‘ንዘሎ ጠለብ ብምርኣይ ናብ መቐለ በረራታት ክውስኽ እየ’ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN AIRLINES

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣብ ዝግበር መገሻታት ንጠለብ ተጓዓዝቲ መሰረት ብምግባር ቁፅሪ በረራታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መገዲ ኣየር ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ንግዲ ኣይተ ለማ ያደቻ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ቁፅሪ በረራታት ናብ መቐለ ዝግበሩ ዘለዉ በረራታት ምውሳኽ ከም ዝከኣል ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን በረራ ደው ኣቢሉ ዝፀንሐ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብረቡዕ 19 ታሕሳስ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ መቐለ ዝካየድ በረራ ብወግዒ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን 82 ተጓዓዝቲ ዝሕዛ ‘ቦምባርዳይር ዳሽ 8-Q400’ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብምጥቃም ኣብ መዓልቲ ክልተ በረራታት የካይድ ምህላዉ እቲ መገዲ ኣየር ይገልፅ።

በረራ ምስ ጀመረ ብዙሓት ሰባት ናብ መቐለ ክገሹ ድልየት ከም ዘለዎም ግን ድማ ናይ ነፋሪት ትኬት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

እቲ መንገዲ ኣየር ድሌት ዓማዊሉ ኣብ ምምላእ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ዝሓበረ ኣይተ ለማ ያደቻ ካብን ናብን መቐለ - ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግበር በረራታት ጥርሑ ዝተርፍ መንበር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

“ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ጠለብ የለን። ኣድላዪ እንተኾይኑ ግን ኣብ ፍርቂ መዓልቲ’ውን ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ በረራታት ክንገብር ንኽእል ኢና" ኢሉ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዓውዲ ንግዲ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ትማሊ ረቡዕ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ በረራ 12 ባዶ መናብር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካ’ዚ ሎሚ ሓሙስ ቅድሚ ቀትሪ ናብ መቐለ ኣብ ዝበረረት ቀዳመይቲ ነፋሪት 21 ኣብ ካልኣይ በረራ ድማ 34 መንበር ባዶ ከም ዝነበረ ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝንጸባረቕን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ዝራኸብ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣይተ ለማ ያደቻ ከምዚ እንተበለ’ኳ፡ መርበብ ሓበሬታ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ካብ ኣዲስ ኣበባ - መቐለ ከምኡ’ውን ካብ መቐለ - ኣዲስ ኣበባ ንዝግበር በረራታት ክሳብ 29 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዘሎ እዋን ትኬት ተሸይጡ ከም ዝምዝተወደአ እዩ ዘርኢ።

ዋላ ብተሌፎን ደዊልካ ንበረራ ክትምዝገብ ኣብ ዝግበር፡ ኣብ ዝርዝር ተፀበይቲ መስርዕ (ሪካ) እምበር ብቐጥታ ናይ በረራ ትኬት ምርካብ ዝከኣል ኣይኮነን።

“እቲ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዝግበር በረራ ነቲ ሕጂ ዘሎ ጠለብ ዘማልአ እዩ ይመስል። ነፈርቲ ኣለዋና እየን፤ ሰራሕተኛታት በረራ’ውን ኣለውና። እቲ ቦታ ቀረባ ብምዃኑ ድማ እናተመላለስካ ምስራሕ ይከኣል እዩ። ስለዚ ጠለብ እንተሃልዩ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ተጓዓዝቲ ንምትእንጋድ ድልዋት ኢና" ይብል ኣይተ ለማ።

ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ኩናት ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ትግራይ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ክሳብ 14 ከም ዝበፅሕ ይግለፅ።

ካብቲ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት ብተወሳኺ ናብ ከተማ ሽረ መዓልታዊ በረራታት፣ ናብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ክልተ በረራታት ነይሩ።

ኣይተ ለማ ያደቻ ካብ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ከተማ ሽረ በረራ ክጅምር ምዃኑ ገሊፆም።

“ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሽረ በረራ ክንጅምር ኢና፤ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ክሳብ ዝሰርሕ ጥራይ ኢና ንጽበ ዘለና። ካብዚ ወፃኢ ኣብ ኣኽሱም መዕርፎ ነፈርቲ ኣሎ ግን ድማ ምትዕርራይ ዘድልዮ ነገር ኣሎ። ፀጊንና ምስ ወዳእና ብቕልጡፍ ክንጅምር ኢና” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብድሕሪ እዚ ቃለ-መሕትት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ካብ ዝመፅእ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ ሽረ መዓልታዊ ሓደ በረራ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ትግራይ ኲናት ምውልዑ ስዒቡ መጓዓዝያ ኣየር፡ ቴሌፎን፡ ኤሌክትሪክ፡ ባንኪን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ፈረቓን ተቛሪጾም ምፅንሖም ይፍለጥ።

ብድሕሪ ኣብ መንጎ መንግስት ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝተበፅሕ ስምምዕ ሰላም ድማ እዞም መሰረታውያን ኣገልግሎታት ብዝተወሰነ ደረጃ ክሰርሑ ይጅምሩ ኣለዉ።