ምኩራት ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ንምንታይ ናብ ሩዋንዳ ይስደዱ ኣለዉ?

በዓልሞያ ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ሩዋንዳ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ኣዝዩ ዕዉት ጕዕዞ ካብ ዘለዋ ሃገራት ብዝብል ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ካብ ዝረኸባ ሃገራት ሓንቲ እያ።

እታ "መሬት ሽሕ ኣኽራናት" ተባሂላ እትፍለጥ ንእሽቶ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ትሕቲ 15 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኰይና፡ ኣብ ጽላት ጥዕና ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።

መረዳእታ ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ፎረም ከምዘመልክቶ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ሽፋን መድሕን ጥዕና ኣለዎ። 90 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት መድሃኒት ይረኽቡ። 93 ሚእታዊት ካብ ህጻናት ከኣ ክታበት ጸረ ተላባዕቲ ሕማማት ወሲዶም።

ኣብ 2000 ማእከላይ ዕድመ ሩዋንዳውያን 48 ዓመት እዩ ነይሩ፤ ሕጂ እዚ ዕድመ ናብ 67 ደይቡ ኣሎ።

ብርግጽ ሩዋንዳ ክሳብ ሕጂ ብቝጠባ ዝማዕበለት ሃገር እትበሃል ኣይኰነትን። ኣብ መንጐ 2000 ክሳብ 2015 [ኣ. ኣ] ኣብ ዝነበረ እዋን ግን ቍጽሪ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ካብ 40 ሚእታዊት ናብ 16 ሚእታዊት ከተጉድል ክኢላ።

መንግስቲ ሩዋንዳ ኣብ ጽላት ጥዕና ክበጽሖ ዝደሊ ዓቢይ ሸቶ ኣገልግሎት ጥዕና ንዅሉ ክባጻሕ ምግባር እዩ። ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ከኣ እዚ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሉ።

ንምዃኑ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ንምንታይ እዮም ንሩዋንዳ ዝመርጹ? ብኸመይ እዮምከ ናብ ሩዋንዳ ዝኸዱ?

ምኩራት ኢትዮጵያውያን ሓካይም ኣብ ሩዋንዳ

ዶክተር የቆየሰው በለጠ ናብራኡ ኣብ ሩዋንዳ ካብ ዝገብር ዓመትን ፈረቓን ኰይኑዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ተበግሶ ተበጻሕነት ጥዕና ክሊንተን (ክሊንተን ሄልዝ ኣክሰስ ኢኒሺየቲቭ) ዳይረክተር ስርዓተ ጥዕና ኰይኑ የገልግል።

"ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ቦትስዋና ኣብ ዝፈልሱሉ እዋን ኣነ ተማሃራይ እየ ነይረ" ዝብል እቲ በዓልሞያ ጥዕና ማሕበረሰብ ሕጂ ከኣ እዋኑ ብብዝሒ ናብ ሩዋንዳ ዝኽየደሉ ምዃኑ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝበሎ ፈለማ ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ሞያ ሕክምና ክሰርሕ ናብ ካልእ ሃገር ምስ ከደ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሎ ዕድል ንመሳርሕቱ [ኣብ ዓዲ ንዘለዉ] ይሕብረሎም፤ በዚ ከኣ ካልኦት ሓካይም ክወጽኤ ይጅምሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘገልገለ ዶክተር የቆየሰው ብሞያኡ ኣብ ዛምብያ እውን ሰሪሑን ተቐሚጡን ነይሩ።

እቲ ክኢላ ጥዕና ከምዝብሎ ኣብ ሩዋንዳ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ሓካይም 'ሰብ-ስፐሻሊስቶች' እዮም።

“እዚ ማለት ንኣብነት ሓደ ሓኪም ኣብ ውሽጣዊ ሕክምና ወይ ሕክምና ማህጸን ወይ ሕክምና ህጻናት ‘ስፐሻላይዝ’ ይገብር። ብድሕሪኡ ንኣብነት ኣብ ውሽጣዊ ሕክምና ሓኪም ልቢ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ክሳብ ክንደይ ዓበይቲ ክኢላታት ምዃኖም ዘርእየና እዩ" ክብል የረድእ።

ብቐንዱ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ርዋንዳ ንጉስ ፋይሳል ንኢትዮጵያውያን ሰብሞያ ቈጺሩ ዘስርሕ'ኳ እንተዀነ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ሆስፒታላት እውን ዘገልግሉ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ንሆስፒታላት ካብ ምምሕዳር ጀሚሩ ክሳብ ገሊኦም ስፐሻሊስት ገሊኦም ድማ ንኡሳን ስፐሻሊስት ኰይኖም የገልግሉ ምህላዎም ዶክተር የቆየሰው ይዛረብ።

ዶክተር ዘሪሁን ኣበበ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ንጉስ ፋይሳል ክኸውን እንከሎ ዶክተር ሃና ኣበራ ድማ ሓላፊት ክፍሊ ጋስትሮኢንትሮሎጂ እያ።

ኣብ ሩዋንዳ ካብ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, BBC/KING FAISAL

ዶክትር የቆየሰው ከምዝበሎ ብውሕዱ ካብ 20 ክሳብ 30 ኢትዮጵያውያን ሓካይም ኣብ ሩዋንዳ ይሰርሑ ኣለዉ።

ነርስታትን ክኢላታት መደንዘዚ - ኣንስተዚያ - ብዙሕ ዝበሃል ኣይኰነን። ንኽልተ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሩዋንዳ ብምኻድ ብሞያኦም ሰሪሖምን ተመኵሮኦም ኣካፊሎምን ዝምለሱ ክኢላታት እውን ኣለዉ።

ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብን ካልኦት ዓውዲታትን ዝምህሩ ካብ 10 ክሳብ 15 ዝዀኑ ክኢላታት ከምዘለዉ እቲ ዶክተር ወሲኹ ይዛረብ።

"ኢትዮጵያ ብብዝሕን ዓይነትን ሓያለ ሰብ ሞያ ሕክምና ስለዘሰልጠነት እዮም እዞም ሰብ ሞያ መጺኦም ዝሰርሑን ዘሰልጥኑን ዘለው። ንሕና ክኢላታት ጥዕና ማሕበረሰብ ከኣ ስትራተጂ ኣብ ምውጻእን ምምኽኻርን ንሰርሕ" ይብል።

እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ውድብ ጥዕና ዓለም ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰብ ሞያ ሕክምና ን 1000 ሰባት ናይ ምብጻሕ ስትራተጂ ድሕሪ ምምጽኡ መንግስቲ ሩዋንዳ ነዚ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንምዕዋት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ።

ሓድሽ ዝተሸመ ሚኒስተር ጥዕና ሩዋንዳን ምኽትሉን፡ “ነዚ ትልሚ ንምዕዋት ይሰርሑ ኣለዉ” ዝብል ክኢላ ጥዕና ማሕበረሰብ ዶክተር የቆየሰው እታ ሃገር እናሰርሐ ክምህር ዝኽእል በዓል ሞያ ከምዘድልያ ይጠቅስ።

“ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ሩዋንዳ ክመጽኡ ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ስትራተጂ እታ ሃገር ዕድላት ስራሕ ስለዝፈጠረ’ዩ። ሩዋንዳ ዘቐመጠቶ መዐቀኒ ዘማልኡ ብዙሓት ክኢላታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ንሰብ ሞያ ሕክምና ኣዝዩ ትሑት ገንዘብ ዝኸፍላ ሃገራት እያ። እቲ ህሉው ኵነታት ብዙሓት ዕድሎም ንምፍታን ዓዶም ገዲፎም ክወጽኡ ዝገብር እዩ" ክብል ተወሳኺ ምኽንያት የቐምጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣምሓርኛ፡ ሰብሞያ ጥዕና ንምንታይ እዮም ናብ ኪጋሊ ክኸዱ ዝደልዩ? ኣብ ዝብል ሓሳቦም ንምስማዕ ናብ ሩዋንዳ ተጓዒዙ እኳ እንተነበረ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ጥዕና ግን ብግልጺ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቦም።

ዶክተር የቆየሰው ግን እቲ ካልእ ምኽንያት "ሞያ ንምምሕያሽ ዝውሰድ ስጕምቲ" ከምዝዀነ ብምሕባር ነዚ ንምብራህ ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮታት ይጠቅስ።

“ነዓይ እንተሓቲትካኒ ክኢላ ዓለምለኻዊ ጥዕና ክኸውን እየ ዝደሊ። ዝዀነ በዓል ሞያ ንሞያኡ ዓለምለኻዊ ብዝበሃል ደረጃ ከማዕብል ይደሊ እዩ። ስለዚ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኻድ ሰሪሖም ንሞያኦም የማዕብሉ። ኣብ ዓለምለኻዊ ጥዕና ኣሰሮም ከዕርፉ ይደልዩ። እቲ ስደት ካብ ጸገማት ጥራይ ዝብገስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ ኣይኮነን” ክብል የረድእ።

ኣብ ሓደ እዋን ሰብ ሞያ ሕክምና ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ከየገልግሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ንዘውጽኦ መምርሒ ዝዝክር እቲ ዶክተር፡ "ቀይድና ክነጽንሖም ዝፈተንናሉ እዋን ነይሩ፤ ግን ዝጠቅም ኣይኰነን" ብምባል ዝዀነ በዓል ሞያ ናይ ምስራሕ መሰሉ ክሕሎ ከምዝግባእ ገሊጹ።

መንግስቲ ሩዋንዳ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ዝሓዞ ውጥን ንኽዕወት ምስ ዓለም ለኸ ትካላትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዩኤስኤ ኣይዲንን ተበግሶ ተበፃሕነት ጥዕና ክሊንተንን ሓዊሱ ብዙሓት ዓለምለኻውያን ትካላት ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ይሰርሑ ኣለዉ።

ክኢላታት ሕክምና ድማ ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን በዞም ትካላት ኣቢሎም እውን ናብ ሩዋንዳ ከምዝኸዱ ዝሕብር እቲ ዶክተር "ጽቡቕ ጥቕማ ጥቕሚ፣ ጽቡቕ ደሞዝን ጽቡቕ ኵነታት ስራሕን ኣመቻችዮም እዮም ናብዛ ሃገር ዘምጽእዎም" ይብል።

"ንሕና [ኢትዮጵያውያን] ኣብ ስትራተጂታት ብዙሕ ዘይንሕመ'ኳ እንተዀንና ነቶም ስትራተጂታት ንምዕዋት ምቹእ ናይ ስራሕ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ግን ብዙሕ እዩ ዝተርፈና። እቲ በዓል ሞያ ጥዕና ስርሑ ብግቡእ ከይሰርሕ ዝዓግትዎ ብዙሓት ንፈልጦም ብድሆታት ኣለው" ክብል የረድእ።

ንሱ፡ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ተጓዒዞም ልምዲ ምርካቦም ዝጠቅም እምበር ጉድኣት ዝህልዎ ከምዘይኰነ እዩ ዝምጕት።

“ሰብ ሞያ ጥዕና ኣፍሪና ኣለና፤ እቶም ሓካይም ኣብታ ሃገር ኣገልጊሎም ኣለዉ። ስለዚ ካልኦት ዕድላት ክርእዩ ምግባር እውን ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሓደ እዋን ኩሉ ሰብ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ። ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ሰብሞያ ጥዕና ኣብ ዓዶም እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉ እንተርኢና ኣዝዩ ዘኹርዕ እዩ" ይብል።

ዶክተር የቆየሰው ምስ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክሊንተን

ምንጪ ስእሊ, DR. YEKOYESEW/LINKEDIN

ካብ ሩዋንዳ እንታይ ትምህርቲ ምውሳድ ይከኣል?

ቅድሚ 30 ዓመታት ብዘስካሕክሕ ኲናት ሓድሕድን ድኽነትን ትሳቐ ዝነበረት ሩዋንዳ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥዕናን ቱሪዝምን ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ዓውዲታት ብደረጃ ኣፍሪቃ ከም መርኣያ እትጥቀስ ሃገር ኰይና ኣላ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2018 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ብድሕሪ’ቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ጭፍጨፋ ኣብ ዝነበሩ 20 ዓመታት ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ብዕጽፊ ወሲኹ’ሎ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብ ሩዋንዳ ኣገልግሎት ጥዕና ካብ ምምሕያሹ ብተወሳኺ ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ከምዝወሰኸን መጠን ሞት ኣደታትን ዕሸላትን እውን ከምዝነከየን የመልክት።

ሩዋንዳ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ከም ኣብነት እትጥቀስ ሃገር ክትከውን ዝኸኣለት "ንጹር ስትራተጅን ተሓታትነትን" ስለዘሎ ከምዝዀነ ዶክተር የቆየሰው ይዛረብ።

“ሓንቲ ሃገር፡ ሓደ ፖሊሲ ጥዕና፡ ሓደ ስትራተጂ ኣለዎም። ነዚ ስዒቦም እዮም ዝሰርሑ" ይብል።

ወሲኹ “ሓደ ሰብ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኣቢሉ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከሎ፡ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓላፍነት ንምፍጻም እዩ። ሓላፍነቱ እንተዘይፈጺሙ ኣይጸንሕን እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘቕንኣኒ ነገራት እዩ” ክብል ገምጋሙ የቐምጥ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዋና ዳይረክተር ኰይኑ ዘገልገለ እቲ ዶክተር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ እኳ ስትራተጂ እንተሃለወ ትግባረኡ ግን ድኹም ከምዝዀነ ይገልጽ።

"ኣብ ሓደ እዋን ብመሰረት ደረጃ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሓት ሓካይም ነሰልጥን ተባሂሉ፤ ስልጠና ከኣ ተዋሂቡ። ስራሕ ግን ኣይነበሮምን። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰብሞያ ጥዕና ተቓውሞኦም ከስምዑ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ነይሮም። ክልላት እየን ሓካይም ክቘጽራ ዝኽእላ። መንግስቲ ፈደራል ንሆስፒታላትን ትካላት ፈደራልን ጥራይ እዩ ክቘጽር ዝኽእል። እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ ስትራተጂ ጽቡቕ እናሃለወ እቲ ዝቘጽር ግን ዝደለዮ ክገብር መሰል ኣለዎ" ብምባል ነቲ ኵነታት ኣብሪሁ።

እቲ ሓኪም ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዝቐንኣሉ ካልእ ነገር ሰላምን ጸጥታን ምዃኑ ይዛረብ። ብፍላይ ሰብ ሞያ ጥዕና ሰላማዊ ዝዀነ ናይ ስራሕን መንበርን ቦታ የድልዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ይጠቅስ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሩዋንዳውያን ኣብ ጽሬት ዘለዎም ኣተሓሳስባ ካልእ "ናብ ኢትዮጵያ እንተዝወስዶ" ኢሉ ዝምነዮ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ጽሬት ኣብ ጥዕና ኣበርክቶ ስለዘለዎ።

ከተማ ኪጋሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ዘላ ሳልሰይቲ ቀዳም "ኡሙጋንዳ" ተብዕል። እዛ ዕለት ኩሉ ሰብ ወጺኡ ንከባቢኡ ዘጽርየሉ መዓልቲ እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘላ ራብዓይቲ ሰንበት "ካብ መኪና ነጻ መዓልቲ" እያ። ክሳብ ሰዓት11፡00 ቅድሚ ቀትሪ መካይን ኣብ ጽርግያ ኣይርኣያን።

"ብርግጽ ኣብ ሃገርና እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተፈቲኑ ዝጠፍአ ተግባር እዩ። ኣብዚ ግን ዋዛ የለን። ኵሉ ሰብ እዩ ዘኽብሮ” ይብል እቲ ዶክተር።

“ኣብ ሩዋንዳ ጸገም የለን። ፍጽምቲ ሃገር እያ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ። ግን ከኣ ጸገማቶም ኣነጺሮም ይሰርሑሉ ኣለዉ። ነዚ እዩ ድማ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ጥራይ ዘይኰኑስ ካልኦት ወጻእተኛታት እውን እናመጽኡ ዝሰርሑ ዘለዉ” ይብል።

ሩዋንዳውያን ንኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ዝህብዎ ክብሪ ዝለዓለ ምዃኑ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

"ኣብ ሃገርና ዘሎ 'ስርዓት' ስነ-ልቦናዊ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ። ውሕስነት ኣይስምዓካን እዩ። ብልሽውናን ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓን ከምኡ እውን ቢሮክራሲ፡ ብኽነት ግዜን ጉልበትን ብሩህ ዝዀነ ነገር ንኸይረኣየካ እዩ ዝገብር" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።