ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ኡሁሩ ኬንያታን ናብ መቐለ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE
ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ኣሸማገልቲ ምቁራፅ ኲናት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።
ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን ኡሁሩ ኬንያታን ሎሚ ሓሙስ ናብ ከተማ መቐለ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን፡ መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮንን ካልኦት ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ፀብፂባ።
ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦን ዝከታተሉ'ዮም ዝተባህሉ፡ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን እውን ሎሚ ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ከም ዝኣተው ተገሊጹ'ሎ።
ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝካየዱ ልዝባት ዝሳተፉ ላዕለዎት ሰብ መዚ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቲዮም ኣለው።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ካብቶም ኣብ መቐለ ተረኺቦም ዘለው ላዕለዎት ሓለፍቲ ኰይኑ፡ እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን ኢጋድ ኩሉ ነገር ከም ዝገብር ወሃቢ ቃል ኢጋድ ገሊጹ።
ኢጋድ ንመስርሕ ሰላምን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተኣትወ ስምምዓትን ካብ ዘሸማገሉ ኣካላት ሐደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WEYANE/FB
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ፣ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቋሪጾም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ክኣቱ ምፍቃድ ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ዝሓዘ ምንባሩ ይዝከር።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብዚ ሰሙን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ሎሚ ሓሙስ ከበድቲ ኣጽዋር ምርካብን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ መቐለ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ምፍጻም ናብ መቐለ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።
ድሕሪ እቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋር ናይ ምርካብ መስርሕ ከም ዝጅመር እዩ ሓቢሩ።
ምዕባለታት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ
ብሰኑይ፡ ድሕሪ ልዕሊ ዓመትን መንፈቕን ንፈለማ እዋን ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራል መቐለ በጺሑ ምስ ተመልሰ’ዩ ኣምባሳር ሬድዋን ኣብ ቀጻሊ ትጽቢት ብዛዕባ ዝግበሩ ጉዳያት ኣአንፊቱ።
እቶም ሰብ መዚ ከምኡ’ውን ፈጸምቲ ስራሕ ትካላት ፌደራል ምስ መራሕቲ እቲ ክልል ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ከም ዝተዘራረቡ ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ፈጸምቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝጀመሩዎ ስራሕቲ ከቀላጥፉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ መምርሒ ከም ዝሃበ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊጹ።
በዚ መሰረት፡ ትማሊ ሮቡዕ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ተጉዓዝቲ ዝሓዘት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ክትኣቱ እንከላ፡ ዋና ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝዀነ ኢትዮ-ቴሌኮም ድማ ትማሊ ኣብታ ከተማ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌፎን ናብ ንቡር ክምለሱ ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን’ውን ውሱን ኣገልግሎት ኢንተርነት ከም ዝጀመረ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ኲናት፡ ብሰንኪ ኣብ ሞንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝዀነ ህወሓትን ብዝተፈጥረ ወጥርን ኣፈላላይን ዝተኸስተ እዩ ነይሩ።
ኣብዪ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ንዝነበረ ሰራዊት ኣጥቂዖምን ካብ ስልጣን ክኣልዩዎ ፈቲኖምን ብዝብል ይኸሶም።
መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክረክብን ጠጠው ንክብልን ሓያሎ ጸቕጢ ክገብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምምላስ ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዝጸንሑ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ንክምለሱ ዝተኻየደ ዘተ ሞንጐኛ ኰይኑ ብምምራሕ፡ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንክብጻሕ ኣኽኢሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







