ፕረዚደንት ሶማልያ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ምስቶም ኣብ ኮለጅ ኣቪየሽን ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ተራኺቡ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ'ዩ ትማሊ ናብታ ሃገር ኣትዩ።
ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርኻብ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ "ተርእዮታትን" ከምዝዘተዩ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ'ዩ ንካልኣይ ግዜ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ። እቲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብሽር ዑመር ጃማ ዝጠቓለለ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራቱ ተሳቲፉ ምንባሩ ይዝከር።
ሃለዋት ናይቶም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ከዘራርብ ምጽንሑ ይዝከር። ብወገን ክልቲኦም መንግስታት ግሉጽነት ብዘይምንባሩ፡ ገለ ስድራቤታቶም ከይተረፈ ሻቕሎታት ይገልጹ ምንባሮም ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ'ውን ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ክስልጥኑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ኩነተ-ኲናትን ንምብቃዕ ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን፡ ሶማልያን ኤርትራን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምምስራተን ይዝከር።
ኣብ 1991 ኤርትራ ሓርነታ ዝተጓናጸፈትሉ እዋን ይኹን፡ ብወግዒ ኣብ 1993 ናጽነታት ኣብ ዝኣወጀትሉ፡ ሶማልያ ኣብ ከቢድ ኲናት ሓድሕድ ዝተሸመመትሉ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2020 ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንጸጥታዊ ጉዳያት ዘጠቓለለ ምትሕብባር ክገብራ ተሰማሚዐን ነይረን'የን።
መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ 'ፋርማጆን ኣብ ኣስመራ ኣዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ኣንጻር ናይ ሓባር ስግኣታት" ክሰርሑ ምዃኖም ኣዊጆም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ናብታ ሃገር ዝገበሮ ፈላሚ መገሻ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምርኻብ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ክገብሩ ምርድዳእ ፈሪሞም ነይሮም።
ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺቡ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዘካየዶ ምብጻሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምኻድ ምስቶም ዝስልጥኑ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ እንተጸንሑ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ሶማልያን ግን ነቲ ክስታት ክነጽግዎ'ዮም ጸኒሖም።

ምንጪ ስእሊ, Villa Somalia/Twitter
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ሶማልያ ንዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ንምድምሳስ ብወተሃደራት ኣመሪካ ዝድገፍ ቀጻሊ ስርሒታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሰብመዚ ሶማልያ፡ እቶም ዕጡቓት‘ኣልሸባብ’ (መንእሰይ) ብዝብል ስም ከይጽውዑ ብምእጋድ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ይኹን ማዕከናት ዜና “ኻዋሪጅ” ዘነኣእስ ቃል ክጥቀሙ ጸዊዑ'ሎ።
ዕጡቓት ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብወገኖም፡ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ ቦምባ መጥቃዕትታት ኣሐይለሞ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ጥራይ ብውሕዱ 120 ሰባት ቀቲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







