ካብ ሰራዊት ዝተሰናበቱ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ እንታይ ይብሉ?

ብመሰረት እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝተሳተፉ ኣሽሓት ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰለማዊ ህይወቶም ይፋነው ኣለው።
እቲ ብረቡዕ 26 ሓምለ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምፍናው፡ ልዕሊ 55 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ድሮ ተሰናቢቶም።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ኰይኑ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ዝነበረ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ነቶም ኣባላት ሰራዊት “መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ” ክብል ገሊጽዎም።
"እቶም ዝሰናበቱ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ እዮም" ክብል ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ ናእዳኡ ገሊጹ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ሕሱም ኲናት ካብ ኵሎም ወገናት፡ ብዙሓት ከምዝሞቱን ኣካሎም ከምዝጐለን ጸብጻበት ይሕብሩ።
እቲ ምፍናው ኣባላት ሰራዊት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝትግበር ዘሎ ዀይኑ፡ 'ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ፡ ጐድኑ ጐድኑ ድማ ሓይልታት ወጻኢ ካብ ትግራይ ክወጽኡ' ዝብል ዓንቀጽ ይርከቦ።
ቅድም ክብል፡ ሰራዊት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋራት ንመንግስቲ ፈደራል ምርካቡ ዝዝከር እዩ።
እቶም ኣብ መላእ ትግራይን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ኣብ ምግዳል ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምስጋና ዝገልጽን ተሳትፎኦም ዘረጋግጽን ወረቐት ምስክር ተዋሂብዎም ተሰናቢቶም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል፡ እቶም ኣባላት ናብ ንቡር ህይወቶምን ስርሖምን ክምለሱ ትጽቢት ይግበር።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምፍናው ተረኺቡ፡ ካብቶም ዝተሰናበቱ ኣባላት ሰራዊት ኣዘራሪቡ ኣሎ።

‘ቀጻሊ፡ ውሑስ ሰላም ክኸውን ኢና ንደሊ’
ተጋዳሊት ሮዛ ሃይለ ኣብ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ኣ.ግ] እያ ናብቲ ቓልሲ ተጸንቢራ። ሮዛ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ምውልዑ ኣብ ሽራሮ ተምሃሪት 10ይ ክፍሊ ከም ዝነበረት ትገልጽ።
እቲ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ግን ትምህርታ ከተቋርጽ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ መረበታ’ውን ክትፈናቐል ተገዲዳ።
ምስ ከምኣ ዝበሉ ብዙሓት ተመዛበልቲ ድማ ኣብ ሽረ ክትነብር ጀሚራ። እቲ ኵነታት እናኸፍእ ምስ ከደ ግን ክትጋድል ወሲና።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፡ ኣብ ዓፋር ከምኡ’ውን ክሳብ ደብረብርሃን ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ተሳቲፋ እያ።
ካብ ኣባልነታ ብኽብሪ ብምስንባታ ሕጕስቲ ምዃና እትገልጽ ሮዛ፡ “ቀጻሊ ሰላም፡ ውሑስ ሰላም ክኸውን ኢና ንደሊ” ትብል።
“ሰላም እንተዀይኑ ኣብ ዓደይ ሽራሮ ክቕመጥ እየ ዝደሊ” ብምባል ድማ ናብ ንቡር ህይወታ ክትምለስ ዘለዋ ሃንቀውታ ትገልጽ።

‘ቂር ዝበለኒ ነገር ኣሎ'
ኣፈወርቂ ገብረማርያም፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ዞባ ምዕራብ፡ ቃፍታ ሑመራ ነጋዳይ እዩ ነይሩ።
“ሆቴል ኔሩኒ፤ ካልእ ናይ ሕርሻ ስራሕቲ’ውን የሳልጥ ኔረ። ጽቡቕ መነባብሮ፡ ጽቡቕ ሂወት ኔሩና” ይብል።
ይዅንእምበር፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝፈጠሮ ሽግርን ግፍዕን ''ተገዲድና ናብቲ ቃልሲ ወጺእና” ብምባል ኣብ 2013 ናብ ቃልሲ ከም ዝተጸምበረ የመልክት።
ከይሓሰቦን ከይተጸበዮን ናብ ምግዳል ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ብርክት ዝበሉ ግንባራት ተሳቲፉን ብጥይት ተወቒዑን እዩ።
ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ህይወት፡ “ዓብዪ ዩኒቨርሲቲ እዩ” ብምባል ይገልጾ። “ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ብዙሕ ትምህርቲ ኢና ረኺብና'' ድማ ይብል።
ንሱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ተዳልዩ ኣሎ።
“እዛ ምስክር ወረቐት ምስግና ሒዘ ብምውጻአይ ሕጕስ እየ። ንህዝቢ ትግራይ ኢለ ወጺአ፡ ንህዝቢ ትግራይ ድማ ግቡአይ ፈጺመ፡ ብዙሕ ፈተና ኣሕሊፈ፡ 'ግቡእካ ፈጺምካ ኢኻ እሞ ኪድ ናብ ህዝብኻ፡ ምስ ህዝብኻ ንበር' ኢሉ ስለዝሰደደኒ መንግስተይ ኣነ ብወገነይ ሕጕስ እየ።”

እንተዀነ ግን ብዛዕባ ክልተ ጉዳያት “ቂር” ከም ዝበሎ ኣይሓብእን።
'እዚ ዘይተወሃበና፡ እዚ ዘይተገበረልና' ክብሉ ዝኽእሉ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣይክሕድን፤ “ኣነ ንሱ ኣይብልን እየ” ክብል ድማ እቲ ስንበታ ካብ ታሕጓስ ብተወሳኺ ኣብ ካልእ “ሕውስውስ” ዝበለ ስምዒት ቅሬታ ከም ዝፈጠረሉ ይሕብር።
“ሓደ ናብቲ ህዝቢ ከይድና እንታይ ኢና ክንብል? እቶም ዝተሰውኡ ብጾትናኸ እንታይ ይብሉና ቤተሰቦም?” ዝብል ነገር እቲ ቀንዲ ዘተሓሳሰቦ ነገር ምዃኑ የስምረሉ።
“እቲ መሬት ትግራይ’ውን ነጻ ኣይኰነን። እቲ ህዝቢ ትግራይ’ውን ናብ ቦትኡ ኣይተመልሰን። ተደርቢዩ እዩ እኒሀ ፎቘድኡ፡ ውሉድን ወላዲን ኣይተራኸበን። ገሊኡ ኣብ ምግዳል ጠፊኡ ዝቐረየ ኣሎ።”
እዚ ሕቶታት ንምልዓል መድረኽ ከምዘይረኸቡ ቂር ይብሎ።
ብዛዕባ መጻኢ ክዛረብ ከሎ ድማ “መሬትና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ነጻ ክዀነልና ንደሊ ኢና፡ ሰላም ንደሊ ኢና፡ ውግእ ኣይንደልን፡ ሞት ኣይንደልን” ብምባል ምሕጽንታኡ ይገልጽ።
ጀነራል ታደሰ ካልእ እንታይ ኢሉ?
ኣባላት ሰራዊት ናብ ሕብረተሰብ ናይ ምውህሃድ ዕማም ብፌደራል ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ክስራሕ እኳ እንተነበሮ፡ ገለ ምድንጓያት ከምዝነበረ ጀነራል ታደሰ ተዛሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ክጅምር ካብ ዝግበኦ ኣትሒዙ ምድንጓዩ ዝገለጸ ጀነራል፡ ንሰላም ክብል ቀዳማይ ዙር ምስንባት ተጀሚሩ ከምዘሎ ይገልጽ።
ዕጡቓት ሓይልታት ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ሕብረተሰብ ክውሃሃዱን ሰላማዊ ናብራ ክመርሑን ዘኽእል ‘ሃገራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ’ ቆይሙ ንሓሙሽተ ዓመት ክጸንሕ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ነይሩ።
ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፡ ካብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ሓዊሱ ዕጡቓት ዝነበሩ ዳግም ምጥያስ ዓብዪ ወፃኢ ከምዝሓትት ገሊጹ ነይሩ።
ጀነራል ታደሰ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተሰናቢቶም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ዘጽንሕ ገንዘብ ከምዝተውሃቦምን፣ ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ቀዋሚ መደብ ምጥያስ ክገብረሎም ትጽቢት ከምዝግበርን ጠቒሱ።
ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ዘላቒ መደብ ምጥያስ ይዳሎ ከምዘሎ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጉዱኣት ሰራዊት ትግራይ፡ ዘድሊ ሕክምናዊ ድጋፍን እኹል መግብን ክዳንን ስለዘይተዋህቦም ኣብ ሽግር ምውደቖም ብምግላጽ ህዝባዊ ተቓውሞ ምክያዶም ዝዝከር እዩ።
እቲ ጀነራል፡ ካልእ ዘልዓሎ ጉዳይ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያን ናይ ኣፈጻጽማ ሰነድ ናይሮብን፡ "መንግስቲ ፌደራል ዛጊድ ንትግራይ ክምለሱ ዝግበኦም ከባቢታት ኣይመለሰን፡" ይብል።
ገለ ሰራዊት ትግራይ ኣብዞም ከባቢታት ክጸንሕ "ተገዲዱ" ይብል።
ውዕል ፕሪቶርያን ናይሮቢን፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ሓይልታት ትግራይ፡ ናይ ወጻኢን ዘይፈደራላዊን ሓይልታት ምክልኻል ካብ ትግራይ ምስ ወጹ ብሓንሳብ ከም ዝፍጸም ይጠቅስ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ስለዘይወጹ ከም ሓደ ዕንቅፋት ኰይኑ ይጥቀስ ኣሎ።
ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ዝከታተል ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ከምኡ እውን ሰሜናዊ ከባቢታት ትግራይ ከይበፅሕ ከምዝተኸልከለ እውን ተገሊፁ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







