ሱዳን፡ ኣብ ከባቢ ካርቱም ብውሕዱ 120 ሰባት ብደብዳብ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰኑይ ኣብ ሱዳን ከተማ ኦምዱርማን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዳር-ሰላም ብዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 120 ሰባት ከም ዝተቐትሉ መርበብ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ወለንታዊ ትካል ሓቢሩ።
ክፍሊ ህጹጽ ምላሽ ኦምባዳ፡ ቍጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ሰራሕተኛታት ጥዕና ብሰንኪ ቦምባታት ንዝተጐድኡ ብዙሓት ሰባት ንምሕካም ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ቀረብ ኣፋውስ ይውሕድ ከምዘሎ ይገልጹ።
እቲ 21 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ምኽንያት ሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኰይኑ ይርከብ።
ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም እዮም።
እቲ ኲናት፡ ነታ ሃገር ንሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዑዋ ኣሎ፤ ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ቅልውላው ሱዳን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ክብል ይገልጾ።
24.6 ሚልዮን ህዝቢ - ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ - ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከም ዘድልዮ ክኢላታት ይገልጹ።
ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ኣብ ኣንፈት መጻኢ እታ ሃገር ዝነበሮም ፍልልይ ስዒቡ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ናብ ኲናት ከም ዘምርሑ ይዝከር።
ክፍሊ ህጹጽ ምላሽ ኦምባዳ፡ እቲ ኣብ ኦምዱርማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብመን ከም ዝተፈጸመ ኣይገለጸን።
ወለንታውያን ጕጅለታት ህጹጽ ምላሽ ብሰንኪ ቀጻሊ ውግእ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ንምብጻሕ ብድሆታት ኣጋጢምዎም እዩ።
መብዛሕትኡ ክፋል ኦምዱርማን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ክኸውን እንከሎ፡ ዳዕመ ሰሪዕ ድማ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ክፋል ከባቢ ካርቱምን ሒዙ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፡ እቲ ሰራዊት ንኦምዱርማን ዳግማይ ንምቍጽጻር ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣሐይሉ ኣሎ።
ብሰንበት፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንእትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ወድ መደኒ ከም ዝሓዘ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
ወድ መደኒ፡ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ኣልጀዚራ ኰይና፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ካርቱም ንኣንፈት ደቡብ 140 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
እቲ ሰራዊት ሰለስተ ከባቢታት ከም ዝሓዘን እቶም ዕጡቓት ገዲፎምዎ ዝኸዱ ኣጽዋር ከም ዝሓዘን ይገልጽ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ካብ ዝነበሮም ድፋዕ ንድሕሪት የንሳሕቡ ኣለዉ።
ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሩባ ኒል ዝርከቡ ነበርቲ፡ ኣብ ስግር እቲ ሩባ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ሲቪላትን መጥቃዕቲ ዘውርዱ ቦምባታትን ኣጽዋራትን ከምዘለው ሓቢሮም።
ክልቲኦም ወገናት ንሰራሕተኛታት ጥዕና ሓዊሱ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባርን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ኣፈላላይ ደብዳብ ብምፍጻም ይኽሰሱ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣመሪካ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝመርሖ ጕጅለ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ከም ዘንበረት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







