መናእሰይ ደቂተባዕትዮ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ‘ከይንሳፈር ተኸልኪልና' ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, DW

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI
ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ ትኬት ዝቖረጹ ተጓዓዝቲ መንእሰያት፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከምዝተኸልከሉ ገሊጾም።
ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ተጓዓዝቲ፡ ትኬት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገዚኦም ከብቅዑ፡ ናብቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝኸዱሉ ነቲ መንገዲ ኣየር ብዝሕልዉ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተኸልከሉ ተዛሪቦም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ካብን ናብን ትግራይ ዘካይዶ በረራ ቅድሚ ሰሙናት ከምዝጀመረ ይፍለጡ።
ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ግና ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጓዓዙ ትኬት ዝቖረጹ፡ ብፍላይ መንእሰያት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋን ሽረን ከምዝተኸልከሉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ጀሚሮም።
ነቲ ብተጓዓዓዝቲ ዝቐረበ መረረ ኣመልኪቶም ንቢቢሲ መብርሂ ዝሃቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ፖሊስ ፍደራልን ግና ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ክሲ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ሓቢሮም።
“ካብ 16 ዓመት ንላዕልን ካብ 64 ንታሕትን ምኻድ ኣይከኣልን”።
ሓይልታት ፌደራል ካብ ከተማ መቐለ ቅድሚ ምውጸኦም ናብ ትግራይ ከምዝተጉዓዘ ዝገልጽ ንድሕነቱ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ገያሻይ፡ ከተማ መቐለ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ምስ ኣተወት ግን መንገድታት ስለዝተዓጸወ ናብ ዝነብረሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ከምዘይከኣለ ይገልጽ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ስዒቡ ግና ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምላስ ቅድሚ ሰሙን ትኬት ቆሪጹ።
ትማሊ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ምስከደ ግና ነቲ መንገዲ ኣየር ብዝሕልዉ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ከምዝተኸልከለ ይገልጽ።
“በረራይ ትማሊ እዩ ነይሩ፤ ዳሓር ግን ካብ 16 ዓመት ንላዕልን ካብ 64 ንታሕትን፡ መንእሰያት፡ ምኻድ ኣይከኣልን ኢሎምና። ኣደ ቆልዑ ዝኾና፣ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ዝተጽሓፈ ናይ ሕክምና ሪፈር ዘለዎምን ዓበይትን ጥራሕ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ነጊሮምና፤ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል እዮም” ኢሉ።
“ነባርነተይ ኣዲስ ኣበባ እዩ፤ መለለዪ መንነት እውን ናይ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዘለኒ። ናብኡ ንምምላስ እዩ” ዝብል እቲ ወሃቢ ርእይቶ፡ ዋላኳ መረዳእታ እንተቕረበ፡ ክቕበልዎ ከምዘይከኣሉ እዩ ዝገልጽ።
ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር እውን ፡ እቲ ክልከላ ካብ ናቶም ቁጽጽር ወጻኢ ከምዝኾነ ገሊጾምልና ኢሉ።
ብተወሳኺ “ትማሊ ብግምት ካብ 200 ክሳብ 300 ዝኸውን ሰብ ነይሩ፤ ሎሚ መዓልቲ ግን ቀኒሱ እዩ” ብምባል ሕዚ እውን ኣብቲ መንገዲ ኣየር ኮይኑ ይጽበ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ነቲ ብተጓዓዝቲ ዝቐረበ መረረ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዋና ፈጻሚ ጉዳያት ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።
“ንሕና እንፈልጦ ነገር የለን፤ ከምእትፈልጥዎ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ዕድመ ናይ ጾታ ክልከላ የብልናን። ምኽንያቱ እቲ ትካል ብሕግን ስርዓትን እዩ ዝመሓደር። ክሳብ እዛ ሎምመዓልቲ ከምዚ ዓይነት ክልከላ የብልናን። ናብ ድሕረ ገጽና እንተኣቲኹም እውን ዝኾነ ክልከላ የለን” ኢሉ።
ኣቶ ለማ፡ ብወገን መንግስቲ እውን ዝኾነ ክልከላ ዝምልከት መምርሒ ከምዘይተውሃቦም እዩ ዝዛረብ።
“ምናልባት ከባብያዊ መዐቀኒታት ወጺኡ እንተኾይኑ፡ ምስ መንግስቲ እቲ ክልል እንተተዘራረብኩም ዝሓሸ ይመስለኒ። ዛጊት ዝበጽሓና ጥቆማ የለን፤ ካብ መንግስቲ እውን ዝተውሃበና ትእዛዝ የለን”።
ካልእ ቢቢሲ ዘራረቦ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ፈለማ ካብ ከተማ መቐለ ንምብራር ተኸልኪሉ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትካል ከምዘለዎ መረጋገጺ ምቕራቡ ስዒቡ ግን ክጓዓዝ ከምዝተፈቐደሉ ገሊጹ።
ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ፖሊስ ፌደራል ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ትካላት ፌደራል ተረኪቡ ምሕላውን ምምሕዳርን ጀሚሩ እዩ።
በዚ መሰረት ፖሊስ ፌደራል፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ካብ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ተረኪቡ ምሕላው ጀሚሩ።
ነቲ ፖሊስ ፌደራል ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሽረን መቐለን፡ መንእሰያት ዝርከቡዎም ሰባት ከይጓዓዙ ከልኪሉ ዝብል ክሲ ብዝምልከት ሕቶን መብርህን ዘቕረብናሉ፡ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል ጀይላን ኣብዲ፡ “ገና ሐዚ ካባኹም ኢና እንሰምዖ ዘለና፤ ናብኡ ደዊልና ክነጻርይ ኢና” ዝብል ሓጺር ምላሽ ሂቡ።
ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ነቲ ክልከላ ኣመልኪታ ኣብ ዝዘርገሐቶ ሓበሬታ፡ ንሰብ መዚ ትግራይ ሓቲታ፡ “ብዛዕባ እቲ ክልከላ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለን ምስ ሰብመዚ ፌደራል ከምዝዘራረቡሉን” ምግላጾም ኣቃሊሓ።
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝተበጸሐ ስምምዕ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ከምኡ እውን ኣገልግሎት ቴሌፎን ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
እንተኾነ ስሩዕ ኣገልግሎት ባንክን ናይ ተሽከርከርቲ መጓዓዝያን ብዘይምጅማሩ ሕዚ እውን ነበርቲ ብሕጽረት ገንዘብን ሸቐጣትን ተጸጊሞም ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምስ ጽዕነት ገያሾ ዝተሓሓዝ ዝቐረበ ቅረታ እንታይ ኢሉ?
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ በረራ ምጅማሩ ስዒቡ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራቤታት ክራኸቡ ክኢሎም እዮም።
ብዙሓት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን መራኸቢ ብዙሃንን ታሕጓሶም ክገልጹ ጸኒሖም።
ካብ ቀረባ መዓልቲታት ግና፡ ብፍላይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ኣብ ዝግበሩ በረራታት፡ ብዙሓት ዝሓዙዎም ሳናጡ ከይጽዕኑ ከምዝተኸልከሉን፡ እቲ ዝተፈቐደሎም ድማ ድሕሪ መዓልቲታት ከበጽሖም ከምዝግበርን ዝገልጹ ክስታት የቕርቡ ኣለዉ።
እቶም ቅርታታት ከምዝበጽሕዎም ዝገልጽ ዋና ፈጻሚ ዘፈር ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ለማ ያደቻ፡ ተቓባልነት ከምዘለዎምን እቲ ምኽንያት ምስ ዓቕሚ እተን ነፈርቲ ከምዝተሓሓዝን ተዛሪቡ።
“ናይ ትግራይ በረራ ኣብ ዝጀመርናሉ፡ ሰባት ብዙሕ ኣቑሑት ገዚኦም ናይ ምኻድ ኩነታት ነይሩ። እዚ ድማ እተን እንጥቀመለን ነፈርቲ ክሽከመኦ ካብ ዝኽእላ ንላዕሊ ኮይኑ፤ ምኽንያቱ ብበዝሒ ቦምባርዴር ኪው-400 ዝበሃላ ነፈርቲ ኢና ንጥቀም” ኢሉ።
ሓደ ገያሻይ ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 20 ኪግ ዝሕዝ ሓደ ሳንጣ ሒዙ ክጓዓዝ ከምዝፍቀዶ ዝገልጽ ኣቶ ለማ፡ እቲ ጸገም ተኸፊልዎ ኣብ ዝኸይድ ተወሳኺ ጽዕነት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ተጓዓዝቲ ብዙሕ ኣቑሑት ሒዞም መጺኦም ስለዝነበሩ፡ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቡ ነይሩ። ትማሊ ንጉሆ ፍሉይ በረራ፡ ናይ ጽዕነት ቦይንግ-737 ጌርና ኩሉ ኣጓዓዒዝናዮ ኣለና።
ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተረፈ ዋላ ሓደ ሳንጣ የለን። እቲ ናይ ትማሊ በረራ ብኽሳራ ኢና ሰሪሕናዮ፤ ምኽንያቱ ዓማዊልና ስለዝተንገላትዑን ምግልጋል ሓላፍነትና ስለዝኾነን። ንግዚኡ ተጓዓዝቲ ዝፍቀደሎም ሳንጣ ሒዞም እንተዝኸዱ ዝሓሸ እዩ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







