ክልል ኣምሓራ፡ መግለጺ ምምሕዳር ትግራይ ‘ታሪኻውን ውድዓውን ሓቅታት ዝኸሓደ ምትዅታዅ’ ክብል ምላሽ ሂቡ

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣረጋ ከበደ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMM./FB

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነቲ ብሰኑይ 16 መጋቢት 2016 [ግ] ዝወጸ፣ ኣብ መምሃሪ መጻሕፍቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ብሓይሊ ዝተታሕዘ ግዝኣታት ትግራይ ዘስፈረ ግጉይ ካርታ ይስትምሃረሉ ኣሎ’ ዝብል መግለጺ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣመልኪቱ ምላሽ ሂቡ።

ክልል ኣምሓራ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ግጉይ ካርታ ተሰሪሑ ኣሎ ኢሉ ዝጠቅስ መግለጺ ካቢነ ትግራይ፡ ታሪኻዊ ክውንነት ንህዝቢታት እቲ ከባቢ፡ ጭቡጥ መረጋገጺታትን ውድዓዊ ሓቂን ዝኸሓደ ምዃኑ ብምምልካት፤ ብኣንጻሩ “መጋገዪን ድሌት ጽሕተራ ነገር ዝተሰከመን” ክብል ገሊጽዎ።

ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ብሰኑይ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ኣምሓራ ምስፋርን ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ጌርካ ምስትምሃርን፡ ሓላፍነት ዝጐደሎ፡ ነገር ምጽሕታርን እዩ፤ ብኣጋ ክእረም እንተዘይተገይሩ ድማ ክልል ኣምሓራ ሓላፍነት ከምዝስከም ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ብክልል ኣምሓራ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ካርታ መምሃሪ መጻሕፍቲ ሰፊሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ቦታታት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ክሳዕ'ቲ ኲናት ዝተላዕለሉ ግዜ ሕቶ መንነትን መሰል ርእሰ ምምሕዳርን ክለዓለሎም ዝጸንሐ ከባቢታት ወልቃይት ጸገደ፡ ጸለምቲ ወረዳታት ወፍላን ራያን ምዃኖም ጠቒሱ።

እንተዀነ ነቲ ኣብዞም ከባቢታት ክለዓል ዝጸንሐ ሕቶ ግቡእ ሕጋዊ ምላሽ ከምዘይተዋህቦ እቲ መግለጺ የመልክት።

በዚ ድማ፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ “ስጕምቲ ምኽባር ሕጊ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሶ ደማዊ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብርዑ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ተሰሊፎም ነቲ ቦታታት ከም ዝሓዝዎን፡ ነቲ ንዓመታት ተዓፊኑ ዝነበረ ሕቶ መንነትን መሰል ርእሰ ምምሕዳርን ዘረጋግጽ ኵነታት ፈጢሩ እዩ ኢሉ።

መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ብሓይሊ ዝተታሕዘ ንኽልቲኦም ወገናት ዘከራኽር ዘሎ ከባቢታት ግፍዒታት ክፍጽም ከምዝጸንሕ’ውን ብምጥቃስ፡ “ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ ስሕተት” ዋጋ ከምዘኽፍል ብህጹጽ ክእረምን ጸዊዑ ነይሩ።

እዚ ብ18 መጋቢት 2016 [ግ] ዝወጸ መግለጺ ክልል ኣምሓራ ግን፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብዞም ከባቢታት ልክዕ ከምቲ ካልእ ዞናት እቲ ክልል፡ ህዝቢ ተጠቃሚ ልምዓት ንምግባር ህጻናት መሰሎም ንምሕላው ተጠቀምቲ መኣዲ ትምህርቲ ኰይኖም ከም ዝጸንሑ ኣስፊሩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እዚ ዘይሓልፍነታዊ ዝበሎ ተግባር ክልል ኣምሓራ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ምዃኑ ኣሚቱ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክልል መጥቃዕቲ ካብ ምግባር ድሕር ከምዘይብል ዘመልክት ተዅታዂ መግለጺ፡ ክብል ገሊጽዎ።

ድሕሪ’ቲ መግለጺ ወረዳ ራያ-ኣላማጣ ብ ሰኑይ ምሸት፡ ክሳዕ ሰሉስ ፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ ግጭት፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሚሊሻታት ኣምሓራን ከምዝተኻየደ ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ሞላ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ኣቶ ሃብቱ ኪሮስ ግን ዘጋጠመ ግጭት ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ።

እዋናዊ መግለጺ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝነበርዎ ተንቀሳቒሶም ገለ ቀበሌታት እቲ ከባቢ ብምሓዝ ነበርቲ የጋፍዑ ከምዘለዉ ኣስፊሩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ እቶም ዘካትዑ ከባቢታት ብቐዋምነት ንምፍታሕ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ምስተን ብቐንዱ ምስቲ ጉዳይ ዝምልከተን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ 'ህዝበ-ውሳነ ክካየድ' ምርድዳእ ተበጺሑ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ብምቅዋም፡ እቲ ጉዳይ ብመስረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሕገመንግስቲ መሰረት ብዝገበረ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝግባእ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ።

ካብ ዝቐደመ ጥፍኣት መንእሰያት ትምህርቲ ከምዘይተቐስመ ዘመልከተ ምምሕዳር ኣምሓራ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብዚ ኣጉል ናይ ካርታ ፖለቲካ ወጺኡ ድሌት ህዝቢ ማእከል ኣብ ዝገበረ ዝርርብ ከድህብ'ውን ጸዊዑ።