መረጻ ጀርመን፡ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝህሉ ዝገልጽ ሰልፊ የካትዕ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ጀርመን ኣልተርናቲቭ ፉር ዶይችላንድ (AfD) ኣዝዮም ጫፍ ዝረገጹ ውጥናት ሒዙ ይመጽእ ኣሎ።
እቲ ሰልፊ፡ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ምምሕዳር ሳክሶኒ ከተማ ሪሳ ዋዕላ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ቀጻሊ መደባቱ ዶባት ጀርመን ምዕጻው፡ ካብ ሩስያ ጋዝ ምግዛእ ምጅማርን ኣብ መስርሕ ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ምፍራስን ድልየታት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ማዕከናት ዜና ጀርመን፡ እቲ ሰልፊ ዝተሰማምዓሉ ማኒፌስቶ፡ ካብ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ንምውጻእ፡ ካብ ባጤራ ዩሮ ንምውጻእን ሓድሽ ኮንፈደረሽን ሃገራት ንምፍጣርን መደባት ከም ዘጠቓልል ሓቢረን።
መራሒት'ቲ ሰልፊ ኣሊስ ዋይደል፡ "ዳግማይ ስደት" [remigration] ዝብል ቃል ከይተረፈ ብግልጺ ተቐቢላቶ ኣላ።
እዚ ቃል እዚ ብጅምላ "ምምላስ" ወይ ምስጓግ ድሕረ ባይታ ስደተኛታት ንዘለዎም ሰባት ማለት እዩ።
ኣሽሓት ጸረ-ኤፍዲ ዝዀኑ ሰልፈኛታት ብቐዳም ናብቲ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ብምእታው ነቲ ኣኼባ ንምዕንቃፍ ጻዕሪ ክገብሩ ኣብ ጐደናታት ከተማ ሪሳ ተራእዮም ነይሮም።
ኣሊስ ዋይደል ናብ መድረኽ ምስ ወጽአት፡ ነቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ሰልፈኛታት "ጸጋማዊ ዕስለ" ኢላ ገሊጻቶም።
ኣብዚ መድረኽ፡ ብዛዕባ እቲ ዝወጠኑዎ "ሰፊሕ ምምላስ ስደተኛታት" ተዛሪባ።
"ብቕንዕና ክዛረብ ኣለኒ፡ ዳግመ-ስደት ክበሃል እንተዀይኑ፡ ንሱ'ዩ ክኸውን፡ ዳግመ-ስደት" ትብል።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ብኣዝዩ ኣካታዒ ክሲ ሽማ ይለዓል ነይሩ።
እዚ ድማ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰልፊ ምስ ማርቲን ሰልነር ዝተባህለ ሕሉፍ ታሪኽ ኒዮ-ናዚ ዘለዎ ኦስትሪያዊ ሕሉፍ የማናዊ፡ ብዛዕባ "ምስጓግ" ስደተኛታት ዘትዮም ዝብል'ዩ።
እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ሃገር ሓያል ጸረ-ኤፍዲ ሰልፍታት ተኻይዱ።
ሰልነር ብዛዕባ "ምግዓዝ" ሓተትቲ ዑቕባ፡ ገለ ፍቓድ መንበሪ ዘለዎም ወጻእተኛታትን "ዘይተዋሃሃዱ" ዜጋታትን ዝምልከት ጽሒፉ እዩ።
ሕሉፋት የማናውያን ኣውሮጳ፡ ገሊኦም ሕጋውያን ነበርቲ ክወጽኡ ከም ዘይግደዱ ይዛረቡ።
ነቐፍቲ፡ "ዳግማይ ስደት" ንግልጺ ዓሌታዊ ውጥን ጃምላዊ ምስጓግ ዝገልጽ ቅልል ዝበለ ቃል ጥራይ'ዩ ይብሉ።
ኣሊስ ዋይደል ግን ነቲ ቃል ብውልቃ ክትቅይሮ ምውሳና፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣኽራርነትን ርእሰ ተኣማንነትን ሰልፋ ዘርኢ እዩ።
ቅጽበታዊ መረጻ እታ ሃገር ክኣ ሰሙናት ጥራይ ተሪፉዎ ኣሎ።
ብተወሳኺ "መፍረይቲ ሕፍረት" ኢላ ዝገለጸቶም ሕርሻታተት ጸዓት ንፋስ ከተፍርሶም፡ ጀርመን ካብ ስርዓት ዑቕባ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወጽእን ንፕሮፌሰራት መጽናዕቲ ስርዓተ ጾታ "ክትድርብዮምን" ምዃና ቃል ኣትያ።
ሰልፊ ኣልተርናቲቭ ፉር ዶይችላንድ (AfD) ብቐጻሊ ኣብ ጀርመን ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ ድማ መኽሰብ ኣመዝጊቡ።
ይኹን'ምበር ካልኦት ውድባት ምስቲ ሰልፊ ስለ ዘይሰርሑ ስልጣን ዝዕወተሉ ተኽእሎ ትሑት እዩ።
ትካል ስለያ ውሽጢ ሃገር፡ ንክፍልታት ኣልተርናቲቭ ፉር ዶይችላንድ የማናውያን ኣኽረርቲ ክብል ሰሪዑዎም ኣሎ።
ኣብ 2024፡ ሓደ ታሊስማናዊ ኣባል እቲ ሰልፊ - ቢዮን ሆከ - ዝተኸልከለ ሓረግ ንኡስ ወተሃደራዊ ናዚ "Alles für Deutschland" ("ኵሉ ንጀርመን") ብምጥቃሙ ክልተ ግዜ ተቐጺዑ።
ነዚ "መዓልታዊ ሓረግ" ክብል ብምጽዋዕ፡ ቅድሚ ሕጂ መምህር ታሪኽ እኳ እንተነበረ፡ መበገሲኡ ከም ዘይፈልጦ እዩ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሪሳ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣባላት እቲ ሰልፊ፡ "ኣሊስ ፉር ዶይችላንድ" ኢሎም ጨሪሖም ዝብል ዝገልጽ ጸብጻባት ኣብ ማዕከናት ዜና ጀርመን ኣዘራራቢ ኰይኑ።
ይዅን'ምበር ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ፡ ብተደጋጋሚ ብሻራዊ ሚድያን ትካላትን መጸለምታ ይበጽሖምን ይፍረዱን ከም ዘለው ብምግላጽ ብተደጋጋሚ የማርሩ።
ከምኡ'ውን ሰልፊ ኣሊስ ዋይደል – ንሳ ሓባራዊት መራሒት እቲ ሰልፊ ኰይና ሕጂ ድማ ሕጽይቲ ቻንስለር ኰይና ኣብቲ መረጻ ክትወዳደር እያ።
እታ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጎልድማን ሳክስ እትሰርሕ ዝነበረትን ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ዝምድና ሓዳር ዘለዋን ጓል 45 ዓመት ክኢላ ስነ-ቑጠባ፡ ነቲ ሕማቕ ጫፋት እቲ ሰልፊ ከተጸብቕ ጻዕሪ ተካይድ።
ነቶም ንኤኤፍዲ ኣትሪሮም ዝቃወሙ ግን ቈጽሊ በለስ ወይ - ከምቲ ሓደ ሶሻል ዲሞክራት ዝበሎ - "ክዳን በጊዕ ዝለበሰት ተዅላ" እዮም ዝብሉዋ።
እዚ ብዘየገድስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ቢልየነር ቴክኖሎጂ ኤሎን መስክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤክስ ብቐጥታ ንቃለ መጠይቕ ዓዲሙዋ፤ ነቲ ሰልፊ'ውን ከም ዝድግፍ ገሊጹ'ዩ። እዚ ድማ ሓድሽ ትዅረት ክትረክብ የኽእላ ኣሎ።
ኣብቲ ክልቲኦም ዘካየድዎ ዘተ ኣዶልፍ ሂትለር ዴሳዊ እዩ ኢላ፤ እንተዀነ ንሱ ፍሉጥ ጸረ ዴስነት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቐፌታ ኣስዒቡላ።
ነቐፍቲ ብዛዕባ 'ናዚ ሪቪዥኒዝም' [ምልሰት ናዚነት] የጠንቅቝ እዮም ዘለው።
ሓደ እዋን ቢዮርን ሆከ ጀርመን ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ናዚ ዘለዋ ኣተሓሕዛ "180 ዲግሪ ክቕየር" ክጽውዕ እንከሎ፡ ሓደ ሓባራዊ መራሒ እቲ ሰልፊ ነበር ኣሌክሳንደር ጎላንድ ድማ ንዘመነ ናዚ "ኣብ ልዕሊ 1000 ዓመታት ዕዉት ታሪኽ ጀርመን ንእሽቶ ንጣብ ጭቃ ኣዕዋፍ ጥራይ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኤኤፍዲ ኣንጻር ትካላትን ጸረ ስደተኛታትን ምዃኑ በቶም ኣብ 23 ለካቲት 2025 ናብ መረጻ ዘቕንዑ ሰባት ተቐባልነት ይረክብ'ዩ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







