ብካናዳዊ ትካል ዝተሸለመት ሲስተር ካሕሳ ካብ ትግራይ

 ሲስተር ካሕሳ

ነርስ ሆስፒታል ዓዲግራት ዝዀነት ሲስተር ካሕሳ ሓጐስ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ብዝገበረቶ ሞያውን ሰብኣውን ደገፍ፡ ግሎባል ኣፌይርስ ካናዳ ካብ ዝተባህለ ትካል ሽልማትን ሰላምን ጸጥታን ደቂ ኣንስትዮ ተበርኪቱላ።

ግሎባል ኣፌይርስ ካናዳ ንዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ዝምድናታት ካናዳ ዘመሓድር መንግስታዊ ክፍሊ ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ንግዲ እታ ሃገር የስፋሕፍሕ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ይመርሕ።

ኣብዚ ቕነ ከኣ እቲ ካናዳዊ ትካል ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን “ኣብ ደቂኣንስትዮ፡ ሰላምን ድሕነትን” ዘተኰረ ሽልማት ኣብ ዝሃቡሉ መድረኽ ሲስተር ካሕሳ ሓጐስ እውን ሓንቲ ካብ ተሸለምቲ ክትከውን በቒዓላ።

“ካብ 2013 [ግ] ጀሚሩ ብዝነበረኒ ኣበርክቶ እዩ ተዋሂቡኒ። ንክልተ ዓመት ዝኸውን ነተን ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንከናኸነን ነይርና” ክትብል ንሽልማት ዘብቅዓ ምኽንያት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጐኑ ዝተሰለፉ ሓይልታትን ዝተኻየደ ውግእ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝዀና ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍሊጦም’ዮም።

ኲናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ክውላዕ እንከሎ፡ ሲስተር ካሕሳ ሓጐስ ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራት ኣተሓባባሪት ክፍሊ ክንክን ኣደታትን ህጻናትን ኰይና እያ ትሰርሕ ነይራ።

እቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት እናሓየለ ምስ መጽአ ግን፡ ብዝሒ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኰይነን ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ክውስኽ ጀሚሩ።

በዚ ምኽንያት ሲስተር ካሕሳ ንኣስታት 400 ዝዀና ግዳያት ገዛ ተኻርያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሞያዊ ሓገዝን ክትትልን ክረኽባ ክትገብር ጸኒሓ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ኲናት ምስተጀመረ ብብዝሒ ይመጻና ነይረን። ብጣዕሚ ንጽገም ነይርና። ብዙሕ ዓይነታት ጥቕዓት ዝበጽሐን ኣደታት እየን። ሓኪምናን ኣገልጊልናን ናብ ዝኸድኦ ዘይብለን እውን ነይረን። እቲ ምኽንያት ጉዳይ ድሕነተን እዩ” ትብል።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ምጭንናቕ፡ በዓል ሲስተር ካሕሳ ዝወሰናኦ ውሳነ ሓደ ማእከል ብምድላው እተን ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣብኡ ክጸንሐ ምግባር ነይሩ።

ምስጢራውነት ብዝዓቀበ ኵነታት ድማ ኣብ ሓደ ገዛ እናሓብሐባን እናሓከማን ኣጽኒሐንአን። ንገሊአን ድማ ክሳብ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር እናለኣኻ ዝሓሸ ሕክምና ክረኽብ ገይረን።

“ብዙሓት ተሓከምቲ ነይረን። ፌስቱላ ዘጋጠመን እውን ስለዝነበራ ናብ መቐለ ወሲድና ተሓኪመን ክምለሳ ንገብር ነይርና” ክብል ነቲ ሽዑ ዝነበረ ትዝከር።

ቅድም ኢሎም ዝወጽኡ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝተሳተፉ ኣካላት ተፈጺሞም ካብ ዝበሎም ግህሰታት፡ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ይርከቦ። ሲስተር ካሕሳ ከም እትብሎ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ግዳያት ናብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሪፖርት ገይረን እየን።

ገለ ካብተን ግዳያት ንምሕጋዝ ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ከም ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲግራትን ኣይሲኣርሲን ዝኣመሰሉ ኣካላት ንኡድ ፋይናንሳውን ሞያውን ሓገዛት ከም ዝገበሩላ ተዛሪባ።

“ድሕነት ዘይስምዐን ናብ ቤተክርስትያን ይዅን ካልእ ቦታ ንምኻድ ዝጽገማ ኣደታት ነይረን። ሕዚ’ውን ግን መሊአን ኣይሓወያን። ድሕነተን ኢና ሓሊናለን እምበር ስነ-ልቦነአንን ቍጠባዊ ዓቕመንን ተሃስየን እየን። መድሃኒት ሂብክየን ንምውሓጥ ዝጽገማ እውን ነይረናና” ክትብል ገሊጻ።

እቲ ግዳያት ንምሕጋዝ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ጾታዊ ዓመጽ ዝወረደን ደቂ ኣንስትዮ ስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ስነ-ተዋልዶ ዝረኽባሉ ማእከል ኣገልግሎት ሓደ ማእከል (ዋን ስቶፕ ሴንተር) ንክቐውም ደሪኹ’ዩ።

እንተዀነ እቲ ዝሓለፈቶ ጕዕዞ ኣብ ውልቃዊ ህይወታ ዓብይ በሰላ ከም ዝገደፈን ንልዑል ስነ ልቦናዊ ቓንዛ ከም ዘቃልዓን ትዛረብ።

“ካብ ርእስኻ ዘይፍለ ብዙሕ በሰላታት ኣሎ። ሰሚዕካዮ ዘይትፈልጥ ዓይነት ጥቕዓት ይበጽሐን ስለዝነበረ ክሳብ ንምንባረይ እጸልእ ነይረ። ብቍጠባን ካልእን እናተሃሰኹ እየ ዝሰርሕ፤ ሎሚ ክመውት ጽባሕ ርግጸኛ ኣይነበርኩን” ትብል።

ሲስተር ካሕሳ ሓጐስ

እቲ ኲናት፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓም ምኽንያት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክኸውን እንከሎ ሚልዮናት ተመዛቢሎምን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተቓሊዖምን’ዮም። ብተወሳኺ ኣብቲ ውግእ፡ ገበን ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክብሃሉ ዝኽእሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸሙ እንከለው፡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጻት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

እዘን ግዳያት፡ ስነልቦናዊ ሓገዛት ንኽረኽባ ሕጽረት ሰብ ሞያ ከምዘሎ እትገልጽ ሲስተር ካሕሳ፡ ብርክት ዝበላ ንተመሓላለፍቲ ሕማማት ተቓሊዐን፣ ማሕበራዊ ተነጽሎ ይወርደንን ካብ ሓዳረንን ካልኦት ርክባትን ይሰናኸላ ከም ዘለዋን ገሊጻ።

“ጥቕዓት ክፍጸመን ከሎ ብዙሓት ጸገማት ተወሲኾመን እየን ዝመጽኣ። ኣብ ርእሲኡ ሕማማትን ዘይተደለየ ጥንሲን ኣሎ። ካብ ዘይፈልጥኦም ሰብኡት ንዝወለድኦም ቈልዑ ከዕብያ ዝተገዳዳ እውን ስለዘለዋ ነቶም ቈልዑ ብዝረኣያኦም ቍጽሪ ጽቡቕ ዘይኰነ ስምዒት እዩ ዝፈጥረለን” ክትብል ተረድእ።

ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ኣብኡ ክጽመዳ ምግባር ኣብተን ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ክስራሕ ዘለዎም ናይ ሕውየት ኣማራጺ ከምዝዀነ እትሕብር ሲስተር ካሕሳ “ቅርሺን ካልእ ነገርን ስለዝተሓገዛ ጥራይ ግን ዝመጽእ ለውጢ የለን” ኢላ።

እቲ ሕብረተሰብ ብባህላዊ ኣረኣእያታት ዝተቘረነ ስለ ዝዀነን ግዳያት ዘጋጠመን ጸገም ካልእ ሰብ ክፈልጠለን ስለ ዘይደልያን ዳርጋ ተሓቢአንን ተነጺለን ክነብራ እየን ዝመርጻ።