ኣሜሪካዊ ትካል ልምዓት፡ ረዲኤት ንትግራይ ከቋርጽ ካብ ዝደረኾ ጭብጢ እንታይ እዩ?

ረድኤት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ -ዩኤስአይድ፡ ንትግራይ ክህቦ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ረድኤት ደው ምባሉ፡ ብ3 ግንቦት 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

ኣሜሪካ እታ ዝበዝሐ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት እትህብ ሃገር ከምዝዀነት ዘመልከተ መግለጺ፡ እቲ ረድኤት ምሃብ ዘተቋረጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ነቶም ህጹጽ ረድኤት የድልዮም ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት፡ ክስረቕን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ከምዝተራእየ ምዃኑ ጠቒሱ’ሎ።

ምስቲ መግለጺ ተተሓሒዙ፡ ብትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣሜሪካ ዩኤስአይድ ዝወጽአ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝዀነ መግቢ ረዲኤት ካብ መዓላኡ 'ተጠምዚዙ' ብጭቡጥ ከምዝረኸበን ነቲ ግዚያዊ ምቍራጽ ክውስን ከምዝደረኾን የመልክት።

ነዚ ከነጽር እንከሎ እቲ ሓበሬታዊ መግለጺ፡ 'ጕጅለ ሓገዝ ምላሽ ሓደጋ' (ዲዛስተር ኣሲስታንስ ረስፖንስ ቲም - DART)’ ካብ 21-23 መጋቢት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ስሩዕ ምክትታል ንጥፈታት ዕደላ ረዲኤት ኣብ ዘክይደሉ ዝነበረ መገሻታት፡ ኣብ ከተማታት ሸራሮን ሽረን፡ ብ ‘USAID’ ዝምወል እኽሊ ስርናይ ብቓልዕ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ክሽየጥን ክልወጥን ከም ዝረኣየ ይጠቅስ።

ብመሰረት ‘ቲ መግለጺ ዩኤስአይድ፡ ኣብ ሽረ፡ ኣባላት እዚ ጕጅለ ምክትታል፡ ኣስታት 2,000 ሜትሪክ ቶን ወይ ከኣ 200,000 ኩንታል ዝኸውን ዘይተኸፍተ ‘USAID’ ዝተጻሕፎ መሸማዓት ስርናይ ኣብ ዕዳጋ ረኺቦም።

እዚ ኸኣ ንሓደ ወርሒ ን134,000 ተቓላዕቲ ሰባት ንምምጋብ ዝኣክል ኰይኑ፡ ኣብ ዕዳጋ እኽሊ ውሽጢ ዓዲ ንኽሽየጥን፡ ኣብቶም ብናይ ውሽጢ ዓዲ ጅምላ ሸየጥቲ ዝውነኑ ትካላት ክጠሓንን ሓርጭ ኰይኑ ክዳሎን ተዓዚቦም።

ሰራሕተኛታት ትካል ረዲኤት፡ ብ16 መጋቢት ኣብ ሸራሮ እኽሊ ረዲኤት ድሕሪ ምክፍፋሉ፡ ፍቓድ ብዘይብሎም ውልቀሰባት ስርናይ ካብ ሸራሮ ናብ ሽረ ከግዕዝ እንከሎ’ውን ተዓዚቦም እዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ብኣባላት ምክትታልን ምላሽ ሓገዝ ሓደጋ ‘ዳርት’ ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 13 ሚያዝያ ናብ ካልኦት ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ዘካየድዎ ሽዱሽተ መገሻታት፡ እቲ ምጭዋይ እኽሊ ረዲኤት፡ ኣብ መላእ ‘ቲ ክልል ብስፍሓትን ብዝተዋደደን ኣገባብ ዝግበር ምዃኑ የረጋግጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራሕተኛታት ዳርት፡ ብፍላይ ካብ 30–31 መጋቢት ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ - መቐለ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ፡ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ (IDPs) መግቢ ድሕሪ ምክፍፋል፡ USAID ዝብል ምልክት ዘለዎ ስርናይ ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥን፡ ተጣሒኑ ሓርጭ ክኸውንን ምዕዛቦም ይገልጹ።

ሰራሕተኛታት እዚ ኣህጉራዊ ትካል ረዲኤት ብተወሳኺ፡ ኣብ ሓያሎ ዘካየድዎም መገሻታት፡ ኣብ ዕዳጋታትን ውልቀ ትካላት መጥሓንን፡ ረዲኤት ፕሮግራም መግቢ ዓለም - ውድብ ሕቡራት ሃገራት (WFP) ዝብል ምልክት ዘለዎ መሸማዓት ስርናይ’ውን ርእዮም እዮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ዝለዓለ ኣሰካፊ ደረጃኡ በጺሑ ኣብ ዘለወሉ፡ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ ጸገማት ተበጻሕነትን ዝካየድ ዘሎ ዝምታ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ መግቢን፡ ንግዳያት መሊሱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ፡ መግለጺ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ የተሓሳስብ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ትካል ረዲኤት ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ብዓይነት ክህቦ ዝጸንሐ ረዲኤት መግቢ ንግዚኡ ደው ኣቢሉዎ ምህላው የረድእ።

እዚ ነቲ ኣብታ ክልል ንዝርከቡ ተቓላዕቲ ህዝብታት ካብቲ ክበጽሖም ዝኽእል ሓገዝ መግቢ ተወሳኺ ዝምታ ንምክልኻል እዩ ከኣ ይብል ‘ቲ መግለጺ።

እዚ ኣሜሪካዊ ትካል ረዲኤት፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓደጋታት ንምቅላል፡ ካብ መግቢ ወጻኢ ኣብ ዝግበር ሓገዛት ንምድጋፍን ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ መሻርኽቲ ተሓባቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎን’ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

ካብዚ ሓሊፉ’ውን ቤት ጽሕፈት ዋና ተቘጻጻሪ ‘ዩኤስኤይድ’ ብዛዕባ’ቲ ክስታት ምሉእ መርመራ የካይድ ከምዘሎ፡ እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ ኣሚቱ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ብምቛም ተሓተትቲ ውልቀሰባት ኣብ ሕጊ ከቕርብ ምዃኑን ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ኣብ ፈይስቡክ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ “ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሕሱም ጸገምን ምምዝባልን ወዲቝ ተጸባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኰይኑ ዝርከብ ህዝብና ሂወቱ ንምድሓን ብገበርቲ ሰናይ ዝመጽእ ሓገዝ ብዘይኣገባብ ምምሕዳር፡ ምጥፍፋእን ናብ ዕደጋ ምውጻእን የጋጥም ብምህላው ኣብ ህዝብናን ለገስቲ ኣካላትን ሰፊሕ ቅረታታት ክልዓል ጸኒሑን ኣሎን” ኢሉ።

መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተወሳኺ፡ እቲ ዝቘመ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብቲ ተግባር ተዋፊሮም ንዘለዉ ውልቀሰባት ብሕጊ ተሓተትቲ ክግበርን፡ ንህዝቢ ክሕበርን ምዃኑ፡ እቶም ኣብ ዝምታን ምጥፍፋእን ተዋፊሮም ዘለዉ ካብ ተግባራቶም ክእደቡ ኣጠንቂቝ።