ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ምስ ኣምሓራ ዘዋጥጡ ዘለው ከባቢታት እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Tigray Communication Affairs
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንመስርሕ ትግበራን ኣፈጻጽማን ውዕል ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ሎሚ ረቡዕ ንማዕከናት ዜና እታ ክልል መብርሂ ሂቡ።
ጀነራል ታሰደ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከባቢታት ጸለምቲ፡ ተተኺሉ ዝጸንሐ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ክሳብ 30 ግንቦት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ክፈርስ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ጀነራል፡ ምስ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓለፍቲ መንግስትን ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ ምርኩስ ገይሩ መግለጺ ዝሃበ ኰይኑ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝምልከት ውጥን ግዜ ሰሌዳ ኣፈጻጽማ ከም ዘነጸሩ ተዛሪቡ።
ንኵነታት ደቡብ ትግራይ ኣመልኪቱ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተመሳሳሊ መግለጺ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣብሪሁ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ [ብኣቈጻጽራ ግእዝ] ክፍጸም ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል ዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ንሰፋሕቲ ዞባታት ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ጸለምትን ከባቢታት ራያ-ኣላማጣን ተቘጻጺሮም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ዝቐደመ መግለጺኡ ጀነራል ታደሰ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝኣተወ ከባቢታት ብሓይሊ ናይ ምሓዝ መደብ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ ኣብ ኣላማጣን ኮረምን ዝነበረ ምምሕዳር ኣምሓራን ጸጥታኡን ከም ዝፈረሰን ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል ፖሊስን ከም ዝርከብ ኣነጺሩ ነይሩ።
ነቶም ነቲ ቦታታት ተቘጻጺሮም ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣምሓራ ዕጥቆም ናይ ምውራድን ካብቲ ቦታ ናይ ምልጋስን ሓላፍነት መንግስቲ ፈደራላዊ ምዃኑ’ውን ምግላጹ ይዝከር።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናይዚ ፍጻመ መግለጺ ዝሃበ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፡ “ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ክመሃር ዘይከኣለ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ” ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝተፈጸመ መስርሕ ምፍራስ ምምሕዳራት መጠናዊ ምልውዋጥ ተዅሲን ሞትን ምምዝባለን ከምዘስዓበ ተሃቢሩ ነይሩ።
ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ተመዛበልቲ ወገናት ቅድሚ ምምላሶም መሬቶም፡ መንበሪኦምን፡ ቦታ ሕርሻኦም ተታሒዙ ስለ ዘሎ እቲ ፈለማ ዝግበር ነዚ ክውንነት ምቕያርን ምቹእ ሃዋሁ ምፍጣርን" እዩ ኢሉ።
ብወገን ትግራይ ዕጡቓት ሓይልታት 'ካብተን ከባቢታት' ከነውጽእ ኢና ብምባል ድማ፡ እቶም ኣብ ዘይቦታኦም ኣትዮም ዘለዉ ሰፋሮ ክወጽኡ ምዃኖም ኣረዲኡ።
ኣብዚ መግለጺኡ፡ እቲ ቦታታት ብመን እዩ ክተሓዝ? ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍ ክርአ ምዃኑ ዘመልከተ ጀነራል ታደሰ፡ ሓይልታት ትግራይ ክወጽኡ እዮም ዝበሎ ግን ካብ ኣየኖት ከባቢታት እዮም ክወጽኡ ኣየነጸረን።
ንምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት’ውን ኣብቲ ዝርዝር ኣፈጻጽማ ከም ዝጠቓለለ ብምሕባር፡ ኵሉ እቲ ዝርዝራት፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ይዅን ምፍራስ ምምሕዳራትን ምምላስ ተመዛበልትን ዝምልከት ውጥን ኣፈጻጽማኡ ብጕጅለ ቍጽጽርን ምርግጋጽን ሕብረት ኣፍሪቃ ክትትል ከም ዝግበረሉ’ውን ኣመልኪቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







