ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ምፍታሕን ምጥያስን ዘኽእል ዘተ ኣብ መቐለ ተጀሚሩ

ዕጡቓት ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፣ ንምብታንን ናብ ማሕበረሰብ ንምፅንባርን ዘኽእል ኣፈናዊ ዘተ ቅድመ-ትግበራ፡ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ተጀሚሩ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኣይተ ተመስገን ጥላሁን፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝጀመረ ዘተ ተወከልቲ መንግስቲ ፌደራል፣ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ነቲ ስምምዕ ዝከታተል ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባላት ምርግጋፅን ኣኽበርትን ኮሚቴን ከም ዝተረኸቡ፡ ብመንገዲ ኤክስ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ምክትላት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾኑ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተረኸብሉ ኣኼባ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ምብታን፣ ኩለንተናዊ ብዝኾነ መልክዑ ናብ ሕብረተሰብ ንምፅንባር፡ ፕሮግራምን ፕሮጀክታትን ምንዳፍን ከምኡ’ውን ኣብ ፈላማይ ትልሚ ቅድመ-ትግበራ ዝርርብ ከም ዝግበርን ተገሊፁ።

እቶም “ተዋጋእቲ” (ሓይልታት ትግራይ) ኣብ ዝፋነውሉ ኣብ ዝተመረፁ ከባብታት ዑደት ከም ዝካየድ እቲ ኮምሽነር ኣአንፊቱ።

ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ኣብ ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያን ሰነድ ትግበራ ናይሮቢን፡ ሓይልታት ወፃኢን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ዘይኰኑን ሓይልታት ክልልን ካብ ትግራይ ኣብ ዝወፅእሉ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣፅዋር ከም ዝፈትሑ ተደንጊጉ ይርከብ።

ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕን ናብ ማሕበረሰብ ንምፅንባርን ዘኽእል ዘተ ቅድመ-ትግበራ

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL REHABILITATION COMMISSION

ኣብ ሕዳር 2020 ኵናት ትግራይ ምውልዑ ስዒቡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻታትን ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ጐኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተዋግኡ ይዝከር።

እንተኾነ ግን ድሕሪ እቲ ስምምዕ እውን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ንሓያለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ሰብመዚ ኣምሓራ፡ እቲ ከባቢታት ብሓይሊ ዝተወሰደ ኣካል ክልሎም ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ።

ቅድሚ ሕዚ ምርኽኻብ ከበድቲ ኣፅዋር ከም ዝተገበረ ዋላ እኳ እንተተገለፀ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ምፍናውን ምጥያሽን ብዝተፈጠረ ምድንጓይ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ሕዚ’ውን ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዘይምትእምማን ከምዘሎ ምግላፁ ይዝከር።

እቲ ፕረዝደንት፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ “ዕጥቂ ንምፍታሕ ድሌት የብልኩምን፣ ሰራዊትኩም ተጠንክሩን ምስ ካልኦት ሓይልታት ትሰርሑ ኣለኹምን” ዝብል ወቐሳ ከምዘቕረበ ገሊፁ ነይሩ።

መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ “መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ንምድኻም ይንቀሳቐስ ኣሎ፣ ተመዛበልቲ ንከይምለሱ’ውን ዕንቅፋት ኰይኑ” ከም ዝበሉ፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ እዋን ሓቢሩ እዩ።

ፕረዝደንት ጌታቸው፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 270 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዘለዉን፡ ነዚ ሰራዊት እዚ ንምብታንን ንምጥያሽን ዘድልይ ባጀት፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓላፍነት መንግስቲ ፌደራል ከም ዝኾነ ምግላፁ ይዝከር።

ኮምሽን ሃገራዊ ተሃድሶ፡ ኣብ ሸውዓተ ክልላት ዝርከቡ 371,971 ተዋጋእቲ ነበር ዳግማይ ንምጥያሽ ልዕሊ 760 ሚሊየን ዶላር ከም ዘድሊ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ገሊፁ ነይሩ።

እቲ ኮምሽን ኣብ ፈላማይ ዙር፡ ካብ ትግራይ 75 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዘጣይሽ ምግላጹ ይፍለጥ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ካልእ ተግባራዊ ዘይኰነ ጉዳይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ከም ዝኾነን፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ፍታሕ ከም ዝረክብን ሓቢሩ ነይሩ።

ንኵናት ትግራይ ስዒቡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻታትን ክልል ኣምሓራ ንገለ ከባብታት ደቡብ ትግራይ፣ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳራዊ መሓውር ከም ዝመስረተ ይፍለጥ።

ምክትል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ እዚ “ዘይሕጋዊ ምምሓዳር” ክሳብ 30 ሰነ 2016 ኣቆፃፅራ ግእዝ ንምፍራስ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ገሊፁ’ዩ።

መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ነቲ ኵናት ስዒቡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ወረዳታት ፀለምትን ዝተመስረተ ምምሕዳር ክሳብ 30 ጉንበት ከም ዝፈርስ ኣሚቱ ነይሩ።

ምምሕዳራዊ መሓውራት ኣብ ምፍራስን ምምላስ ተመዛበልትን ዝምልከት ዝርዝር ትልሚ ከምዝወጸን፡ ኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ንተፈፃምነቱ ክቆፃፀር ትጽቢት ይግበር።