መብዛሕትኦም ዕርቃኖም ዝተታሕዙ 26 'ኢትዮጵያውያን' ስደተኛታት

እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, SA police

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ዝጸንሑን ኢትዮጵያውያን ከም ዝዀኑ ዝእመኑን 26 ሰባት ኣብ ጆሃንስበርግ ረኺቡ።

ካብቶም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ዝተረኽቡ ስደተኛታት፡ እቶም 15 ዕርቃኖም ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ዝተረኽቡ ካልኦት 11 ድማ ጉድኣት ዝበጽሖም ከም ዝዀኑን ተገሊጹ።

እዞም 26 ስደተኛታት ዝሓለፈ ሓሙስ ኣጋምሸት ኣብ ሰሜን ምብራቕ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ጐረባብቲ ብመሰረት ዝሃብዎ ሓበሬታ እዮም ተረኺቦም።

ምስዚ ጕዳይ ብዝተሓሓዝ ድማ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

እዞም ኢትዮጵያውያን'ዮም ዝተባህሉ ስደተኛታት ብኸመይ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተው ኣይተገልጸን።

ሰብ መዚ ግን፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከይኰኑ ንምጽራይ መርመራ የካይዱ ኣለው።

ፖሊስ ነዚ ጕዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መሓውር ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት" ኣፍሪሰ ኢሉ።

ሰብ መዚ፡ እቶም ስደተኛታት ስለምንታይ ተዓጊቶም፡ ስለምንታይ'ከ ዕርቃኖም ክርከቡ ክኢሎም ዝምልከት ዝዀነ ዓይነት ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ኣብ ጥቓ እቲ ተዓጊቶምሉ ዝጸንሑ ገዛ ዝተረኽቡ ስደተኛታት "መስኰት ሰይሮም ዝሃደሙ'ዮም" ክብል ወሃቢ ቃል ክትትል ከበድቲ ገበናት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮሎኔል ፊላኒ ንኳላሴ ተዛሪቡ።

ካብቲ ገዛ ንምህዳም መስኰት ክሰብሩን ማዕጾ ክነቕሉን ክፍትኑ እንከለው ጕድኣት ዝወረዶም ስደተኛታት ሕክምና ክረኽቡ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ'ውን ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት ዘይሕጋዊ ብረት ሒዞም ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ተሳቲፎም ብዝብል ተኸሲሶም ኣለው።

ኮሎኔል ንኳላሴ፡ "ተወሳኺ መርመራ ንኽካየድ እቲ ጕዳይ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ተወሲዱ ኣሎ . . . እቶም 26 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ውልቀሰባት ድማ ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ዝዀኑ ድዮም ዝብል ንምፍላጥ መርመራ ይካየድ ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብ ነሓሰ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ከተማ ጆሃንስበርግ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ኣስታት 90 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ብዘይፍቓዶምን ኢ-ሰብኣዊ ብዝዀነ ኵነታትን ተታሒዞም ከም ዝተረኽቡ ይዝከር።

እዚኦም፡ ፖሊስ ምስ ካልኦት ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ሓደ ዝተጨውየ ውልቀሰብ ንምርካብ ኣብ ዝተዋፈርሉ ግዜ'ዮም ተረኺቦም።

እቲ ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ግዳይ'ውን ኣብ መንጐኦም ተረኺቡ።