ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን እንታይ'ዮም ተሰማሚዖም?

ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai TV/fb

ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ውሽጥን ደገን ኣብ ዝሃቦ መበርሂ ብዛዕባ ምስ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግዝኣታዊ ምስሕሓብ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ ንክልቲኡ ክልላት ዘሰሓሕብ ኣብ ደቡብ ራያ ከባቢ ከተማ ኣላማጣ ሓድሽ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ'ዩ ጀነራል ታደሰ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

ገለ ነበርቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ንምጥላብ ናብቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኣምሓራ ዝኣተዉ ከባቢታት ኣብ ዝኸድሉ ብዕጡቓት ከምዝተኮስሎም ይዛረቡ።

ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ብሓይሊ ክኣትዉ ብምፍታኖም ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝተገብረ'ዮም ዝኸሱ።

ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ከባቢታት ደቡብ ራያ ዝተፈጥረ ኩነታት ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝኣተወ ከባቢታት ብሓይሊ ናይ ምሓዝ መደብ ከምዘይብሎም ዝገለጸ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ኣላማጣን ኮረምን ዝነበረ ምምሕዳር ኣምሓራን ፀጥትኡን ከም ዝፈረሰን ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ሃገርን ፌደራል ፖሊስን ከም ዝርከብ ገሊጹ።

ነቶም ነቲ ቦታታት ተቖጻጺሮም ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣምሓራ ዕጥቆም ናይ ምውራድን ናይ ምልጋስን ሓላፍነት ናይ ፌደራላዊ መንግስቲ ምዃኑ እቲ በዓል ስልጣን ኣብሪሁ።

ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ኣብቲ ከባቢታት ከም ዝነበረ ብምምልኻት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዝምታ ዝተሰነየ ስርዓት-ኣልቦነትን ነጊሱ ከም ዝጸንሐ እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ካብ መረበቱ ዝተፈናቐለ ብሚልዮናት ዝግመት ህዝቢ ትግራይ ናብ ከባቢኡ ኣብ ዝምለሰሉ ኩነት ምስ ፌደራል መንግስቲ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢሩ።

ህዝቢ "ዝተወደበ መንገዲ" ዝምለሰሉ ውሑስ ኩነታት ምስተረጋገጸ ንዕኡ ዝምልከት መግለጺን ሓበሬታን ክህቡ ምዃኖም እቲ ጀነራል ቃል ኣትዩ'ሎ።

"ክሳብ ሕዚ ምስ ፌደራል [መንግስቲ] ዘለና ምርድዳእ ጽቡቕ'ዩ፡ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። እቲ ሓደ ስራሕና'ውን ከምዚ ዓይነት ሽግር ከጋጥም እንከሎ፡ እናተዘራረብካ ነቲ ሽግር እናፈታሕካ ምኻድ'ዩ።

"ትማሊ፡ እቲ ኩነታት ካብ ዝፍጠር'ውን፡ ክሳብ ሎሚ፡ እናተዘራረብና [ኢና]፡ ዘይምርድዳእ ከይህሉ'ውን ንጥንቀቕ ኢና" ይብል ጀነራል ታደሰ ወረደ።

ነዚ ስምምዕ ተፈፃሚ ንምግባር ከኣ ህዝቢ ቅድሚ ናብ መረበቱ ምምላሱ ኣብ መሬት ትግራይ ተመስሪቱ ዝፀነሐ ምምሕዳር: መሓውር ሰራሕተኛ መንግስቲን ስርዓት ፍትሒን ክፈርስ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ገሊፁ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝፀንሑ ብዘይካ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ተወሲኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ኣብ ራያ ዘጋጠመ ኩነታት ብስሞም "ጸላእቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ" ክብል ብዝገለጾም ወገናት ዝተፈጠረ'ዩ ኢሉ።

"ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር [ትግራይ] ወይ ህወሓት ዝተፈጠረ ግጭት ኣይኮነን" ክብል ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ምዕባለታትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ብድሆታትን ንምፍታሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይላዘቡ ከም ዘለዉ ጠቒሱ።

እዚ ውሳነ ብደቡብ ትግራይ ተግባራዊ ምግባር ከምዝተጀመረን ዋላ ዓንቀፍቀፍ እንተኣጋጠመ ሰላማዊ መንገዲ ጥራሕ ንምፍፃም ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ካብ ሓይልታት ፌደራል ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ዝጠልብ'ዩ።

እንተዀነ ኣብ ግብሪ ዘይምፍጻሙ ተፈናቐልቲ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ክምለሱ ዘይምኽኣሎም ንመራሕቲ ትግራይ ዓቢ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ብድሆ ኰይኑ'ሎ።

ኣብ መንጐ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘሰሓሕቡ ሰፋሕቲ ከባቢታት ንኽልቲኡ ክልላት ዓብይ ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ድማ ክፍታሕ ዝብል ትጽቢት'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊድ ነባሪ ፍታሕ ኣይረኸበን።

ዛጊድ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበለ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ መረበቱ ዘይተመልሰ ኰይኑ፡ ኣብቶም ግዝኣታት ‘ናይ ህዝቢ ኣሰፋፍራ ለውጢ’ ንምግባር ምንቅሰቓሳት ይግበር ከምዘሎ ግዝያዊ ምመሕዳር ትግራይ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ፣ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዓቢይ ሕማም ርእሲ ኰይኑ ይርከብ።