መቐለ፡ ንጉድኣት ኲናት ትግራይ ዘገልግል ሓድሽ ማእከል ተኸፊቱ

ኣብ ትግራይ ማእከል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ተመስሪቱ ኣሎ። ኣብቲ ማእከል ፍሉይ ክትትልን ሕብሓበን ዘድልዮም 'ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ከምዝሰፍርሉ' ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፀሖምን እሞ ድማ ኣብ ኲሓ መለስ ካምፓስ ዝነበሩ 292 ብቐዋምነት ምሕብሓብ ዘድልዮምን ጉዱኣት እቶም 235 ናብቲ ሎሚ ብዕሊ ዝተኸፈተ ማእከል ኣትዮም ኣለዉ::
እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ማእከል ዘይተረኸቡ 57 ጉዱኣት ኣብ ዝመፅእሉ እዋን ክኣትዉ ምዃኖም ተገሊፁ ኣሎ።
ኣብቲ ማእከል ንዝኣተዉ ብብርኪ ሓደ ንዝተመደቡ ጉዱኣት ኲናት ዝሕብሕቡን ድጋፍ ዝህቡን 205 ሰብ ሞያን ሰራሕተኛታትን ተመዲቦም ኣለዉ።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ፡ "ጉዱኣት ኲናት ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣይተማለአልናን"፡ "መንግስቲ ትግራይ ረሲዑና " ዝብል ጥርዓን ብምሓዝ ኣብ ከተማ መቐለ ብተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።
እኹል ሕክምናዊ ክንክንን ማሕበራዊ ኣልያን ከምዘይግበረሎም ዝነበረ ብምግላጽዮም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ነይሮም።
ኣብቲ ግዜ : ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ጥርዓን ሕቶን እቶም ጉዱኣት ብምስማዕ ሕቶኦም ቅኑዕ ከምዝኾነን ደረጃ ብደረጃ ንምምላእ መንግስቲ ይሰርሕ ምህላዉን ገሊፁ ነይሩ::
እቲ ተመስሪቱ ዘሎ ማእከል ብሓልየት ማሕበረሰብ ንግዲን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ከምዝተመስረተ ምክትል ኮምሽነር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ተጋዳላይ ናስር መምሑር ዘቕረቦ ፀብፃብ የረድእ።
ትካላት ትእምት ኣብ ምምስራት እቲ ማእከል ግዲኤን የበርክታ ከምዘለዋ ዝገለፀ ናስር 13 ትካላት ትእምት 145 ሚልዮን ከምዝመደባ ተዛሪቡ።
እቲ ሓድሽ ማእከል ኣብቲ ቅድሚ ሎሚ ኣካዳሚ መለስ እናተበሃለ ዝፍለጥ ኣብ መቐለ ቀበሌ ባዶ ሰለስተ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ እዩ ተመስሪቱ።
ን280 ሓብሓቢ ዘድልዮም ጉዱኣት ኲናት ዘተኣናግድ ኮይኑ ንጉዱኣት ዝምቹው ክፍልታት ሕክምና፣ ፅሬት፣ መመገቢን መዘናግዒን ዘማለአ ማእከል እዩ።
ናብቶም ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ቦታታት ዝወስድ ንተሽከርካሪ ወንበር መገዲ ዘለዎ ኮይኑ ቀረብ ማይን መብራህቲን እውን ዘካተተ እዩ።
ጉዱኣት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝረኽብሉ: ናይ ደቂተባዕትዮን ኣንስትዮን ዝተፈለየ ክፍልታት ፅሬትን መመላኽዕን'ውን ተዳልይሉ ኣሎ።
"እቲ ማእከል ኣብ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ጉዱኣት ብርኪ ሓደ ዝነበረ ክፍተት ኣብ ምምሕያሽ ትርጉም ከምዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን ደኣ'ምበር ንቕድሚት ክማልኡ ኣለዎም ዝበሃሉ ዓበይቲ እታወታት ከምዝተርፍዎ ግን ምግንዛብ የድሊ" ኢሉ ተጋዳላይ ናስር።

ሎሚመዓልቲ ንማእከል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ብርኪ ሓደ ብወግዒ ዝኸፈትዎ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤን እዮም።
ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ መድረኽ፡ "ጀጋኑ ዝግበኦም ሕክምናዊ ይኹን ካልእ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ክረክብ ብፍላይ ኣብቲ ማእከል ዝጎድሉ ስራሕቲ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ንምፍፃም ድልዋት ምዃንና ብስም ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ቃል ይኣቱ" ኢሉ።
ብሰንኪ ግፍዒ ከምዝተጋደለት ዝገለፀትን ሓንቲ ካብቶም ናብቲ ማእከል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ዝኣተዉን ተጋዳሊት ኢዮርሳሌም ሃብቶም "ባዕለይ ንህዝበይ ኢለ ስለዝወፃኹ ተጣዒሰ ኣይፈልጥን ክጠዓስ እውን ኣይደልን" ብምባል መጉዳእታ ነስሓ ከምዘይፈጠረላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ፃንሒት ገሊፃ።
ኮይኑ ግና እቲ ማእከል "ምስቲ ሓድሽ ምዃኑ ብዙሕ እኳ ተዘይተዛረብኩሉ እንተኾነ ግን ኣብ ሓደ ክፍሊ መደቀሲ ሽዱሽተ ጉዱኣት ኢና ዘለና እዚ ድማ ሰለስተ ክንከው ይግባእ እየ ዝብል" ብምባል ዘለዋ ርእይቶ ትገልፅ።
ካልእ ካብ ከባቢ ዘላምበሳ ዝተጋደለት ጉድእቲ ኣካል ተጋዳሊት ኢዮርሳሌም ወልዳይ "ወዲ ተሸጕጡን ተሓቢኡን ዝፀንሐ ንስድራ ጀጋኑ ከጋፍዖም የብሉን። ስድራ ሰማእታት ብደንቢ ክረአዩ ኣለዎም" ኢላ።
ኣባል ሓልታት ትግራይ ዝነበረት ኢዮርሳሌም ሃብቶም "ብፍቓድ ናብ ዓዲ ኣብ ንኸደሉ ግዜ ንስድራ እንትንረክብ ኣዝዩ እዩ ዝኸብደና" ብምባል መንግስቲ ንስድራ ስውኣት ብዕሊ መርድእ ክነግር ከምዝግባእ ትምሕፀን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







