ካናዳ ስለምንታይ’ያ ንስደተኛታት ገጽ ክትከልእ ትጅምር ዘላ?

ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካናዳ ንዓሰርተታት ዓመታት ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ማዕጾኣ ከፊታ ብምቕባል እያ ክትፍለጥ ጸኒሓ። ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ቍጽሪ ህዝባ ንምዕባይ፡ ናይ ሸቓሎ ሕጽረት ንምምላእን ካብ መላእ ዓለም ካብ ግጭት ዝሃድሙ ስደተኛታት ንምዕቋብን ዝተዳለወ እዩ።

በዚ መሰረት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ናብ ካናዳ ተሰዲዶም እዮም። ብዘይካ'ዚ ካብ ሃገራት ዩክረይንን ኣፍጋኒስታን'ውን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጃስቲን ትሩዶ ብዝሒ ናብ ካናዳ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ስደተኛታት ብዓቢኡ ክቕንስ ከምዝሓሰበ ገሊጹ’ሎ።

ቀንዲ ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦም ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝርአ ዝበሎ ሕጽረት፡ ምኽባር ዋጋ ኣቝሑን መንበሪ ኣባይትን’ዮም።

እዚ ውሳነ ግን ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይዅን ነታ ሃገር ዓቢይ ለውጢ እዩ።

ኣብ ኢሚግሬሽን ብዝተኸተሎ ፖሊሲኡ ተሪር ነቐፌታ ዝቐረበሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካናዳ ዕብየት ህዝባ “ከተረጋግእ” ከምዘለዋን፡ ምስ ብዝሒ ህዝባ ዝኸይድ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጺ ክማላእ ከምዘድሊን ተዛሪቡ።

ካናዳ ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ብ21ሚእታዊት ከተጉድል'ያ

ምንጪ ስእሊ, Toronto Star via Getty Images

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትሩዶን ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ማርክ ሚለርን ኣብ 2025 ናብ ካናዳ ዝኣትዉ ቀወምቲ ነበርቲ ብ21 ሚእታዊ ንምጕዳል ከምዝተወሰነ ዕላዊ ገይሮም።

ውሳነ መንግስቲ ካናዳ ኣብ መደባት ግዝያዊ ነበርቲ ካናዳ’ውን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ግዝያውያን ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታትን ዓለምለኻውያን ተምሃሮን እዚ ውሳነ ከምዝምልከቶም ተፈሊጡ'ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትሩዶ ኣብ ፖሊሲ ዝገበሮ ለውጢ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ “ካናዳውያን ብስርዓተ ኢሚግሬሽን ሃገሮም ሕቡናት’ዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ስርዓተ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ ካናዳ ኣብ ዓለም ተበሃጊ ቍጠባ ክትሃንጽ ከምዘኽኣላ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሱ’ሎ።

መንግስቲ ትሩዶ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጽረት ሸቃሎ ንምቅላል ኢሉ ብዙሓት ግዝያዊ ነበርቲ ናብታ ሃገር ንኽኣትዉ ኣፍቂዱ ስለዝነበረ ዘይተመጣጠነ ሚዛን ከምዝፈጠረ ብምግላጽ ሕጂ ስርዓተ ኢሚግሬሽን ካናዳ “ምርግጋእ” ከምዝደሊ ኣሚኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ኣብ ኢሚግሬሽን ዝተኸተሎ ፖሊሲ ህዝባዊ ደገፉ እናጐደለ ስለዝመጽአ’ዩ።

ካብ 1977 ኣትሒዙ ካናዳውያን ኣብ ልዕሊ ስደት ዘለዎም ኣረኣእያ ዝከታተል ኢንስቲትዩት ኢንቫይሮኒክስ ኣብ መስከረም ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ድሕሪ ርብዒ ክፍለ ዘመን ንፈለማ እዋን፡ ዝበዝሑ ካናዳውያን ስደት ምብዝሑ ይገልጹ።

እቲ ኢንስቲትዩት እዚ ዝቕየር ዘሎ ኣተሓሳስባታት ብቐንዱ ብሰንኪ ውሑድ ኣባይቲ ብዝተፈጥረ ስክፍታታት ዝድረኽ ምዃኑ ገሊጹ። ቍጠባ፡ ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ህዝቢ፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ ኢሚግሬሽን ብኸመይ ይመሓደር ከምዘሎ’ውን ከም ዓበይቲ ረቛሒታት ተጠቒሶም።

ዳህሳስ ኣባኩስ ዳታ ዴቪድ ኮለቶ፡ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ ዜና፡ "ኣብ ዙርያ ኢሚግሬሽን ዘሎ ምርድዳእ ይጐድል ኣሎ ዝብል ሓሳብ ነቲ ኵነታት ኣስተዋሒድካ ምግላጽ'ዩ” ኢሉ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ "እቲ ምርድዳእ ሕጂ ዝተመቓቐለ ይመስለኒ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ኣብ ፖለቲካ ፌደራልን ኣውራጃታትን ሓደ ካብቶም ጐሊሖም ዝረኣዩ ጉዳያት ክኸውን እጽበ” ኢሉ።

ካናዳ ብዓቢኡ ንስደተኛታት ክትቅበል ዝጸንሐት ሃገር እያ። መረዳእታታት ከምዘመልክትዎ ኣብ ምጥያስ ስደተኛታት መራሒት ኰይና፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ንሓደስቲ መጻእቲ ኣኽቢራ እትቕበል ብምዃና ልዑል ዝና ረኺባ እያ።

ኣብ 1988 ዝጸደቐ ሕጊ ብዙሕነት ባህልታት ካናዳ፡ ንብዙሕነት ከም ዘይነጻጸል ኣካል መንነት ካናዳ ኣፍልጦ ይህብ። ሕብረ-ባህላዊ ውርሻታታ እውን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተሓለወ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ማይክል ዶነሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ካብ መወዳእታ 1990ታት ጀሚሩ ኣረኣእያ ካናዳውያን ብሰፊሑ ንኢሚግሬሽን ዝድግፍ እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ኣብ 2019 ጸብጻብ ፒው ሪሰርች ከም ዘመልክቶ፡ ካብተን ላዕለዎት ንስደተኛታት ዘአንግዳ ዓሰርተ ሃገራት፡ ካናዳ ብዛዕባ ስደት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዝነበራ ይሕብር።

ፕሮፌሰር ዶነሊ፡ ስደተኛታት ዓቢ ክፋል መረጽቲ ካናዳ ከም ዝዀኑን፡ እዚ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር ጸረ ኢሚግሬሽን መርገጺ ከይሕዛ ከም ዝዓግተንን ገሊጹ።

ካናዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካናዳ እውን ሳሕቲ ኣብ ካልእ ዓድታት ዝርአ ቍጽጽር ዝጐደሎ ስደት ዘለዋ ኰይኑ፡ እትርከበሉ ጂኦግራፊዊ ኣቀማምጣ፡ ብሰለስተ ውቅያኖሳት ዝተኸበበት ሃገር ምዃና፣ ብደቡብ ድማ ብኣሜሪካ ምኽባባ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ስርዓተ ኢሚግሬሽና ንህዝቢ ክፉትን ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎን ኰይኑ ተራእዩ።

እዚ ኣወንታዊ ስምዒታት ግን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ተቐይሩ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ዶነሊ።ሓደ ምኽንያት ድማ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወሰኽ ግዝያውያን ነበርቲ ናብ ካናዳ ምምጽኡ እዩ።

ቍጽሪ ዓለምለኻውያን ተምሃሮ ካብ 2022 ክሳብ 2023 ብኣስታት 30 ሚእታዊ ከምዝዓበየ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ትምህርቲ ካናዳ ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ቍጽሪ ግዝያውያን ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ይሕብር።

ካልእ ረቛሒ ድማ ስርዓተ ኢሚግሬሽን ካናዳ ተቐባልነቱ እናሃሰሰ ዝመጽእ ዘሎ ስምዒት’ዩ ይብል ፕሮፌሰር ዶነሊ፡ እዚ ድማ ብኸፊል ብሰንኪ ግጉይ ቅማረ መንግስቲ ካናዳ’ዩ።

ማዕከናት ዜና ካናዳ ገለ ዓለምለኻውያን ተምሃሮ ግዝያዊ ቪዛኦም ተጠቒሞም ኣብታ ሃገር ቀዋሚ ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለዉ ጸብጺበን እየን፤ እዚ ዝንባለ ሚኒስተር ሚለር "ዘሰክፍ" ኢሉዎ።

ፕሮፌሰር ዶነሊ፡ እዞም ፍጻመታትን ካልኦትን "መንግስቲ ንዋሕዚ ኢሚግሬሽን ክቈጻጸር ከምዝኸበዶ ክሓስቡ ገይርዎም’ዩ" ኢሉ።

እዚ ኵሉ ስክፍታታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ካናዳውያን ዝጸለወ ቅልውላው ኣባይቲ ዝስመረሉ ምዃኑ ወሲኹ፡ ኣብዚ ሕጽረት ዝርከቡ ንብዙሓት ዋጋ ክራይ ገዛን ክውስኽ ከምዝገበረን ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሓያለ ካብቶም ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ግሩፕ-5 ዝብል ኣገባብ ይዅን ካልኦት ማሕበራትን ትካላትን ከምኡ'ውን ብስራሕን ምብጻሕን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኵነታቶም እንታይ ከምዝመስል፡ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎም ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

እቶም ‘ካናዳ ምስ ኣተና፡ ካብ ተጸባይነት ሓራ ወጺእና፡ ንባዕልና ኴንና ንስድራና ክንሕግዝ’ ብዝብል መንፈስ ካብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ካናዳ ዝኣተው ሰባት እቲ ክውንነት ከምቲ ዝሓሰብዎ ከምዘይጸንሖም እዮም ዝገልጹ።

ዝተፈላለየ ጸብጸባት ከምዝገልጽዎ ገለ ካብቶም ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢትን ሃንቀውታን ንካናዳ ዝኣተው ስደተኛታት ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት ባህላዊ ነውጽን ኣደዳ ወልፊን ጭንቀትን ዝዀኑ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ገሊኦም እውን፡ ተጻባኢ ባህሪ ብምምዕባል ነብሶም ዘጥፉኡን ሰባት ዝቐትሉን ከምዘለዉ ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ኤርትራውያን፡ ኣብ ካናዳ ንኤርትራውያን ዝሓቁፍ ድልዱል ማሕበረኮም ስለዘይጸንሖም ከምቲ ትጽቢት ዝገበርሉ ዝድለ ሓገዛት ከምዘይረኸቡ ይገልጹ።