ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ከባቢ ሸራሮ እንታይ ኣጋጢምዎ?

ተፈናቐልቲ ሸራሮ

ምንጪ ስእሊ, RW

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ልኡኽ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ከባቢ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተንቀሳቒሱ ከምዝነበረን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ክዕዘብ ከምዝፈተንን ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ሓላፊ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ [ኦቻ -ኢትዮጵያ]፡ ሚሸል ሰዓድ፡ እቲ ልኡኽ ሓደሽቲ ዘይተበጻሕቲ ከባብታት ከምዝረአየን 'ኣዝዩ ዕዉት ዑደት' ከምዝገበረን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ግዝያዊ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ፡ ተኽላይ ገብረመድህን ብወገኑ፡ እቲ ብምክትል ሓላፊ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ [ኦቻ -ኢትዮጵያ] ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ከተማ ሸራሮ፡ ምስ ምምሕዳር እቲ ከባቢን፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ምዝርራቡ ገሊፁ።

እቲ ዕላማ ኣብተን ተበጻሕቲ ዘይኰና ነቝጣታት ዘሎ ህዝብን ሓረስታይን ዝርከበሉ ኵነታት ንምዕዛብ ዝዓለመ ከምዝነበረ ድማ ኣረዲኡ።

ተኽላይ ወሲኹ፡ “ተወከልቲ ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ኣብኡ ስለዝነበሩ፡ ንኣብነት ናይ ሕክምና ኣክሰስ ኣይረኽቡን ዘለዉ ዝብል ንመርኣይ ዝዓለመ እዩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብኡ ስለዘለዉ ሓገዝ ክንገብረሎም ኣይከኣልናን ዝብል፡ ኣካል እቲ ምይይጥ ነይሩ” ክብል ንቢቢሲ የረድእ።

ምስቲ ልኡኽ ዝተንቀሳቐሰ ተኽላይ፡ “ካብኡ ግን ኣደመይቲ ናብ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ-ዓዲ ኣሰር ክሓልፉ ክብሉ ሰራዊት ኤርትራ ኬላ ገይሮም፡ ካብኡ ‘ኣይትኸዱን’ ኢሎም ከም ዝኸልከልዎም ይገልጽ።

"ኣብኡ እናሃለና፡ ሒዞም መሊሶምዎም፡ ኣይፈቐዱሎምን፡ ከሕልፉና ኣይከኣሉን። ካልእ’ውን ንእሽቶ ኣወጣዊጦምልና። ክነረደኦም ፈቲንና ግን ኣይከኣልናን። ‘ኣይነሕልፈኩምን’ ኢሎም ከልኪሎምዎም” ብምባል እቲ ተጓንፎ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ናብተን ዛጊድ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ዘይበጽሐን ቁሸታት ተሓሲቡ ዝነበረ ዑደት በዚ ምኽንያት ተቛሪጹ ተሪፉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ታሕታይ ኣድያቦ ዝበሃል ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዘለዎ ከባቢ ኣብ ኢዶም እዩ ዘሎ” ክብል ድማ ዛጊድ ሃለዋት ሓይልታት ኤርትራ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ኦቻ-ኢትዮጵያ ሚሸል ሰዓድ ብወገኑ፡ እቲ ጕጅለ ሰብኣዊ ልኡኽ፡ ናቱ ቤት ጽሕፈት መሳርሕቱ ሓዊሱ ብዙሓት ኣካለት ትካላት ረድኤት ዝሓቘፈ ጕጅለ፡ ግንቦት 25ን 26ን ናብ ገለ ቁሸታት እቲ ዞባ ከምዝተንቀሳቐሰን ዝገለጸ ኰይኑ፡ እቲ ተጓንፎ ኣመልኪቱ ከምዚ ክብል ኣረዲኡ።

“ኢንተር - ኤጀንሲ ዑደት እዩ ነይሩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ቅድሚኡ ተበጻሓይ ዘይነበረ ቦታታት ከይዱ ምርኣይ ክኢሉ እዩ።

"ብዘይካ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ካባቢ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ [ገመሃሎ] ከምኡ ዘጓነፈና፡ ካብኡ ወጻኢ ግን ዕዉት ዑደት እዩ ነይሩ። ምናልባት ናይ ሓበሬታ ክፍተት ዝነበረ እመስለኒ፤ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢ፡ ከምቲ ተወጢንዎ ዝነበረ እቲ ልኡኽ ዑደት ክቕጽል ኣይከኣለን” ኢሉ።

“ገለ ቀበሌታት ካብ ተበጻሕነትና ወጻኢ ኰይነን እየን ጸኒሐን” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ከምኡታት ከባቢታት እቲ ቤት ጽሕፈቶም ቀይሕ ምልክት ከምዝገብረሉን፡ ናብ ከምኡ ከባቢታት ዝግበር ጕዕዞ ፍሉይ ትዅረት ከምዘድልዮን ሓቢሩ።

“እዚ ዞባ፡ ኣብ ድሕረ-ኲናት ቅልውላው እዩ ዝርከብ። ኣብ ከምዚታት ከባቢ ክትሰርሕ ከለኻ ምስ ኣብ ኲናት ዘይብሉ ከባቢ ማዕረ ኣይኰነን።

"ብዙሕ ዕንቕፋት እዩ ዘጋጥመካ፤ ሰራሕኛታትና መዓልታዊ ከምኡ እዩ ዝገጥሞም። እዚ ተጓንፎ ድማ፡ ከም ዓቢይ ጸገም ገይረ ኣይርእዮን። ምስቲ ነባርን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እናተዛተኻ ዝፍታሕ እዩ” ኢሉ።

እቲ ጉጅለ፡ ምስ ነበርትን ምምሕዳራትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ድማ ከምዝዘተየን ንቐጻሊ ስራሓቶም ጠቓሚ ዑደት ከምዝነበረን እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።

እዚ ተጓንፎ ምኽልካል ዑደት 'ቲ ጕጅለ ብዝምልከት ይዅን፡ እቲ ከባቢታት ሓይልታት ኤርትራ ተቘጻጺሮምዎ ንዝብል ካብ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ሓለፊ እቲ ዞባ ተኽላይ፡ ብዙሓት ቁሸታት ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ሓይልታት ኤርትራ ተቘጻጺሮምወን ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ዝገለጸ ዀይኑ፡ ምምዝባል፡ ስርቂ እንስሳትን ዕንወት ትሕተ ቕርጽን ዝኣመሰሉ ግፍዒታት ከምዝፍጽሙ ድማ ከሲሱ።

ድሕሪ ውዕል ሰላም

ሓላፊ ኦቻ-ኢትዮጵያ ዝዀነ ሚሸል፡ ብሓፈሻ ድሕሪ ውዕል ፕሮቶርያ ሕዳር 2022፡ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓገዝን ኣብ ትግራይ ተመሓይሹ ምህላዉ የረድእ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ተሰሪቑ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብዝብል ጸብጻብ ስለዝበጽሖም፡ ውድብ ምግቢ ዓለምን ዩኤስኣይድን ናብቲ ክልል ረድኤት ከይከይድ ኣጊዶም ይርከቡ።

በዚ ምኽንያት ሞት ይበዝሕ ከምዘሎ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ይጽብጽባ ኣለዋ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ውግእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2022፡ ኣብ ፕሮቶርያ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝፈረሙ ዀይኖም፡ ብኡ መሰረት፡ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሓይልታት ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታት ክልላት ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ዝብል ይርከቦ።

ካርታ

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ኰይኖም፡ ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ከምዝወጽኡ ይግለጽ።

እንተዀነ፡ ብምብራቕን [ኢሮብ] ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ገለ ከባቢታት ተቘጻጺሮምዎ ከምዝርከቡ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ነበርቲ እተን ከባቢታት ኣብ ሕሱም ጸገም ከምዝርከቡን መራሕቲ ትግራይ ደጋጊሞም ይገልጹ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ተቘጻጻርን ተኸታታልን ውዕል ሰላም ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንጥፈታቱ ከይፍጽም ሓይልታት ኤርትራ ከልኪሎም’ዮም” ኢሉ ምኽሳሱ ተሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ይዅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብዝምልከት ዝበልዎ የለን።