ኣብ ኲናት ዝጸንሑ መንእሰያት ትግራይ ብኸመይ ናብ ንቡር ህይወቶም ይምለሱ?

ምንጪ ስእሊ, YOHANNES
መራሕቲ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝኣተውዎ እሞ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ሕልምን ራእይን ብፍላይ መንእሰያት ኣሰናኺሉ እዩ።
ክንዮ እቲ ዝወረደ ነገራዊ ዕንወት፡ ኣብቲ ሰብ ብቐንዱ ዝወረደ ስነኣእምሮኣውን ስነልቦናውን ሃስያ ቀሊል ኣይኰነን። እዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ድማ ንዅሉ - ነገራውን መንፈሳውን - ሃስያ ምጽጋን ዝጠልብ ኰይኑ'ሎ።
ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ነገራት ናብ ንቡር ይምለስ'ኳ እንተሎ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ሃዋሁ ምሉእ ብምሉእ ክምለስ ግን ዝከኣል ኣይመስልን።
እዚ ይዅን ግን፡ ዝነበሮም ኣጥፊኦም፡ ኣብ ኲናት ተሳቲፎም ዝተመልሱ፡ ኣንጻር ኵሉ ዝገጥሞም መሰናኽላት ከኣ፡ ህይወቶም ስርሖምን ሞያኦምን ናብ ንቡር ክመልሱ ዝጽዕሩ ኣብነታውያን መንእሰያት ኣለዉ።
ሓደ ካብኦም ኣብ ስነጥበብ ዝነጥፍ ዝነበረ፡ ማእከል መሰልጠኒ ትልሂት ከፊቱ ከየንቲ ክሳዕ ምፍራይ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ክሊፓት ደርፊ ዘፍርየሉ ‘ፈንቅል ፊልም ፕሮዳክሽን’ ዝተሰምየ ትካል’ውን ኣለዎ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዳሳትን ኣዳራሻትን ጽንብላት ዘድምቝ፣ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት'ውን ‘ትርግታ ልበይ ዝረኽቡ?’ ዝበሃለሎም ሙዚቃታት ዘጻውት፣ በዚ እዋናዊ ኣጸዋውዓ ‘ዲጄ’ እዩ።
ክልቲኦም፡ ብዝነበሮም ህይወት ሕጕሳት፣ ሰብ ተስፋን ጻዕርን እዮም ነይሮም።
መንእሰይ ኤፍሬም ሰለሙን ብኢንዳስትሪ ፊልም ክዓቢ፡ ብኡ ኣቢሉ ኣተሓሳስባ መናእሰይን ሕብረተሰብን ዝቐርጹ ትሕዝቶታት ከፍሪ ዘኽእሎ ዓቕሚን ንዋትን ኣውፊሩ፡ ብኽልተ እግሩ ደው ኢሉ።
ወዲ 27 ዓመት ዮውሃንስ ማላኺ (ወዲ ማላኺ) ድማ፡ ጐኒ ጐኒ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ጾር ሓላፍነት ስድራ ከፍኵስ ሓርኰትኰት ይብል።
እሞ ብኸመይ ይተኣከቡ?
ጽቡቕ ኣታዊ፡ ንኻልኦት ዝኸውን ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ውዑይ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝነበሮም ኤፍሬምን ዮውሃንስን፡ ብሰንኪ እዚ ኲናት ካብቶም ጕዕዞ ህይወቶም ፍጹም ካብ ትጽቢታቶም ወጻኢ ዝዀነ መገዲ ክሓልፍ ዝተፈርዱ ብዙሓት መንእሰያት ትግራይ እዮም።
“ጽቡቕ ኣታዊ ነይሩኒ። ኣብ ጽቡቕ ተስፋ፣ ጫፍ ዕብየት በጺሐ ኢለ ኣብ ዝሓሰብኩሉ ኩነታት፡ ዝሓሸ ህይወትን ዕድላት ስራሕን ክህልወኒ እዩ ኢለ ተስፋ ኣብ ዝገበርኩሉ ግዜ እዩ ኲናት መጺኡ” ይብል ኤፍሬም።
ዓበይቲ ፊልምታት ብትግርኛ ናይ ምስራሕ ሕልሚ ከም ዝነበሮ ዝዛረብ ኤፍሬም፡ ኣብቲ እዋን ናይ መጀመርታኡ ዝዀነት ‘ህይወተይ’ ዘርእስታ ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ዘድሃበት ፊልም’ውን ሰሪሑ ወዲኡ ከም ዝነበረ ይዝክር።
መብዛሕትኦም ምስ ገለ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ብምትሕብባር ብመልክዕ ሓጸርቲ ሰነዳዊ ፊልምታት ክሰርሖም ዝጸንሐ ስርሓት፡ ብቐንዱ ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት ትዅረት ዝገበሩ እዮም።
በዚ ኣቢሉ፡ ንዘይሕጋዊ ስደት ምኽንያት ኰይኖም ዝቐርቡ ምኽንያታት እንታይ’ዮም? ግዳይ እዚ ማሕበራዊ ቅልውላው ዝዀኑ ዘለው መናእሰይ ነዞም ጸገማት ብኸመይ በዲሆም ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክልወጡ ይኽእሉ? ዝብል ዘድሃቡ ምንባሮም ይዛረብ።
ካልኦት ኣብ መንእሰያት ዝርኣዩ ወልፍታትን ሳዕቤናቶም ዝድህስሱ ስርሓት’ውን የቕርብ ነይሩ።
“ኰታ ኣብቲ እዋን፡ ብብዙሕ ስራሕቲ ኣብ ጫፍ ዕብየት በጺሐ’የ ኢለ ንርእሰይ ኣእሚነዮ ነይረ። ምኽንያቱ ፊልም ‘ህይወተይ’ መጽናዕቲ ገይረ፣ ክሳብ ዶብ ሱዳን ከይደ እየ ሰሪሐዮ። በቲ ሽዑ ግዜ ልዕሊ 280 ሽሕ ብር ወጻኢ ገይረ እየ ሰሪሐዮ፤ ጽቡቕ ተስፋታት ርእየሉ ነይረ። ብቐሊሉ ልዕሊ 2 ሚሊዮን ብር ክረኽበሉ ምኽኣልኩ፡” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, EPHREM
እዚ ፊልም፡ ትርጕም ቋንቋ እንግሊዘኛ ተሰሪሕሉ ዓለምለኻዊ ተበጻሕነት ንኽህልዎ፡ ካልኦት ብዩትዩብ ዝፍነው ተኸታተልቲ ድራማታት ንምስራሕ ኣብ ዘኸእሎ ደረጃ ከም ዝነበረ ኤፍሬም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
“ኲናት ምስ ጀመረ ግን ኵሉ ነገር ብሓንሳብ ጸልሚቱ። ኲናት ውሽጣዊ ስምዒትን ሞራልን ትግራዋይ ሰይሩ’ዩ።”
ድሕሪ’ዚ፡ ናብ ሓይልታት ትግራይ እዩ ተጸንቢሩ።
ሙዚቃ ብምጽዋትን ብንግድን ዝመሓደር ዝነበረ መንእሰይ ዮውሃንስ ማላኺ’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ጸኒሑ ኣሎ።
ንሱ፡ ብዝተመረቐሉ ሞያ ኮንስትራክሽንን ኮንክሪትን ስራሕ ክረክብ ስለ ዘይክኣለ’ዩ ብ2008 ዓ.ም [ግእዝ] ናይ ‘ዲጄ’ ስራሕ ጀሚሩ።
እዚ ስራሕ፡ “ናይ ሰብ ስምዒት እተንብበሉ፡ ንባዕልኻ’ውን እናተዛነኻ ገንዘብ እትረኽበሉ’ዩ” ዝብል ዮውሃንስ፡ ብኸምኡ ዘዋህለሎ ገንዘብ ተጠቒሙ ፍቓድ ንግዲ ስሚንቶ ኣውጺኡ ኣብ ንግዲ’ውን ክሰርሕ ምጽንሑ ይዛረብ።
እዚ ኣዐርዩ እግሪ እንከይተኸለ ግን ኲናት ተወሊዑ፤ ንሱን መሓዙቱን ከኣ ኵሉ ገዳዲፍና ናብ በረኻ ወጺኦም።
“ዘስተማቕሮ ህይወት ነይሩኒ፤ ሰሪሕካን ርሂጽካን ትኣቱ፣ ብዝሰራሕካዮ ገንዘብ ትረክብ፣ ስድራኻ ትሕግዝ እንተዄንካ ደስ ይብለካ፤ ሽዑ ሸውዓተ ስድራ ይሕግዝ ነይረ። እዛ ኲናት እዚኣ ግን ብዙሕ ኣምሂራትና፤ ኣብ ምንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዝነበርና ኣርእያትና።
"ዋጋ ሰላም ክንድኡ ኣይርድኣናን ነይሩ፤ ሰሪሕና ገዛና ንኣቱ እንተነበርና’ውን ዋጋኣ ብዙሕ ኣይተረድአናን ነይሩ። ኲናት ዓድና ብኸመይ ንድሕሪት ከም ዝመልሳ፡ ሰብ ከም ዝፈናቐለ፡ ኣብ ላዕሊ ዝነበረ ሰብ ናብ ታሕቲ ከም ዝወርድ ኣርእዩና፣ ከቢድ እዩ፡” ብምባል ኣዝዩ ብዝተሰብረ መንፈስ የውግዕ።
‘ኲናት ናይ ምፍጣር ዕድል ኣሎ እንተተባሂሉ . . .’
እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ መሰረታዊ ትሕተ ቕርጺ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ክዓንው፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ገይሩ እዩ።
ብመሰረት ቃል ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሊቃ ኦሊሰንጕን ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
እቲ ኲናት፡ ኣብ ሕዳር 2022 [ኣ.ኣ] ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ቅድሚ ምባሉ ኣብ ዝነበራ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ፡ መራሕቲ ህወሓት ስድራቤታት የገድዱን መናእሰይ ይገፉን ምንባሮም ይግለጽ።
ኤፍሬምን ዮውሃንስን ናብ ሓይልታት ትግራይ ዝተጸንበርሉ ምኽንያት ሓቲትናዮም።
ንሶም፡ ጥምየት፡ ግዱድ ምፍንቓል ስድራቤታት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ዝተፈጸሙ ጾታዊ መጥቃዕታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን መሓዙቶምን ዝወረደ ቅትለት ከም ዘገደዶም ይዛረቡ።
“እቶም ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ቀለልቲ ኣይነበሩን፡ ኣብ ማህበረ ዴጐ፡ ኣክሱምን ዝተፈጸሙ ግፍዒታት ብቪድዮን ካልእን ንርእዮ ነይርና ኢና። እዚ ብዙሕ ሰብ ኣለዓዒሉ’ዩ” ዝብል ኤፍሬም “ኣብ ከተማ ኰፍ ኢልካ ብጸቕጢ ኣእምሮ ንባዕልኻ እተጥፍኣሉ ኵነታት’ውን ክፍጠር ስለ ዝኽእል ናብ ገድሊ ምጽንባር ዝሓሸ ኣማራጺ ነይሩ። ኣብ ገዛ ካብ እትመውት ኣብ በረኻ ክትመውት ትመርጽ ማለት እዩ” ኢሉ።
“ኣነ’ውን እቲ ዝበጽሕ ዝነበረ ግፍዒ ኣዝዩ የሕምም ስለ ዝነበረን ንርእሰይ’ውን ኣብ ኢድ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቐ ካብ ብዙሕ መከራ ስለ ዝወጻእኩን እየ ከይደ” ዝብል ዮውሃንስ ብወገኑ፡ ኣብ ትምህርትን ስራሕ ዓለምን ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ኣብቶም ሓይልታት ተጠርኒፎም ከም ዝጸንሑዎ ገሊጹ።
ሕጂ ግን እቶም ብዅሉ ሸነኽ ዝቐርቡ ዝነበሩ ፕሮፖጋንዳታት ኲናት ደው ኢሎም፡ ኣብ ረጽሚ ዝጸንሑ ሓይልታት ፈደራልን ትግራይን ብውሑድ ዘልዓሉዎ ኣፈሙዝ ኣውሪዶም መገዲ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ኲናት፡ እቲ ዝኸበደ ብድሆታት ብህይወት ምትራፍ እዩ ዝብሉ እዞም መናእሰይ፡ ንገለ ካብ ደብዳብ ድሮን፡ ዝምታን ዝተረፋ ኣቝሑቶም ጠራኒፎም፡ ጠቐረን ኣራጊፎም ናብቲ ቅድሚ ሕጂ እግሪ ዘትከሎም ስራሕቶም ክምለሱ ጻዕሪ ክገብሩ ጀሚሮም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, YOHANNES
እዞም መናእሰይ ገለ ካብቶም ናብ ንቡር ህይወቶምን ስርሖምን ንምምላስ ጻዕሪ ጀሚሮም ዘለው ኰይኖም፡ ካብቶም ሓይልታት ክሰናበቱን ሲቪላዊ ህይወቶም ክመርሑን ዝጽበዩ ካልኦት ብዙሓት’ውን ኣለው።
“ምሉእ ብምሉእ'ኳ እተዘይተሰናበትኩ፡ ካብ ፋሲካ ዝሓለፈ ሚያዚያ ንደሓር ናብ ስሩዕ ህይወት ክምለስ ጀሚረ ኣለኹ። ተመስገን እየ ዝብል” ይብል ዮውሃንስ።
ኤፍሬም፡ መብዛሕትኡ ናይ ፕሮዳክሽን ኣቝሑቱ ዓንዩ፡ ገሊኡ ብድሮን ተወቒዑ፡ ስፒከራት ተሰሪቝ ስለ ዝጸንሖ፡ መሳለጥያታት ስርሑ ካብ ናይ ሞያ መሓዙት እናለመነ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ይዛረብ።
ግን ምሉእ ሰላም ክሳብ ዝረጋገጽ ብዙሕ ሰብ ተስፋ ኣብ ምቝራጽ’ዩ ዘሎ ዝብል ኤፍሬም ብወገኑ፡ “መንግስቲ’ውን ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ስለ ዘሎ ክቈጻጸሮ ኣይከኣለን፤ ብዙሕ ደሃዩ ዝጠፍአ፡ ንዕኡ ዝጽበ ወላዲ ኣሎ” ብምባል ስክፍታኡ ይገልጽ።
ኤፍሬም፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ሰላም ቀጻልነት ክህልዎ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።
“ኲናት ናይ ምፍጣር ዕድል ኣሎ እንተተባሂሉ፡ ኲናት ኵሉ ስለ ዝፈተኖ፡ ፍረ ኣለዎ ኢሉ’ውን ክሓስብ ስለ ዘይክእል ህይወተይ ኣብ መገዲ ዘይጠፍእ ኢሉ ፍልሰት እዩ ክሓስብ” ብምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ክልል ከቢድ ፍልሰት መናእሰይ ከየጋጥም ከም ዝሰግእ ተዛሪቡ።
“ሕጂ መንእሰይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝወጽእ ዘሎ፤ እቲ ዝበዝሕ ድማ ኣማራጺ ስለ ዝሰኣነ እምበር ኣብዚ ኰፍ ክብል ዝደሊ ኣይኰነን።
"ብዘይካ እቲ ኣብ ንግድን ካልእ ምንቅስቓስን ዝጸንሐ ሰብ፡ ገሊኡ ሽጋራ፡ ገሊኡ ካልእ ነገራት ለሚዱ’ዩ መጺኡ፤ ሓሳብካ’ውን ክሰምዓካ ዘይክእል መንእሰይ ብዙሕ እዩ። ሰፊሕ ሕውየት ንክትገብረሉ ሰፊሕ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። መንእሰይ ዘይብላ ዓዲ ክኣ ዓዲ ኣይኰነትን፣ ክትለምዕ ኣይትኽእል፤ ሕጊ ክህልዋ ኣይክእልን” ይብል ኤፍሬም።
'ሕውየት ውሕስነት ካብ ምግናይ እዩ ዝጅምር'
‘ኣበሳ ኣልቦ ንጽህቲ ዓደይ፤ ክንደይ መከራ ክንደይ’ከ ኲናት . . .” ዝብሉ ተለላታት ግጥሚ ኣብ መጸውዒ ስልኪ ዮውሃንስ ይስምዑ።
“ሙዚቃ ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ’ዩ - ሰብ ክሓስብ፡ ክጭነቕ፡ ክሕጐስ እንከሎ ብሙዚቃ እዩ ዝገልጾ” ይብል።
‘ዲጄ’ ዮውሃንስ፡ ሕጂ ኣብ ገለ ዳሳት መርዓ ወይ እንዳትልሂት ተረኺቡ ብዘጻውቶም ሙዚቃታት ንሰብ ውራይ ከፈስሁ፡ ከላህዩ ዝኽእሉ ሙዚቃታት ከጻውት እንተጀመረ’ውን፡ ንሱ ግን ፈጺሙ ሕጕስ ኣይኰነን።
ንውሽጡ ይነብዕ፣ ንሱ ብህይወት ተሪፉ ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ፋሕተርተር ብምባሉ ጥራይ ዘጥፍአ፡ ንነብሱ ዘብለጸ ኰይኑ እናተሰምዖ፡ ይሓዝን።
“ኣነ ካብ ብዙሕ ነገር ወጺአ፤ ኣዕሩኽተይን መተዓብይተይን ግን ኣብኡ ተሪፎም። ንሱ ዘኪረ ኣነ ይሰርሕ ከም ዘለኹ ክሓስብ እንከለኹ ኣእምሮይ ይትንከፍ’ዩ። ስድራ ክኣሊ ስለ ዘለኒ እምበር ውሽጠይ ይጕዳእ’ዩ ዘሎ” ይብል።
ኣብ መንጐ፡ እቲ ርክብ ቴሌፎን ዝተቛረጸ ክሳብ ዝመስለና ነዊሕ ስቕታ ዓሲሉ። ጸኒሑ ድማ ‘እህህታ’ . . . ንብዓት ተሰሚዑ።
ንዮውሃንስ፡ ይቕሬታ ሓቲትና ሓሳቡ ክቕጽል ዝኽእል እንተዀይኑ ሓቲትናዮ።
“ናቶም ስእሊ ክርኢ፡ ሙዚቃ ክሰምዕ ንእከለኹ ንዕኦም ዘኪረ . . . ከቢድ እዩ። ገሊኡ ኣካሉ ጐዲሉ ምሳና ኣሎ። ኣብ ገድሊ ዝነበረ ሰብ ክመጽእ እንከሎ ብዙሕ ሕማቕ ነገር ኣሕሊፉ እዩ ዝመጽእ፣ ስርሑን ቤተሰቡን ራሕሪሑ እዩ ከይዱ። ኣብ ቀጻሊ ኣብ ትግራይ ዝፍጠሩ ዕድላት ነቲ ኣካሉ ጐዲሉ ዘሎ እንተዘይኰይኖም፡ ስድራ ስውእ ግቡእ ክብሪ እንተዘይረኺቦም ከቢድ እዩ ክኸውን” ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ክውስኽ ኣይክኣለን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ በሰላ ንምጽጋን...
ድሕሪ ኲናት ማእለያ ዘይብሎም ማሕበረ ስነልቦናዊ ጸገማት ከም ዝመጽኡን፡ ኲናት ዝገድፎም በሰላታት ኣብ መዓልታዊ ህይወት እቶም ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ከም ዝንጸባረቕን ሊቃውንቲ ጥዕና ስነኣእምሮ ይገልጹ።
ካብኦም እቲ ሓደ ‘survival guilt’ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ 'ምሳይ ዝነበሩ ሞይቶም ክንሶም ኣነ ግን ብህይወት ተሪፈ'፣ 'ካልኦት ተሰዊኦም እንከለው ኣነ ግን ክሰርሕን ክነብርን’ዶ ይግብኣኒ' . . . ዝብሉ ስምዒታት ዝግለጸሉ እዩ።
ኣማኻሪ ጥዕና ኣእምሮ ሓቂ ፋውንዴሽንን መምህር ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራትን ዝዀነ ካብ ኲናት ዝምለሱ ዮናስ ክፍሎም፡ ካብ ኲናት ዝምለሱ ሰባት፡ ንዕኦም ኣብሊጹ ዝመጽአ ህይወት ከም ዘሎ ከም ዝስምዖም ብምግላጽ፡ ክሰርሑ ወይ ክሕጐሱ እንከለው ንርእሶም ከም ዝነቕፉ የረድእ።
“ንሰብ ከተረድኦ ዘይትኽእል ነገር ርእዮም ስለ ዝመጽኡ፡ እቲ ዝተፈለዮም ሰብ ብምስሊ ከይተረፈ ይመጽኦም፤ ኣብ ጥቓኦም ኰይኖም ዘዋግዕዎም፡ ዝልእኩዎም ዘለው መሲሉ ይስምዖም። ወይ ክሞቱ እንከለው ዝተዛረቡዎም ቃል እንተሃልዩ እናተደጋገመ ይመጽእ” ብምባል እዚኦም ከም ምልክታት በሰላ ኲናት (Trauma) ዝውሰዱ እዮም ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ሰብነትካ ወትሩ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኰይኑ ክስምዓካ፡ ሕማቕ ሕልሚ ደጋጊምካ ምርኣይ፡ መዓልታዊ ስምዒታት ፍርሒ ዝኣመሰሉ ምልክታት ከም ዝርኣዮም እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ።
እዚኦም ከበድቲ ምልክታት ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸቕጢ (PTSD) ተባሂሎም ዝግለጹ ኰይኖም፡ ግቡእ ስነልቦናውን ኣእምሮኣውን ሕክምና ክርከብ እንተዘይተኻኢሉ ናብ ሓያል ቅዛነት ከምርሕ ከም ዝኽእል ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።
“ሕውየት” ውሕስና ካብ ምርካብ እዩ ዝጅምር፡ ዝብል ክኢላ ጥዕና እእምሮ ዮናስ ክፍሎም፡ እዞም ሰባት መጀመርታ ድሕነቶም ክረጋገጸሎም፡ መሰረታዊ ነገራት ድሌታቶም ሓቲትካ ክማልኣሎም ብምግባር እዩ ዝጅመር ኢሉ።
“ልክዕ ከምቲ ክደምዩ እንከለው ተጓይኻ እትሕክሞም፡ ጥዕና ኣእምሮኦም’ውን ቀሪብካ ክትትል ምግባር፡ ምሕካም የድልዮ እዩ። ነጻጺልካ ሓላፍነት እንተዘይተወሲድሉ ድማ ጉዳዮም ናይ ማንም ሓላፍነት ከይኰነ እዩ ዝተርፍ።
"ናይ ኵልና ሓላፍነት እዩ እናበልካ ምሕላፍ ኣጸጋሚ’ዩ፤ ኵሉ ነናይ ባዕሉ ሓላፍነት ሒዙ ጐኒ ጐኒ እዩ ክኸይድ ዘለዎ” ክብል ሞያዊ ማዕዳኡ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







