ብዛዕባ ምቍራጽ ተጻብኦታት ቓዛ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ

ኲናት ቓዛ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ከም ዝቐጸለ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንምግባርን ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምስዳድን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ይዛዘም ከም ዘሎ ሰብ መዚ ፍልስጤም ንቢቢሲ ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ስምምዕ ፍረ ንኸፍሪ "ኣብ ጫፍ በጺሑ" ኢሉ።

ሰብ መዚ እስራኤል'ውን እቲ ድርድር "ኣብ ዝለዓለ ደረጃ" በጺሑ'ዩ ክብሉ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ተዛሪቦም።

ጆ ባይደን፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁን ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል-ታሕኒን ኣብ ቐጠር ከም ዝተዘራረበ ጸብጻባት ይገልጹ።

ሰብመዚ ፍልስጤም፡ ወከልቲ ሓማስን እስራኤልን ተራኺቦም ይዘራረቡ ምህላዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ዝርዝር ቴክኒካዊ ጕዳያት እቲ ዝርርብ ግዜ ወሲዱ'ዩ" ኢሎም።

ሓማስ፡ እቲ ጅሆ ዝሓዞም ሰባት እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ከም ዝሰዶም ተገሊጹ።

ድሕሪኡ፡ እስራኤል ህዝቢ ካብ ዝነብረሎም ከባቢታት ዘለው ወተሃደራታ ከተውጽእ እያ።

ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲታት ሓማስ ተወሳኺ ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ክፈትሕ እንከሎ፡ እስራኤል ካብ ደቡባዊ ቓዛ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ብእግሮም ብኣውራ መገዲ ኣቢሎም ናብ ሰሜናዊ ከባቢ ክምለሱ ከተፍቅድ እያ።

መኪናን መጓዓዝያ እንስሳን ብሰብ ሞያ ቐጠርን ግብጽን ተፍትሽ እናተገብረሎም ብጐደና ኣል-ዲን ክሓልፉ'ዮም።

ሰራዊት እስራኤል፡ ኮሪደር ፊላደልፊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካብ ወተሃደር ናጻ ዝዀነ 800 ሜትሮ ቦታ ሒዙ ን42 መዓልቲታት ክጸንሕ እዩ።

እስራኤል ሓደ ሽሕ ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ። እቶም እሱራት ኣስታት 190 ዝዀኑ ን15 ዓመታትን ልዕሊኡን ዝተፈርዶም'ዮም።

ድሕሪኡ፡ ሓማስ 34 ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ክፈትሕ እዩ።

እቲ ምቍራጽ ተጻብኦ ተግባራዊ ምስ ኰነ ድሕሪ 16 መዓልቲታት ካልኣይን ሳልሳይን ክፋል እቲ ስምምዓት ክቕጽሉ'ዮም ተባሀሉ ኣሎ።

ወዱ ጅሆ ዝተትሓዞ እስራኤላዊ-ኣመሪካዊ ኣቦ፡ "እስራኤል ሕራይ ኢላ'ያ ኢለ ተስፋ እገብር። ንጭነቕ ኢና ዘለና" ኢሉ።

ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጄክ ሴሌቪን፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምምሕዳር ባይደን [እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን] ተግባራዊ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።

ባይደን፡ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ከም ዝዘራረብ'ውን ተገሊጹ።

መጻኢ ሰኑይ ናብ ዋይት ሃውስ ዝኣቱ ዶናልድ ትራምፕ ዝመዘዞ ልኡኽ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ'ውን ኣብቲ ኣብ ደውሓ ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፉ።

ትራምፕ፡ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት እንተዘይተፈቲሖም "መዓጹ ገሃነም ክኽፈቱ'ዮም" ኢሉ ከም ዘፈራርሐ ይዝከር።

ምኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ እስራኤል ጌድዮን ሳር ግን፡ እቲ ልዝብ "ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝሓሸ መገዲ ይስጕም" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ነታንያሁ ዝርከቡ ዓሰርተ ኣባላት የማናዊ ሰልፊ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ብምቅዋም ናብ ነታንያሁ ደብዳበ ጽሒፎም ኣለው።