ትግራይ፡ ድሕሪ ኲናት ህይወት ዝበልዕ ዘሎ ሓደጋታት ነተጕቲ

ቍምቡላታት

ምንጪ ስእሊ, QOLA TENBEN ADMIN

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ምምሕዳር ወረዳ ቆላ ተንቤን ዝወጸአ ጸብጻብ ነይሩ። እቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻባዊ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዘሎ እዋን ብሰንኪ ዝተቐበሩን ከይተፈንጀሩ ኣብ መሬት ዝተረፉን ኣጽዋራት ልዕሊ 100 ሰባት ህይወቶምን ኣካሎምን ስኢኖም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ተኽላይ ተስፋይ፡ “ኣብ ከባቢና ተፈንጀርቲ ዘይተዘርኣሉ ክፋል ዳርጋ የለን” ይብል።

ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ሓቢሮም ዝወፈሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ናብ ኵሉ ከባቢታት ወረዳ ቆላ ተንቤን ከምዝኣተዉን ነዊሕ ከምዝጸንሑ ዝዛረብ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ነዚ ስዒቡ ዝተቐበሩ ይዅኑ ከይተፈንጀሩ ዝተገድፉ ቀለልትን ከበድትን ኣጽዋራት ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ገሊጹ።

“ኣብ ኵለን ጣብያታት ብዝበሃል ደረጃ ዘይተፈንጀሩ ነቶጕቲ ተቐቢሮምን ኣብ ልዕሊ መሬትን ኣለዉ። ጻላእቲ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ወረዳና 112 ሰላማውያን ሰባት ኣካሎምን ህይወቶምን ስኢኖም፤ እቶም ዝሞቱ ሸሞንተ እዮም” ኢሉ።

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ መሬት ሕርሻን ካልእ ቦታታትን ዝተዘርኡ እቶም ነተጕቲ ብነበርቲ ብፍላይ ድማ ብቘልዑ ከምኡ’ውን ብእንስሳታት ኣብ ዝትከፉሉ እዋን እዮም እናተፈንጀሩ ሓደጋ ዘብጽሑ ዘለዉ።

ቈልዑ ብዘይፍላጥ ከም መጻወቲ ክጥቀሙሎም ከለዉ፤ ዓበይቲ ድማ ነቲ ሓጺን ፈልዮም ንምውጻእ ወይ ንገለ ክፋል ናይቲ ተፈንጃሪ ከም ናይ ገዛ መገልገሊ መሳርሒ ከዳልውዎ ኣብ ዝፍትኑሉ ስለዝፍንጀር መንቀሊ ሞትን ምጕዳል ኣካልን ኰይኑ’ሎ።

“ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጣብያ ነዊ ክልተ መናእሰይ ቁምቡላ ረኺቦም ምስ ነኻኽእዎ ስለዝተፈንጀረ ህይወቶም ስኢኖም። ሓንቲ ቈልዓ ድማ ኣብ ገዛኣ እናተጻወተት እንከላ ዝተንከፈቶ ነታጒ ተፈንጂሩ ኣካላ ጐዲላ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ሪፈር ተባሂላ ኣብኡ ትርከብ” ዝብል ኣመሓዳሪ ወረዳ ቆላ ተንቤን ኣቶ ተኽላይ ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ዝነብር ህዝቢ እታ ወረዳ ከቢድ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'ቍምቡላ ዘይተዘርአሉ መሬት ትግራይ የለን'

ብሰንኪ’ቶም ዝተቐበሩ ይዅኑ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተደርበዩ ቀለልቲን ከበድቲን ተፈንጀርቲ ደበና ሓደጋ ዘንጸላለዎ ከባቢታት ትግራይ ብዙሓት እዮም። ምኽንያቱ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንዝተፈላለዩ ሓይልታት ዘሳተፈን ናብ ሰፊሕ ከባቢታት ዝተዘርግሐን እዩ ነይሩ።

“ኣብ እዋን እቲ ኲናት ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት ኣዝዩ ገዚፍ ጥምረት ስለዝፈጠሩ፡ ሰፊሕ ኲናት እዩ ተኻይዱ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ትግራይ ካብ ጥይት ጀሚሩ ዝተፈንጀረን ዘይተፈንጀረን ከቢድ ቍምብላታት ነፈርቲ ኣሎ” ይብል ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሓላፊ ክፍሊ መሃንዲስ ኮሎኔል ገብረሚካኤል ሓጐስ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ኵሉ ከባቢታት እቲ ክልል ዘሎ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ዝሓበረ እቲ ኮሎኔል፡ እቶም ነተጕቲን ጠያይትን “ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መሬት ሕርሻ፡ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት፣ ዲፖታትን ውግእ ዝተኻየደሎም ከባቢታትን ብብዝሒ ተዘሪኦም ኣለዉ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ብዙሕ ቦታታት ትግራይ ብዘይተተኰሱ ነተጕቲ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ’ሎ። ብፍላይ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ከባቢኡ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ንሓደጋ ተቓልዓይ ክኸውን እዩ። ስለዚ ሰፊሕ ስራሕ የድሊ” ይብል።

በቶም ከይተፈንጀሩን ከይመኸኑን ህዝቢ ኣብ ዝነብረሎም ከባቢታት ዝተገደፉ ቀለልቲን ከበድቲን ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኮሎኔል ገብረሚካኤል፡ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ሓደጋታት ከጋጥም ከምዝጸንሐ ብምሕባር “ሰፊሕ መጽናዕቲ ምክያድ ከድልየና እዩ” ኢሉ።

“ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከባቢ ስንቃጣ፣ የጭላ - ቆላ ተንቤን፡ ዞባታት ማእከልን ምዕራብን ሓደጋታት የጋጥሙ እዮም። እቶም ዓይነታት ነተጕቲ ከም መዳፍዕ፡ ሞርታራትን ነፈርቲን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ሰብን እንስሳን ጉድኣት ይበጽሕ ኣሎ” ይብል ወሲኹ።

ዝተኣከበ ቦምባታት

ምንጪ ስእሊ, QOLA TENBEN ADMIN

እንታይ ይግበር ኣሎ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቆላ ተንቤን ንዅሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ሰፊሕን ጽዕጹዕን ኲናት ከምዝተኻየደ ዘዘኻኽር ኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ኣቶ ተኽላይ፡ ነቲ ልዕሊ ዓቐን ተዘሪኡ ዝተረፈ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ተፈንጀርቲ ናይ ምውጋድ ዓቕሚ “የብልናን፤ ግን ዘሻቕል ኵነታት እዩ ዘሎ” ይብል።

ሕብረተሰብ ግንዛበ ክሕዝን ንነብሱ ክሕሉን ኣስተምህሮ ምሃብ ከም ሓደ ኣማራጺ ይሰርሑሉ ምህላዎም ብምሕባር ድማ፡ “ኣብዚ ከባቢ ነታጒ ኣሎ” ዝብል ጥቆማ ነበርቲ ክበጽሖም እንከሎ፡ “ናብኡ ኣይትቕረቡ፤ ክሳብ ዝለዓል ተጠንቀቑ! . . .” ዝብል ማዕዳ ካብ ምሃብ ወጻኢ ከይዶም ከልዕልዎ ወይ ከምክንዎ ዝኽእሉሉ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ኣረዲኡ።

“ብውሱን መልክዑ ግን ቀሊል ዓይነት ነታጒ እንተዀይኑ ኣብዚ ከበቢና ንዘለዉ ኣባላት ሓይሊታት ትግራይ ሓበሬታ ሂብና ከልዕሉልና ንገብር ኢና። ኣብ ኵለን ጣብያታት ስለዘሎ ግን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ፤ መሳርሒ እውን የለን” ኢሉ።

ኲናት ደው ኢሉ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝፍጸም ንደሓር ነቶም ዝተቐበሩን ዘይተቐበሩን ‘ሕዳጋት ኲናት’ ምእራይ ወይ ምምካን ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምእማን ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሓላፊ ክፍሊ ምህንድስና ኮሎኔል ገብረሚካኤል፡ እቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ግን “ኣብያተ ትምህርቲ ክጸረ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝዀነ” ኣረዲኡ።

“ኣብ መጋቢት 2015 [ግ] ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብተን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቈጻጸረን ከባቢታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ተፈንጀርቲ ክጸርያ ተገይሩ። ኣዝዩ ብዙሕ ነተጕቲ እዩ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ተረኺቡ” ይብል።

እቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረ ነተጕቲ ናይ ምጽራይ ስርሓት ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ ልዕሊ 1900 ኣብያተ ትምህርቲ ንምጽራግ ተወጢኑ ኣብ ኵለን ፈተሻ ብምክያድ ጸርየን። ትምህርቲ’ውን ተጀሚሩ።

ክልላዊ ዓቕሚ እንታይ ይመስል?

ዝዓነወት ታንኪ

ነቶም ተፈንጀርቲ ናይ ምእራይን ምምካንን ስራሕ ብዓቕሚ ግዚያዊ ክልላዊ መንግስቲ ዝግበር ጻዕሪታት ዘሎ እኳ እንተዀነ ብመንጽር ስፍሓቱን ዓይነቱን ግን ክንድ’ቲ ዝግባእ ይሰርሓሉ ኣሎ ዝበሃል ከምዘይኰነ እዩ ዝዛረብ።

“ኣብ ኵሉ ከባቢታት ትግራይ ካብታ ዝነኣሰት ጥይት ክሳብ ቍምቡላታት ነፈርቲ እዩ ዘሎ። ኣብ መቐለ እኳ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝደርበያኦ ተፈንጃሪ ገሊኡ ዝተተኮሰ ገሊኡ ዘይተተኮሰ እዩ። ዝወጽአን ዘይወጽአን ኣሎ። ሕዚ’ውን ነውጽኦ ኢና ዘለና። ከምዚኦም ዝበሉ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እውን ኣለዉ” ዝበል ኮሎኔል ገብረሚካኤል ነዚ ብመጽናዕትን በዓልሞያን ኣሰኒኻ ክስራሕ ዝግባእ ዕዮ ከምዝዀነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ህዝብና ኣብ ገዛኡን ሕርሻኡን ብዘሎ ነቶጕቲ እንታይ ይበጽሖ ከምዘሎ ንሪኦ ኢና ዘለና። ስለዚ ክስርሓሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ገለ ገበርቲ ሰናይ እውን መጺኦም ብውልቆም ክሰርሑ ይፍትኑ እዮም። እዚ ግን ፌደራል መንግስቲ ከማእክሎን ተሓባቢርካ ክስራሕን ኣለዎ” ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ “ብወገንና ሕጽረት ሰብ ሞያ የብልናን፤ እቲ ቀንዲ ጸገም፡ ሕጽረት ፋይናንስን መሳርሕን እዩ። ብዓቕሚ መንግስቲ ክልል ጥራይ ዝስራሕ ኣይኰነን። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ቆላሕታ እንተዝገብረሉ” ክብል ነቲ ዘሎ ሕጽረት ኣብሪሁ።

እዞም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ክሳብ ምስኣን ህይወት ዝበጽሕ ሓደጋ ዘስዕቡ ዘለዉ ተፈንጀርቲ ናይ ምእራይን ምምካንን ስራሕ ክሳብ ዝካየደ ግን፡ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብፍላይ ሓረስቶት ዘካይድዎ ኵሉ ንጥፈታት ብጥንቃቐ ክኸውን ኣተሓሳሲቡ።