ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ፈላሚ ጕጅለ ሰራዊት ሶማልያ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ሓይሊ ኣየር ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ዓውዲ ክስልጥኑ ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 5ሽሕ ሰራዊት ሶማልያ፡ ነቲ ቀዳማይ ጕጅለ ሰራዊት ዝጸዓነት ነፋሪት ትማሊ ኣብ ሞቓዲሾ ከም ዝዓለበት መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

ይዅን እምበር ሚኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ክንደይ ዝኣኽሉ ሰራዊት ከምዝኣተው ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ቍጽሪ ክነግረኩም ኣይደልን እየ። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክስልጥን ዝጸንሐ ሰራዊት ሶማልያ፡ ህዝቢ ሶማልያን መንግስቲ ፌደራልን ከምኡ እውን ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ስልጠናኦም ዝዛዘሙ ቀዳማይ ክፋል ኣትዮም ኣለዉ" ኢሉ።

እቶም ሓይልታት ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ስርሒታት ክሳተፉ ምዃኖም እውን እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ገሊጹ።

"ኣምላኽ እንተፈቒዱ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ባልዓት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ስርሒታት ክሳተፉ ተስፋ እገብር" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ዓብዱልቃድር እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ሰራዊት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኵሎም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም ኣተንቢሁ።

"እቲ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ሃገር በጺሑ'ሎ፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ክኣት'ዩ፡ ኣብ ዝተመደበሎም ስራሕ ድማ ክሳተፉ'ዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

“እዞም ሓይልታት ኣበይ እዮም ክሰርሑ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ መላእ ሃገር ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

"ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝተመደቡሉ ቦታ ክሰርሑ እዮም፣ ሰራዊት ሶማልያ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ክሰርሕ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ሰራዊት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣስታት 5000 ዝዀኑ ሰራዊት ሶማልያ ብሓይሊ ባሕሪ፡ ሓይሊ ኣየር ከምኡ’ውን እግረኛ ከሰልጥኖም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሃለዋት እዞም ወተሃደራት ሶማልያ ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኰይኑ ምጽንሑ ይግለጽ።

ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ነበር ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነቲ ሰራዊት ሶማልያ ኣብ ኵናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ነጺግዎ’ዩ።