ክልል ኣምሓራ፡ 'ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ወራር ፈጺሙ'

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ አቶ አረጋ ከበደ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMM

መግለጺ ስእሊ, ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ አቶ አረጋ ከበደ

ክልልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

እቲ ክልላዊ መንግስቲ ሎሚ 17 ሚያዝያ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ክመሃር ዘይከኣለ ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

እቲ ክልል ነዚ ዝገለጸ፡ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብተን ኣከራኸርቲ ዝዀና ከባቢታት ራያ ንመዓልታት ዝጸንሐ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስ ፈደራልን ናብ ከተማታት ከምዝኣተዉን ዕጡቓት ህወሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ከባቢታት ከምዝኣተዉን ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ክልል ኣምሓራ ኣብ መግለጺኡ እቶም ብህወሓት ወራራ ተፈጺሙዎም ዝተባህሉ ከባቢታት፡ ራያ ኣላማጣ፡ ራያ ባላ፡ ኦፍላ፡ ኮረምን ዛታን ምዃኖም ብምግላጽ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ስጉምቲ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

ትማሊ መግለጺ ዝሃበ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ "ደቡብ ትግራይን ወረዳታት ጸለምትን ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝነበሩን፡ ሕቶ መንነት ዝለዓለሎም ዘሎ ከባቢታት፡ ድሕሪ ኲናት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ከምዝኣተዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፈደራል ኣቐዲሙ ካብቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ነበርቲ ተመሊሶም ናይ ገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ክምስርቱ ከምዝፍቀደሎም፣ እቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ድማ ረፈረንደም ብምክያድ ከምዝምለሱ ገሊጹ ነይሩ።

ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ዕጥቆም ክፈትሑ ምዃኖም ጠቒሱ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ረፈረንደም ክካየድ ምዃኑ ዝገለጾ ውሳነ መርገጺ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመገዲ መንግስቲ ፈደራል ኣቢሉ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምዝርራብ ብዙሕ ፈተነታት እኳ እንተተገብረ፡ "ህወሓት ኣማራጺ ሰላም ገዲፉ ነቶም ሕቶ መንነት ዝለዓለሎም ከባቢታት ራያ ኣላማጣ፡ ራያ ባላ፡ ኦፍላ፡ ኮረምን ዛታን ወሪሩ” ኢሉ።

ስለዚ ህወሓት ደማዊ ኲናት ንምክያድ ካብ ምፍታን ክቑጠብን ስምምዕ ፕሪቶርያ ከኽብርን ካብቲ ዝተጎበጠ ከባቢታት ብህጹጽ ክወጽእን ሓቲቱ።

"እዚ እንተዘይኰይኑ ግን መንግስትን ህዝብን ክልል ኣምሓራ ምስቶም ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኢትዮጵያውያን ብምዃን ነታ ሃገር ካብ መገዲ ጥፍኣት ንምድሓንን ህዝብና ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ክግደዱ ምዃኖም ንሕብር" ክብል ኣጠንቂቑ።

ህወሓት ንውዕል ፕሪቶርያ ክጥሕስ ጸኒሑ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ "ህወሓት ብምሉእ ሓይሉ ናብ ኲናት ኣትዩ’ሎ" ክብል ገሊጹ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣማራ (ኣብን) ብወገኑ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓት ብመገዲ ራያ "ቀጥታዊ መጥቃዕቲ" ብምክያድ፡ "ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ" ክብል ከሲሱ እዩ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኣብ ዶብ ከባቢታት ትግራይን ክልል ኣምሓራን ዘሎ ግጭት ኣብ መንጐ ትግራይን ኣምሓራን ወይ ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይማእምኦም ወገናት ዝቕስቅስዎ ዘለዉ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው ኣብ መልእኽቱ፡ እዚ ተግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ዘይደልዩ "ጸላእቲ ናይቲ ስምምዕ" ምዃኑ ገሊጹ።

"ጸረ ፕሪቶርያ" ዝዀኑ "ናይ ቀረባን ርሑቕን" ኣካላት "ምልዕዓል ኲናት" እንተሃለወ እውን፡ እቲ እንኰ መንገዲ "ሰላም"ን "ዘተ"ን ምዃኑ ጠቒሱ።

ብዛዕባ እቶም ሕቶ ዝለዓለሎም ዘሎ ከባቢታት ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ እውን ወሲኹ ኣፍሊጡ።