‘ተግባራውነት ስምምዕ ምስ ኢትዮጵያ ንዝህልወና ርክብ ኣገዳሲ እዩ’፡ ሕብረት ኤውሮጳ

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣኼባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕብረት ኣውሮፓ ተፈጻምነት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ዳግም ክጅምሮ ዘኽእሎ ኩነታት ከምዝፈጥር ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት፡ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ብዝተኸተመ ስምምዓት ንሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምስጋና ከምዘቕረበ ይዝከር።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ንዝተራእየ ለውጢ ዘመስገነ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዚ ክድግፍ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

“እቲ ስምምዕ ብዘላቕነት ክፍፀም እንተኺኢሉ እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዝገብር እዩ” ኢሉ።

ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ካብቶም ንኢትዮጵያ ናይ ባጀት ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ብብዝሒ ዝህቡ ለገስቲ ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ግን ኣስታት 110 ሚልዮን ዶላር ናይ ባጀት ድጋፍ ክደናጎይ ገይሩ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ እቲ ሕብረት "ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመርኮሰ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ይዝከር።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘመልከቶ፡ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ፣ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምርግጋፅ ተሓታትነት ምግሃስ መሰላትን ተግባራዊ እንተኾይኑ፡ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ልምዓታውን ቁጠባዊን ደገፍ ናብ ንቡር ክምለስ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ልዑል ጠለብ ረድኤት ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ንቡር ክምለሱ ምግባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ድማ ሓቲቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸቕጢ ክገብር ዝፀንሐ ኮይኑ፡ ነታ ሃገር ክገብሮ ዝጸንሐ ደገፋት ድማ ኣጉዲሉን ኣደናጉዩን ኣሎ።

እቲ ደማዊ ኲናት ደው ንምኽብል ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምዕባለታት ከምዝተራእየ ይግለጽ።

ሸምገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ጎንፂ ብቐዋምነት ንምቁራፅ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ይኸውን ምህላዉን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ምምላሱን ንምርግጋፅ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ናብ መቐለ ክገሹ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።