ኢትዮጵያ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ‘ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ወይስ ገበነኛታት ንምቕጻዕ?’

ባንዴራ ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ከምዘጽደቐ ዝዝከር’ዩ።

ናይዚ ፖሊሲ ዕላማ፡ ኣብ ኵነታት እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ "ዝተዋደደን ዝተናበበን ስርዓት ትግበራን መስርሕን መሰጋገሪ ፍትሒ ምዝርጋሕ" ከምዝዀነ እዩ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ "ዘላቒ ሰላም፡ ዕርቂ፡ ልዕልና ሕጊ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን" ክሰፍን ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ዝገልፅ ሰነድ እቲ ፖሊሲ፡ ሰፊሕ ዘተ ምስ ተኻየደሉ ከምዝፀደቐ እዩ ዝንገር።

ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናትን ተሓታትነት ንምርግጋጽ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ከምዘተግብር ይገልጽ።

ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዝተፈጸሙን ብዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰነዱን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ኣብዚ መሰጋገሪ ፍትሒ ክረኣዩ እዮም።

ክኢላታት ሕግን ምሁራትን ግን ኣብቲ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተኣወጀ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ዝተፈላለዩ ነቐፌታ እናቕረቡ ይርከቡ።

ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ነቲ መስርሕ ክነቕፍዎ ይስምዑ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት 2015 ገለ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ኣብ ኣማራጺታት ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝተኻየደ ኣኼባ ረጊጾም ምውጽኦም ሓደ መርኣዪ እዩ።

ኣብቲ እዋን እቶም ውድባት ቅድሚ ምትግባር ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ "ሃገራዊ ምምኽኻር ክቕድምን፡ ግጭታት ደው ክብልን ኣለዎ" ዝብል መርገጺ ነይርዎም።

‘ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዶ ወይስ ገበነኛታት ንምቕጻዕ?’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ኢትዮጵያ ንምትግባሩ ትዳሎ ዘላ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ካብ ዝቐርብ ነቐፌታ ሓደ ‘ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ኣይኰነን’ ዝብል እዩ።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፡ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ "ካብ ዓለምለኻዊ ጸቕጥን እገዳን ንምህዳም'ዩ" ይብል።

ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተዘርግሐ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጸቕጢ ምቅላሉ ነዚ ከምዘርኢ እቲ ክኢላ ይጠቅስ።

ድሕሪ መስርሕ ምንዳፍ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ፡ ሃገራት ምዕራብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ዝምድና ከሐድሳ ጀሚረን ኣለዋ።

እቲ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብሎ ናይዚ ምኽንያት "ዓለምለኻዊ ተዋሳእቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎም ርክብ ናብ ንቡር ክመልሱን፡ እታ ቁልፊ ምርግጋእ እቲ ዞባ ዝኾነት ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክመልሱን ከረጋግኡን ይደልዩ" እዮም።

“እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ጉድለት ዘለዎ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ገለ ዓይነት ምዕባለ ከምዘሎ መሲሉ ምስታ ሃገር ዘለዎም ዝምድና ናብ ንቡር ክምለሱሉ ምኽንያት ክህቦም እዩ” ይብል።

ኣብ ሄግ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክኢላ ሕጊ ዝዀነ ካሳሁን ሞላ እውን፡ "መንግስቲ ነዚ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ዝጀመሮ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ወይ ድማ ነቲ ዝመጽእ ጸቕጢ ንምጽዋር እዩ ዝብል ክሲ ኣሎ" ይብል።

እቲ ክሲ "ካብ ባዶ ዝተልዓለ" ከምዘይኰነ እውን ወሲኹ ይዛረብ።

"መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸሙ ገበናት ንምጽራይ [ከምኡ'ውን] ነቲ ዘቃልዕዎ ሓቅታት ንምሽፋን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ክኢላታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከልኪሉ" ዝብል ክሲ ጭቡጥ ምኽንያት ከምዘለዎ ይገልጽ።

“[መንግስቲ] ምስቲ ጕጅለ ክኢላታት ክተሓባበር ፍቓደኛ ኣይነበረን። ሽዑ'ውን እንተዀነ፡ ናይታ ጕጅለ ናይ ግዜ ገደብ ንምቍራጽ ይጽዕር ነይሩ።"

“እዚ ዘርእዮ ነገር እንተሃልዩ፡ መንግስቲ ዝተፈሰሙ ገበናት ኲናት ብነጻ ኣካል ክምርመርን ንደገ ክወጽእን ዝደሊ ኣይመስልን” ይብል ወሲኹ።

ጻንሒት ግዜ ናይቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ መርማሪ ጕጅለ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2016 (ግእዝ) እዩ ተዛዚሙ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕድመ ስልጣን እታ መርማሪት ጕጅለ ንምንዋሕ ዝቐረበ እማመ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘይምቕራቡ ክነቕፉ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ተቓውሞታት ከስምዕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ዕድመ ስልጣን እቲ ጕጅለ ንኸይናውሕ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዝፍጸሞም ጥሕሰታት ብኣድማዒ መንገዲ ክከላኸልን ክምርምርን ከምዘይከኣለን፡ ኣብ ክንድኡ ንዅሉ ዘይሓቁፍን ግልጽነትን ዝጐደሎ ጸገም ዘለዎ መስርሕ ምስግጋር ከምዝጀመረን ኣመልኪቱ እዩ።

ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ጀሚርና ኣለና" ምባሉ ሓደ ካብ ምኽንያታት ምቍራጽ እቲ መርማሪ ኮሚሽን ምዃኑ ይጠቅስ።

"መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ምጅማሩ፡ ዓለምለኻዊ ውግዘት ኣጉዲሉ፤ ነቲ ኮሚሽን እውን ክቋረጽ ገይሩ። እዚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ዓወት እዩ” ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኬት ኦርኒን ንኣረኣእያ ክልቲኦም ክኢላታት ዘደልድል መጽሓፍ ጽሒፋ ኣላ። ኬት "ንጃምላዊ ግፍዕታት ተሓታትነት ዝቃወም ምስሉይነትን ሰብኣዊ መሰላትን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ "ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግዴታቶም ምፍጻም ዝኣበዩ መንግስታት... መብዛሕትኡ ግዜ ንዓለምለኻዊ ጸቕጢ ንምምካት መርገጺኦም ብዓቢኡ ይቕይሩ" ትብል።

"መንግስታት ካብ [ዓለምለኻዊ] ጸቕጢ ንምህዳም እኹል እዩ ዝበልዎ ጥራይ እዮም ዝገብሩ" ክትብል ትምጕት።

ንሳ ከምእትብሎ፡ እዚ ጻዕርታት እዚ ብርግጽ፡ ንጭቡጥ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ኣይኰነን።

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ’ውን "መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መቕጻዕቲ ንምህዳም ልዕሊ ዓቕሙ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ "ንዅሉ ዝሓቁፍ ኣይኰነን" ተባሂሉ ይንቀፍ።

ኣቶ ካሳሁን ሞላ "[እቲ መስርሕ] ንመራሕቲ እቲ ግጭት ወይ ልዑል ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተዋፈሩ [ጕጅለታት]፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዘየጠቓለለ" ምዃኑ ይገልጽ።

ወሲኹ "እቶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃለሱ ዘለዉ ብፍላይ ድማ ግጭት ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እንተዘይተሳቲፎም ናብቲ ዝድለ ውጽኢት ይመርሕ እዩ ምባል ኣጸጋሚ'ዩ" ይብል።

ሪፖርተር ጋዜጣ ከምዝሓበሮ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቲ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ መንግስቲ ፈደራል ንበይኑ ስለዝሓዞ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ደም ነዚ ኣብቲ መስርሕ ኣፈጻጽማ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ኣይተ ካሳሁን ይገልጽ።

ምክትል ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ናብ ሚኒስተር ፍትሒ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ "ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመርኮሰ ከምዘይኰነ" ብምጥቃስ ምስ መራሕቲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዘተ ክግበር ሓቲቱ።

ኣብ እዋን ኲናት ሰራዊት ኤርትራ ፈጺምዎ ንዝበሃል ገበን ኲናት ክሕተት ዝኽእለሉ ማዕቀፍ ዘይምህላዎ እውን ከም ድኽመት ይጥቀስ።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ በዓል ሞያ፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምንጻጉ ንዓይ ዘገርመኒ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ሓደ ንጹር ዝኾነሎም ነገር ስለዘሎ" ይብል።

“እዚ መሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ነቶም ተሓተትቲ ኣካላት ክሕተቱ ዘኽእል እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ መርሚሩ ሓላፍነት ክወስድ እዩ ዝብል እምነት የብሎምን፣ ክህልዎም እውን የብሉን" ክብል የብርህ።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረቱ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም እዩ ነዚ ዝገብር ዘሎ። ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ንምምካትን ካልእ ዓለምለኻዊ መስርሕ መርመራ ከይጅምርን ዝሕግዝ ሜላ'ዩ" ይብል።

እቲ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ብኸመይ ይትግበር?

እቲ ክመሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ "ገበነኛታት ብገበናዊ መርመራን ብኽስን ዝሕተቱሉ ስርዓት ክተክል'ዩ" ይብል እቲ ፖሊሲ።

መርመራታትን ክሲታትን "ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ ዘተኮረ" ከምዝኸውን’ውን ይጠቅስ።

በቲ ፖሊሲ ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተባሂሎም ዝተለለዩ ገበናት "ስርዓታዊ፡ ሰፊሕ ወይ ብቕዲ ዝፍጸሙ" እዮም።

እቲ ፖሊሲ ኣየኖት ገበነኛታት ክምርመሩን ክኽሰሱን ምዃኖም እውን የቐምጥ።

"እቲ ጭቡጥ ኵነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኹሎም ገበነኛታት ምጽራይን ምኽሳስን እቲ ዝምረጽ ኣገባብ ኣይኰነን" ይብል እቲ ሰነድ ፖሊሲ። "ኣብ ልዑል ደረጃ ገበን ኣብ ዝተሳተፉ ጥራይ እዩ ክኸውን።"

ካልእ እቲ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝድህስሶ ትካላዊ መስርሕ ገበናዊ መርመራን ክስን እዩ።

ኣብ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ገበናዊ መርመራታትን ክሲታትን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ወጻኢ "ነጻን ዘይሻሕራውን" ኰይኑ ብዝጣየሽ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ክካየድ እዩ።

ዋላ እኳ እቲ ናይ ምጽራይን ምኽሳስን ስልጣን ንነጻ ፍሉይ ኣኽባሪ ሕጊ እንተተዋህበ፡ እቲ ፍርዲ ግን ኣብ ትሕቲ እቶም ዘለዉ ስሩዓት ኣብያተ ፍርዲ ብዝተጣየሸ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝካየድ እዩ ክኸውን።

እቶም ነቲ ፖሊሲ ዝነደፉ ክኢላታት፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ "ብሕጊ ዝምስረት ነጻን ዘይሻራውን ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክኸውን'ዩ፡ እዚ ድማ ዘይከም ስሩዓት ኣብያተ ፍርዲ ናይ ገዛእ ርእሱ ውዳበ ክህልዎ'ዩ" ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

እንተዀነ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ነቲ ፖሊሲ ምስ ኣጽደቘ፡ "ኣብ ትሕቲ ስሩዓት ኣብያተ ፍርዲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክውደብ እዩ" ብምባል ኣመሓይሽዎ።

እዚ ውሳነ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ኣብ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ኣቶ ካሳሁን ኣመልኪቱ።

"ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ህዝቢ ዘለወን ተኣማንነት ኣዝዩ ትሑት'ዩ፤ እዚ ማለት ንፖለቲካዊ ጽልዋ መንግስቲ ዝተቓልዑ እዮም።”

ብመሰረት እቲ ፖሊሲ፡ ገበናዊ ተሓታትነት ቅዋም እታ ሃገር ካብ ዝጸደቐሉ 1987 (ግእዝ) ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን።

ኣብ ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ግን ድማ “ልዑል ደረጃ ተሳትፎ ዘይብሎም" ዝምልከት "ካልኦት መሰጋገሪ ኣገባባት ፍትሒ ተጠቒሞም ጉዳዮም ዝምርመሩሉን ዝፍታሑሉን ስርዓት" ክቐውም ምዃኑ ይገልጽ።

እዞም ካልኦት መሰጋገሪ ፍትሒ ስትራተጂታት ዕርቂ፡ ሓቂ ምጽራይን ቅድመ ኵነት ዘለዎ ይቕሬታን እዮም።

ሚዛን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግብራዊ ክኸውን ይኽእልዶ ?

እቲ ፖሊሲ "ንጥፈታት ሓቂ ምጽራይ፡ ዕላዊ ምግባርን ዕርቅን ብሓድሽ ካብ ጽልዋን ፖለቲካዊ ምትእትታውን ነጻን ዘይሻራውን ኰይኑ ብዝተመስረተ ሓድሽ ናይ ሓቂ ምጽራይ ኮሚሽን ክካየድ'ዩ" ይብል።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ በዚ ፖሊሲ ኣቢላ እትቐውም ኮሚሽን ሓዊስካ፡ ምስ ዕርቂ፡ ምስግጋርን ምምኽኻርን ዝተኣሳሰራ ሓሙሽተ ኮሚሽናት ቈይመን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዕርቅን ምምሕዳራዊ ዶባትን ጉዳይ መንነትን ዝዀነ ይዅን ኣብ መሬት ዝርአ ስራሕ ከይሰርሐ ስልጣኑ ከምዝተዛዘመ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘለዉ ከሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻርን ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶን ስልጣኖም ክዛዘም ትሕቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ’ዩ ተሪፍዎም ዘሎ።

"ኣሳታፊ ዘተ ከካይድ እየ" ዝበለ ኮሚሽን ምምኽኻር ገና ኣጀንዳኡ ኣይዛዘመን። ተጋደልቲ ነበር ናይ ምሕዋይ ስልጣን ዝተዋህቦ ኮሚሽን ተሃድሶ፡ ንስራሑ ዘድሊ ገንዘብ ኣብ ምርካብ እውን ብድሆታት ኣጋጢምዎ እዩ።

እቲ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፡ "ተደጋጋሚ ምምስራት ኮሚሽናት፡ ንመጻኢ ዝዀነ ተበግሶ ቅቡልነት ከምዘይህልዎ ክገብሮ ይኽእል'ዩ" ብምባል ጽልዋ ተደጋጋሚ ምምስራት ኮሚሽናት ይገልጽ።

ኣቶ ካሳሁን፡ "መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም 'ብሓቂ' ዝጅምሩ ኮሚሽናት፡ እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ከምዘይፈቕዶ ንምምሳልን ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ንምምካትን ዝግበር ጻዕሪ'ዩ" ይብል።

"እቲ ሕጂ ክምስረት እዩ ዝተበሃለ ኮሚሽን'ውን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዝድለ ውጽኢት ክረክብ ኣይክእልን እዩ፡ ልክዕ ከምተን ዝሓለፋ ኮሚሽናት፡ ኣብኡ ኮፍ ኢሉ ስርሑ ከይሰርሐ ግዜኡ ከብቅዕ ይኽእል'ዩ።"

ኬት ኣብታ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት መጽሓፋ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጣ ሃገራት "ስኒ ዘይብሉ ኮሚሽን ይፈጥራ" ትብል።

ከምዚኦም ዝበላ ኮሚሽናት ዝምስርታ ሃገራት፡ "ንዑደት ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ የፍሽላ፡ ብተመሳሳሊ ድማ ናይ ምዕፋን ዓቕመን እናዓበያ ናይ ይምሰል ሕግታት የውጽኣ" ኢላ ወሲኻ።

ብመሰረት እቲ ፖሊሲ፡ እቲ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ሓቂ ክደሊን ክገልጽን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድመ ኵነት ዘለዎ ይቕረታ ናይ ምሃብ እውን ሓላፍነት ክወስድ እዩ።

እቲ ፖሊሲ "[ኣብ] ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ገበነኛታት ይቕሬታ ብቝዓት ኣይኰኑን" ብምባል ይቕረታ ዘይክወሃበሉ ዝኽእል ኵነታት ከምዘሎ ይገልጽ።

ካሕሳ ካልእ በቲ ፖሊሲ ዝተቐመጠ ስትራተጂ መሰጋገሪ ፍትሒ እዩ። ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዘይፍትሓዊ ተግባራትን ዝዀኑ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዓይነትን መጠንን ጉድኣት መሰረት ብምግባር ብስርዓት ካሕሳ ከምዝሓልፉ ኣብቲ ፖሊሲ ተገሊፁ ኣሎ።

ንዕላማታት ምጽራይ ሓቂ፡ ዕርቅን ካሕሳን፡ እቲ ፖሊሲ "ሓበሬታን መርትዖን ክሳዕ ዝረክብ" ተግባራዊ ክኸውን እዩ ይብል።

እዚ ድማ "ጥሕሰትን ተጋራጫውነትን ካብ ሱሩ ክምርመር፡ ቁስልታት ክሓውዩን ክጽገኑን፡ ሰላም ብዘላቒ መንገዲ ክረጋገጽን" ስለ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ፖሊሲ ይገልጽ።

ኣቶ ካሳሁን፡ ብሓፈሻ እቲ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኢድ መንግስቲ ምህላዉ ነቲ መስርሕ ውጽኢታዊ ከምዘይከውንን ሓቀኛ ምስግጋር ከምዘይህሉን ስክፍታ ኣለዎ።

ከም መፍትሒ ድማ “ብዘይ ፖለቲካዊ ጽልዋ መንግስቲ ነጻን ዘይሻራውን ስትራተጂታት ንምትግባር ዝሕግዝ መንገዲ ምሕንጻጽ” ዝብል ሓሳብ የቕርብ።

“ሓደ መንገዲ እቲ መስርሕ ብዓለምለኻዊ ክኢላታት ክካየድ ምኽኣል እዩ።”

ዓለምለኻውያን ክኢላታት፡ "ካብ ፖለቲካዊ ጽልዋ መንግስቲ ነጻ ኰይኖም፡ እቲ ዝድለ ተኣማንነት፣ ነጽነትን ዘይሻራዊነትን ናይቲ መስርሕ ንምግላጽ" ናብቲ መስርሕ ክኣትዉ ከምዘለዎም ይሕብር።

እቲ ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት፡ መጀመርታ "ሰላማዊ ፖለቲካዊ ሽምግልና የድሊ" ይብል።

እቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ "ካብ ዞባ ኲናት ኣብ ዘውጽእ ፖለቲካዊ ስምምዕ ክበጽሑ ክኽእሉ ኣለዎም። ሽዑ እዩ መሰጋገሪ ፍትሒ 'ኣገዳሲ' ዝኸውን። ሽዑ እዩ መሰጋገሪ ፍትሒ ንህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክድግፍ ዝኽእል” ኢሉ ይእምት።