪዕ - ህጹጽ ደገፍ [RSF] ብዝብል ዳግማይ ውዳበ ገይሩ መጺኡ ኣሎ።
ሕጂ እቲ ጕጅለ፡ ንዳርፉር ጠቕሊሉ ክቈጻጸራ ይቃረብ ኣሎ።
"መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዊ [ጸለምቲ] ዓሌታት ኣብ ኣልፋሸር ክነብሩ እንከለዉ፡ እቶም ዕጡቓት ብቐንዱ ዓሌታት ዓረብ ሱዳናውያንን ዕሱባትን ዝሓቘፈ'ዩ" ይብል ዓብደልሞኒየም።
"ሰፊሕ ዓመጽ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም፤ ታሪኾም ከምኡ ካብ ምግባር ንድሓር ከምዘይብሉ ይሕብር።"
ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብኽልቲኡ ወገን ብጭካነ ዝተመልአ እዩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ዶብ ቻድ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ "ገለ ካብቶም ኣብ ህይወቱ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ነገራት" ከምዝረአየ ገሊጹ።
"ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ህይወተን ከድሕና ክሃድማ፡ ብዛዕባ ሰፊሕ ምሕራድ፣ ምቍራጽ ኣካላት፣ ምንዳድ፣ ጾታዊ ዓመጽ. . ."
ንጸጋታት ዝግበር ቃልሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣልፋሸር ንምቍጽጻር ዝግበር ቃልሲ እውን ነዞም ሰፋሕቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ንምቍጽጻር ዝግበር ቃልሲ እዩ።
"ዓቕሚ ዕደና ዳርፉር ኣዝዩ ዓቢ'ዩ" ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሞሃናድ ሃሺም።
"ኣብ ትሕቲ መሬት ማይ፡ ነዳዲ፣ ዩራንየም ኣሎ፤ እቲ ቀንዲ ናይዚ ግጭት ግን ወርቂ'ዩ።"
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወርቂ ነቲ ኲናት ከም ነዳዲ ኰይኑ የባርዖ ከምዘሎ ይእመን።
ብኣልፋሸር ኣቢልካ ንሰሜን ዳርፉር ምቍጽጻር፡ ናብ ከም በዓል ሊብያን ቻድን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ነተን ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝዓይነተን ወርቂ ዝህንጠያ ሃገራት ንምብጻሕ ከቕርብ ይኽእል'ዩ።
ብመሰረት ሰነዳት ካዝና ኣመሪካ፡ መራሒ እቲ ዕጡቕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብ ዳርፉር ዝርከብ ዓቢይ ኣታዊ ዘለዎ ዕደና ወርቂ ይቈጻጸር ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







