ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ስለምንታይ እገዳ ኣንቢራ?

ኣልቡርሃን፡ ኣብቲ ን21 ኣዋርሕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሰራዊት ሱዳን ይመርሕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን እገዳ ከም ዝገበረ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ'ቲ ን21 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እታ ሃገር መዓልታዊ ናብ ዓሚቚ ዓዘቕቲ ጥምየት ትሽመም ኣላ።

ኣመሪካ፡ እቲ ጀነራል፡ "ምርግጋእን ሱዳን ይዘርግን ዕላማ ዴሞክራስያዊ ስግግር እታ ሃገር የዳኽምን ኣሎ" ብምባል ከሲሳ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ዋድ መደኒ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻባት ወጺኡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ ነዚ ኣብ መግለጺኡ ኣይጠቐሰን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ናይቶም ኣንጻር ሰራዊት ዝዋጋኡ ዘለው ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ'ውን እገዳ ገይራ'ያ።

ኣመሪካ፡ እቶም ዕጠዑቓት ኣብቲ ኲናት ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ብምባል ትኸስስ።

ዋሽንግተን፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ኣል-ቡርሃን እገዳ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ሰራዊት "ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት-ቤት ትምህርቲ፡ ዕዳጋታትን ሆስፒታላትን ዒላማ ብምግባር- ቀታሊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ" ኢላ።

ብተወሳኺ እቲ ሰራዊት "ንሰብኣዊ ኣገልግሎት ብምኽልካል ሕጽረት መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ተሓታቲ'ዩ" ክትብል ትኸስስ።

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ግጭት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ሰራዊት ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድም ኢሉ፡ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ሰራዊቱ ንርእሰ-ከተማ ግዝኣት ገዚራ ካብ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብምምንዛዕ ፡ ሰፊሕ ግፍዒ ፈጺሞም ዝብል ክሲ ክምርመር ኣዚዙ ነይሩ።

እዚ ስጕምቱ ዋድ መደኒ ምስ ተትሓዘት ዜጋታት ወጻኢ ዝርከብዎም ሲቪላት ድሕሪ ምቕታሎም ዝተፈጥረ ልዑል ስክፍታ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

ደቡብ ሱዳን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ "ንጹሃት ዜጋታትና" ዝወረደ በደል ብምባል ንኣምባሳደር ሱዳን ጸዊዓ ከም ዘዘራረበቶ ጠቒሳ።

ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንደቡብ 140 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ዋድ መደኒ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢላ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣትያ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ሰራዊት ሱዳን ዳግም ተቘጻጺርዋ።

ነታ ከተማ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ከም ስትራተጂካዊ ቦታ ዝርእዩዋ ኰይና፡ ንሓያሎ ግዝኣታት ብመገዲ ተራኽብ። ናብ ካርቱም ዝቐረበት ዓባይ ከተማ'ውን እያ።

ሓደ ተሓላቒ መሰላት ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብታ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከባቢ ኣብ ዘሎ ካምፕ ታይባ ብውሕዱ 13 ሰባት ቀቲሉ ክብል ከሲሱ።

ኣብ ሱዳን ሓላፊት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ክሌመንቲን ንክዌታ-ሳላሚ፡ ኣብ ገዚራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት "ብሰንኪ ክስታት ምትሕብባር ወይ ብሄር" ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከም ሕነ ምፍዳይ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣዝዩ ከም ዘሻቐላ ገሊጻ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ፡ ነቲ ጸብጻባት "ዘስካሕክሕ" ብምባል፡ ሰራዊትን መሻርኽቲ ጕጅለታትን ክምርምሩን ተሓተትቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ኣተሓሳሲቡ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ነቲ ኣብ ካምፕ ታይባ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝምርምር ኮሚተ ከም ዝመስረተን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጸብጻብ ክህብ ከም ዝሓተተን ገሊጹ።

እቲ መርመራ፡ብዛዕባ'ቲ ደቡብ ሱዳን ዘልዓለቶ ስክፍታታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ቦታታት ገዚራ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግፍዕታት ትዅረት ዝገበረ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ግን ርእይቶ ኣይሃበን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ "ዝተዋደደ ጸብጻብ" ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ቅድሚ ሕጂ ንደቡብ ሱዳናውያን ከም "ዕሱባት ወተሃደራት" ብምጥቃም ይኸስስ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኲናት ቅትለታት ብምፍጻም ይኽሰሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ኲናት ቅትለታት ብምፍጻም ይኽሰሱ

ሓደ ክዳን ሲቪል ዝለበሰ ሰብኣይ ካብ ድልድል ተደርብዩ ብድሕሪኡ ብጥይት ክዉቃዕ እንከሎ ዘርኢ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ግፍዒታት ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ጥቃ ድልድል ሃንቱብ ብሸነኽ ሩባ ብሉ ናይል ዝተቐድሐ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ፡ ባንዴራ ሱዳን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ካርቱምን ጐረባብቲ ግዝኣታትን ምስ ሰራዊት ሱዳን ኰይኑ ክዋጋእ ዝጸንሐ ብርጌድ ኣልባራኣ ቢን ማሊክ ዝጥቀመሉ ኣርማ ዘለዎ ክዳውንቲ ተኸዲኑ ይርከብ።

ካልኦት ክልተ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝተቐድሑ ቪድዮታት፡ ብውሕዱ 30 ሬሳታት ሲቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መሬት ተዘርጊሖም የርእዩ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ኣብቲ ቪድዮ ዝተራእዩ ነገራት ምስ ሳተላይት ምስሊ ብምትእስሳር፡ እቶም ቪድዮታት ካብቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዋድ መደኒ ሒደት ሜትሮ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣድብዩ ንተዋጋእቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘጥቅዓሉ ዝመስል ቦታ ከም ዝተቐድሑ ኣረጋጊጹ።

እቶም ሰባት ብኸመይ ከም ዝሞቱን፡ እቲ ሬሳታት ምስ ሞቱ ዝተኣከበ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።

እቶም ዕጡቓት ዩኒፎርም ስለዘተኸድኑ ድማ መንነት እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ምፍላጥ ኣይተኻእለን።

ኣብቲ ከባቢ ዝተቐድሑ ምስሊታት ድብያ፡ ከቢድ ምልውዋጥ ተኹሲን ድሕሪኡ ዝመጸ ሳዕቤናትን እውን ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ብሰሉስ ነቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ግዝኣት ገዚራ "ውልቃዊ ጥሕሰት" ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ ነዚ ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተትቲ ከም ዝዀኑ ገሊጹ።

ዳዕመ-ሰሪዕ'ውን፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኮማንደር ኣቡ ኣቕላ ካይካል ካብቲ ጕጅለ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ገዚራ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ።

ካይካል፡ ኣብቲ ሰራዊት ንዋድ መደኒ ንከይቈጻጸር ዝተገብረ ስርሒት ብብዝሒ ዝተሳተፈ'ዩ።