ኣብ ትግራይ ወረዳ ሳምረ ብሰንኪ ጥሜት 25 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ፡ ኣብቲ ካብ መቐለ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 25 ኪሎሜትር ዝርከብ ወረዳ ሳምረ፡ ብሰንኪ ጥሜት 25 ሰባት ከም ዝሞቱ ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቶም ግዳያት ጥሜት፡ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታተትን ከም ዝርከብዎም ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ነበርቲ ተጸበይቲ ረዲኤት ኰይኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ጉዳይ ዕደላ እኽሊ ረዲኤት፡ ብኣድማዕነትን ኣብቲ ዝድለየሉን ግዜ ናብቶም ዝምልከቶም ግዳያት ኣብ ምብጻሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለየ ዝመልክዓቱ መሰናኽላት ክገጥሞን ቅሬታታት ክቐርብ ምጽንሑን ይፍለጥ።
እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎ ጸገማት ከጋድዶን፡ ተጸበይቲ ዝያዳ ንዓጸቦ፡ ሞትን ካልእ ማሕበራዊ ቅልውላዋትን ዘቃልዕ ምዃኑ ይግለጽ።
ወዲ 51 ዓመት ነባሪ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ኣቶ ታደሰ ገብሩ ካብቶም ኣብ ወረዳ ሳምረ ብሰንኪ ጥሜት ህይወት ኣባል ስድራኦም ዝሰኣኑ ሰባት እዩ።
ታደሰ፡ በዓልቲ ቤቱን ኣደ ኣርባዕተ ደቁን ብ24 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ህይወታ ከም ዝሓለፈ ንቢቢሲ ገሊጹ። ጠንቂ ሞታ ዝተሓተተ ታደሰ፡ በዓልቲ ቤቱ “ብጥሜት” ከም ዝሞተት ሓቢሩ።
ካልእ ነባሪት እቲ ከባቢ ወይዘሮ ለተስላሰተ ሓጐስ እውን፡ በዓል ቤታ ብ24 ጥቅምቲ 2015 ብሰንኪ ጥሜት ከም ዝሞተ ትገልጽ።
“ጥዑም ወልደገብሪኤል ይበሃል። ቀደሙ ጸላኢ ተቘጻጺርዎ ገዛና ንብረት ዝበሃል፡ መግቢ ዝበሃል ስለዘየግነና ሓዲግናዮ ነይርና። ጸላኢ ከይዱ ብዝተበሃልና ገዛና ኣቲና። ካዉኡ ግን ዕጽዋን ክባን ኰይኑ፤ ዝብላዕ ዝስተ ኣይነበረን” ትብል።
ለተስላሰተ፡ በዓል ቤታ ብቝሪን ጥሜትን ህይወቱ ከም ዝሰኣነ’ያ ትገልጽ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምኽታሙ ሓሓሊፉ ንሓደ ሰብ 15 ኪሎ ስርናይ ይረኽቡ’ኳ እንተነበሩ፡ ሰላም ኰይኑ ካብ ዝበሃል ግን ካብ መንግስቲ ረድኤት ዘይረኸቡ ከም ዘለዉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይሕብሩ።
“ሰላም ምስኮነ ክንወሃብ ኢና ኢልና ነይርና። ሰላም ብዝዀነ ግና ኣይተረኸበን ጠቕላላ። ብሱሩ ብሱሩ ኣይመጸናን” ክብል ኣቶ ታደሰ ገሊጹ።
በዓል ቤታ ክመውት ከሎ ምስ 5 ቈልዑ በይና ዝተረፈት ለተስላሰ “ህዝቢ ክረግፍ” ኢሉ ከም ዘሎ ገሊጻ።
“ቈልዑ ክዱ ልመና ተበልካለ ልመና የለን ኵሉ ሓደ እዩ ኰይኑ ዘሎ” ክትብል ብምረት ነቲ ኵነታት ትገልጽ።
በዅሪ ጓላ ብጥሜት ከም ዝሞተት እትገልጽ ፈጸጉ ኣበራ ዝተበሃለት ነባሪት፡ ቤተ ክርስትያንን ምምሕዳር እቲ ከባቢን ካብ ሕብረተሰብ እናዋጽኡ ገለ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ትሕብር።
ንሳ ምስ ሰለስተ ደቃ፡ “ኣርባዕተ ርእስና ሓንቲ ጣይታ ንግሆ፡ ሓንቲ ጣይታ ምሸት” ከም ዝወሃቦም እያ ትገልጽ።
ኣመሓዳሪ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ኣቶ ኣሸብር ተካ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸገም ከም ዝጸንሐ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ህዝቢ፡ ብሰንኪቲ ነዊሕ ዝቐጸለ ሃዋሁ ኲናት፣ ንቡር ንጥፈታት ማሕረስ ከካይድ ከምዘይከኣለን እዚ ድማ ነቲ ኵነታት ከም ዘጋደዶን ይግለጽ።
ገለ ሰባት ዝዘርእዎ እኽሊ ብሕጽረት ድዅዒ ከም ዝተሃሰየን እቲ ዝተረፈ ድማ በረድ ወቒዕዎ ከም ዝተበላሸወን ወይዘሮ ለተስላሰ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብ ጣብያ ዓምዲ ወያነ 16 ደቂ ኣንስትዮን 6 ደቂ ተባዕትዮን ከም ዝሞቱ ዝገልጽ ኣቶ ኣሸብር ተካ፡ ኣወሃህባ ረድኤት “ዘዕግብ” ከም ዘይነበረ ገሊጹ።
“ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት 8 ግዜ” ጥራይ ረድኤት ከም ዝተወሃበ ዝገልጽ እቲ ኣመሓዳሪ እቲ ጣብያ፡ እቲ ረድኤት ብቐጻሊ ቀልጢፉ ዘይምምጽኡ ናይቲ ሕብረተሰብ ጸገም ክፈትሕ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።
እቲ ሕብረተሰብ ን“ንስደት፡ ጥሜትን ሞትን” ከም ዝተቓልዐ’ውን ኣመልኪቱ።
ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ብርሃኑ መሓሪ ብወገኑ ካብ መስከረም ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ 25 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
“እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ እናተኸፋፈለ፡ ካብቲ ስሩዕ ረድኤት ወጻኢ ዘለዉ ገበርቲ ሰናይ'ውን ብፍላይ ንኣደታትን ህጻናትን ዝወሃብ መግቢ ስለዝሕግዙ” ብምባል ካብቶም ዝሞቱ 25 ብተወሳኺ ካልኦት ሰባት ክሞቱ ይኽእሉ ከም ዝነበሩ ኣመልኪቱ።
ካብ ኮምሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ነቶም ህጹጽ ረድኤት የድልዮም እዩ ተባሂሉ ዝተለኣኸ ረድኤት ክስረቕን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥን ከም ዝተረኣየ ብምግላጽ ዝህብዎ ዝጸንሑ ረድኤት ንግዚኡ ከም ዘቋረጹ ኣብዚ ወርሒ ኣፍሊጦም ነይሮም።
ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነዚ ጉዳይ ዝከታተተልን፡ ነቶም ኣብ ስርቅን ምጥፍፋእን እኽሊ ረድኤትን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ብሕጊ ተሓተቲ ዝገብርን ሓይሊ ዕማም ከምዘቘመ ይዝከር።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ጠፊኡ ሚልዮናት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ተጸበይቲ ህጹጽ ሓገዝ ኰይኖም ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







